ር.ሊ.ጳ ስለግዳያት ባርዕ ነትጒ ሊባኖስ ይጽልዩ!
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ፍጻሜ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ በቲ ኣብ በይሩት ትማሊ ዘጋጠመ ዓቢ ባርዕ ነትጒ ዝተጐድኡን ኣብታ ሃገር ዝሰዓበ ዓቢ ዕንወትን ከምዝጽልዩ ገሊጾም።
ዜና ቫቲካን!
ትማሊ ሰሉስ ኣብ ወደብ በይሩት ብዝወረደ ዓቢ ባርዕ ነትጒ 100 ዝኾኑ እንክሞቱ ልዕሊ 4000 ከምዝቈሰሉን ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወን እንክምልከት ቅዱስንቶም ኣብ ፍጻሜ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርቲ ክርስቶስ ብከመይ ከምዝሰምዕዎን ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ስለ እቶም ግዳይ ከምዝጽልዩ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ክሳብ ሕጂ ብዝተቈጽረ እንተወሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ምውታት ከምዝተረኽቡን ልዕሊ ኣርባዕተ ሺሕ ዝኾኑ ቊስላትን እንክርከቡ ገና እቲ ፍርሂ ይቅጽል ምህላውን ምናዳ ከኣ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ፍርስራስ ተቀቢሮም ከይህሉ ስግኣት ኣሎ። ናይቲ ከባቢ ሰበሥልጣን ከምዘመልክትዎ እቲ ነትጒ ኣብ ወደብ በይሩት ተኣኪቡ ኣብ ዝነበረ ብዙሕ ቶናት ናይ ኣሞንዩም ኒትረይት ዝበሃል ነተጒቲ ንክትሰርሕ እትጥቀመሉ ንጥረ ነገር ብዘጋጠመ ሃደጋ ባርዕ ምዃኑ ይገልጹ።
05 Aug 2020, 11:42