ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ቅዱስ ምስሊ ማርያም ካብ ናይ ገበን ጉጅለታት - ማፊያ ጽልዋ ናጻ ይዅን ፍራንቸስኮ፥ ቅዱስ ምስሊ ማርያም ካብ ናይ ገበን ጉጅለታት - ማፊያ ጽልዋ ናጻ ይዅን 

ፍራንቸስኮ፥ ቅዱስ ምስሊ ማርያም ካብ ናይ ገበን ጉጅለታት - ማፊያ ጽልዋ ናጻ ይዅን

ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጽልዋ ንኽገብሩ መንፈሳዊ ውርሻታትን መንፈሳዊ ባህልታትን ከም መጋበርያ ከምዝጥቀሙን እዚ ኣጠቓቕማ እዚ ንምቅላዕን መንፈሳዊ ውርሻን ባህልን መጋበርያ ጥንቆላን ማሪትን ከይኸውን

ጳጳሳዊ ዓለም ሓቆፋዊ ናይ ስነ ማርያም መጽናዕታዊ ተቕዋም ንዘቑሞ ናይ ትንተናን መጽናዕትን ናይ ገበን ጉጅለታትን ጉጅለ ማፍያን ክፍሊ መጽናዕቲ ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸኮ ዕለት 15 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ቅዱስነቶም፥ ተክለ ሰብነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ጽልዋ ናይ ገበን ጉጅለታት ናጻ ምግባር ኣዚዩ ህጹጽን ኣገዳስን ምዃኑ  ከምዘመላኸቱ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ እቲ መልእኽትን እቲ ዝቐውም ሓድሽ ናይ መጽናዕቲ ጨንፈር ኣመልኪቶም ናይቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቦ መንበር ኣባ ስተፋኖ ቸኪኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ተዋፋይነት ንማርያም ናይ ሃይማኖትን ባህልን መንፈሳዊ ውርሻ እዩ፡ ስለዚህ እዚ መንፈሳዊ ውርሻ እዚ ንናይ ካብቲ ወንጌላውን መንፈሳውን ማእዝናቱ ብምርሓቕ ናይ ገበን ጉጅለታት ካብ ዝፈጥርዎ ጽልዋ ናጻ ምግባር ወሳንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነትን እዩ፡ ጉጉይ ኣጠቓቕማ ተክለ ሰብነት ማርያም ንምቅላዕን ካብ ጽልዋ ናይ ገበን ጉጅለታት ናጻ ንምግባር እቲ ዝቐውም ሓድሽ ናይ ትንተናንን መጽናዕትን ጨንፈር ምኽንያት ዕለት 18 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናብ ዝካየድ ፍሉይ ዓውደ መጽናዕት ኣሰናዳእትን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ቃል ዘስምዑን ናይ ምርምር ጽሑፍ ዘቕርቡን ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዘነቓቕሑን ቅዱስነቶም ምስጋና ኣቕሪቦም ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራን ማርያማውያን ኣባይቲ መቕደስ ናይ ጸሎትን ናይ ወንጌላዊ ተግባርን ናይ ምልዋጥን ስፍራ ከምዝኾነ የዘኻኽሩ።

ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጽልዋ ንኽገብሩ መንፈሳዊ ውርሻታትን መንፈሳዊ ባህልታትን ከም መጋበርያ ከምዝጥቀሙን እዚ ኣጠቓቕማ እዚ ንምቅላዕን መንፈሳዊ ውርሻን ባህልን መጋበርያ ጥንቆላን ማሪትን ከይኸውን ምሕባር የድሊ፡ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጽምዎ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራቶም ምኽንያታዊ ከምስሉን ብዙሓት ሰባት እውን ናይ ገበን ጉጅለታት ግሊያ ክኾኑን ንናይ ገበን ጉጅለታት ዕላማ ከም ቅኑዕ ክቕበልዎን ክነብርዎን ዝጥቀምሉ ሜላ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ተክለ ሰብነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ናይ ገበን ጉጅለታት ጽልዋ ናጻ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ የብርሁ።

እቲ ዕለት 18 መስከረም ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ጳጳሳዊ ዓለም ሓቆፋዊ ናይ ስነ ማርያም መጽናዕታዊ ተቕዋም ንዘቑሞ ናይ ትንተናን መጽናዕትን ናይ ገበን ጉጅለታትን ጉጅለ ማፍያን ክፍሊ መጽናዕቲ መርሓ ጐደና ዝሕንጽጽ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 13 ግንቦት ናይቲ ዝቐውም ክፍሊ መጽናዕቲ ተበጽሖታትን ውጽኢትን ብወግዒ ዝቐርበሉን ዝሕበረሉን ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ዝካየደሉ ዕለት እውን ከምዝኸውን ኣዘኻኺሮም፡ ተክለ ሰብነት ቅድስቲ ድንግል ማርያን ካብ መጋበርያ ንውልቃዊ ረብሓን ካልኦት በዚ ኣገባብ እዚ መጋበርያ ክኾኑ ብዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጸምዎ ተግባር ምእመንን ማሕበረሰብን ኣፍልጦ ክህልዎም ዝድግፍ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ፍራንቸስኮ፥ ቅዱስ ምስሊ ማርያም ካብ ናይ ገበን ጉጅለታት - ማፊያ ጽልዋ ናጻ ይዅን
21 August 2020, 15:58