ድለ

ቃል ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ጽሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ምእንቲ ሞሪሸስ ቃል ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ጽሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ምእንቲ ሞሪሸስ 

ቃል ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ጽሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ምእንቲ ሞሪሸስ

ብቐዳምነት ሎሚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ኣብ ሞሪሸስ ርእሰ ከተም ፖርቲ ልዊስ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ብወግዒ ዝተበገሰ መዓልቲ መሬትን መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ፍጥረትን እባርኽ

ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ዕለት 30 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ብወግዒ ኣብ ርእሰ ከተማ ደሴት ሞሪሸስን ኣብ መላእ ሃገራት ዓለምን ብወግዒ ዝተበገሰ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት ዘኪሮም እቲ ኣብ ሞሪሸስ ከባቢ ማያት ባሕሪ ዝተኸስተ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ መሓድሮ ከቢድ ማህሰይቲ ምዃኑ ዘኪሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ውቅያኖስ ህንዲ ንዳዲ እተጓዕዝ መርከብ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምንያት ዝተፈጥረ ብከላ መሓድሮ፥

ብቐዳምነት ሎሚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ኣብ ሞሪሸስ ርእሰ ከተም ፖርቲ ልዊስ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ብወግዒ ዝተበገሰ መዓልቲ መሬትን መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ፍጥረትን እባርኽ!

ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ብከላ ማያት ባሕሪ

ዝሓለፈ ዕለት 25 ሓምለ ኣብ ህንዲ ውቅያኖስ ከባቢ ደሴት ሞሪሸስ፡ ሞካሺዮ እተሰምየት ናይ ጃፓን መጓዓዚት ነዳዲ መርከብ ብዘጋጠማ ሓደግ ምኽንያት ልዕሊ 3.800 ቶን ዝግመት ነዳዲ ዝፈነወቶ ነዳዲን ነዚ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ መሓድሮን ሃብቲ ማያት ባሕርን ኣጋጢሙ ሓደጋ ብዓሰርተታት ንዘቑጽር ዓመታት ሳዕቤናቱ ከቢድ ከምዝኸውን ይንገር ከምዘሎ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን፥

ናይ  ሞሪሸሽ ሕዝቢ ተቓውሞ

በሸሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ሞሪሸስ ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት ልዊስ ዕለት 29 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ልዕሊ ማያት ባሕሪ ዝወረደ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ማያት ባሕሪ ከባቢ ሃገሩ መንግስቲ ንምቁጽጻርን ሳዕቤናቱ ንምድራትን ዝኽተሎ ዘሎ ኪደት ምስቲ ዝወረደ ሓደጋ ዘይመዓራረይ እዩ እንክብሉ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘካየዱ የተዘኻኽራ።

ቃል ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ጽሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ምእንቲ ሞሪሸስ
31 August 2020, 17:48