መሰኻኽር ሰሓቢ ሓይሊ እምነት ኩኑ! መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንጉባኤ ‘ዕርክነት/ምሕዝነት ኣብ መንጎ ዘመደ ኣዳም’ ከተማ ሪሚኒ!
ዜና ቫቲካን!
እዚ ንመብል 41 ግዜኡ ዝካየድ ጉባኤ ዕርክነት መላእ ዘመደ ኣዳም ናይ ሪምኒ ጳጳስ ኣብ ዝኸፈቱሉ ግዜ ካብ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝተላእከት ሰላምታን ዓወትን እትምነ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ብክታም ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ተኸቲማ ብቀጥታ ናብ ጳጳስ ሪሚኒ ዝተጻሕፈት ኰይና ድሕሪ ምውቅ ሰላምታን ምስጋናን ቅዱስነቶም እዚ ጉባኤ እዚ ዕውት ንክኸውን ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ኣተሓሒዞም ነቶም ነዚ መደብ እዚ ዝወደቡን ኣብኡ ዝሳተፉን ኩሎም ዕውት ጉባኤ ንከካይዱ ብመንፈስ ቅርበቶም ድሕሪ ገሊጾም ኣብ ጸሎቶም ከምዝዝክርዎም እውን ኣረጋጊጾም። ቀንዲ ሕመረት መልእኽቶም ምስታ ናይቲ ጉባኤ ኣርእስቲ ብእትሰማማዕ መንገዲ ነቲ ጠዓሙ ወታእምሩ ከመ ኄር እግዚአብሔር እትብል መዝሙር ዳዊት ተመርኲሶም ‘ጽባቄ እግዚአብሔርን ታሕጓስ እምነትን ኣብ ሕይወትና ክነስተማቅሮም ዘሎና ጒዳያት ኰይኖም መሰኻኽር ናይቲ ሰሓቢ ዝኾነ እምነት ክኾኑ ሓደራ’ ኢሎምዎም።
እዚ ዕርክነት ወይውን ምሕዝነት ኣብ መንጎ ኩሎም ዘመደ ኣዳም ብዝብል ሓሳብ ዓመት መጸ ዝካየድ ብጉባኤ ሪሚኒ ዝፍለጥ እዚ ሎሚ ጀሚሩ ክካየድ ክቅኒ ትጽቢት ዝግበረሉ ጉባኤ መሠረቱ ኣበይ እዩ እንተበልና ካብ መላእ ዓለም ዝተኣኻኸቡ ናይ ኩሉ ሸነኽ መነባብሮ ደቂሰባት ከም ዋዛ ብምትእኽኻብ ዝጀመርዎ ካብ 1980 ዓም ጀሚሩ ከኣ ሥሩዕ መስመር ሒዙ ዓመት መጸ ኣብ ወርሒ ነሐሰ ኣብ ሪሚኒ ሃገረ ጥልያን ይካየድ። ሃገረ ጣልያን ኣኣንጋዲት ብምዃና ካብ ላዕለዎት መራሕቲ መንግሥትን ኣብያተ እምነትን ክሳብ ዝተሓቱ ምንቕስቃሳት ብመሪሕነትን ብግልን ደረጃ ይሳተፍዎ።
ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዘስዓቦ ጸገም እቲ ጉባኤ ብኦንላይን ዝበሃል ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙሓን ብዘጠጥሖ ባይታ ከምዝግበርን ቀንዲ መሪሕ ሓሳብ ከኣ ካብ ሄሸል ዝደረሶ ‘ሰብ ኣብ ሃሰሳ እግዚአብሔር’ ዝብል መጽሓፍ ዝተወስደ ብዛዕባ ዕብየት ምሥጢር እግዚአብሔርን ኣርምሞ ደቂሰባት ኣብ ቅድሚ እዚ ድንቂ ዝኾነ ምሥጢርን ዝድህስስ መደብ ከምዝኸውን እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።