ድለ

ወለንተይናታት ሓገዝ እንዕድሉ! ወለንተይናታት ሓገዝ እንዕድሉ!  

ሓገዝ ር.ሊ.ጳ ንቤተክርስትያን ሊባኖስ

ሃንደበታዊ ባርዕ ነትጒ ኣብ ወደብ ከተማ በይሩት ብዘስዓቦ ሰፍ ዘይብል ኣብ ልዕሊ ሕይወት ደቂሰባትን ንብረትን ዝወረዳ ሃገረ ሊባኖስ ኣብ ብርቱዕ ጸገም ትርከብ ኰይና ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በታ ቤተክርስትያን ናይቲ ቦታ ገሮም ንህዝቢ ንምርዳእ 250,000 ኤውሮ ከምዝለአኹ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን

ካብ መሓውራት ቅድስት መንበር ሓደ ብዝኾነ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ንኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣቢሎም ቅዱስነቶም ተኻፋሊ ስቃይ ሕዝቢ ሊባኖስ ምዃኖም ብምግላጽ ነዞም ብዝተፈላለየ ጸገማት ዝጻቀዩ ዘለው ሕዝቢ ሓገዝ ዝኸውን ሰዲዶም። ደጋጊሙ ከምዝተገልጸ ዝሓለፈ ዕለት 4 ሰሉስ ዘጋጠመ ባርዕ ነትጒ ወደብ በይሩት ዳርጋ ንመጥቃዕታት ሄሮሺማን ነጋሳኪን ዘዘኻኽር ትርኢት ዝነበሮ ሰፊሕ ስፍሓት ዘጥቀዔ ሕይወት ኣማእት ዝቀተለ ብኣሽሓት ከኣ ዘቊሰለ ቊጽሪ ዘይብሉ ንብረት ዘዕነወ ምናዳ ኣብያተ ሕክምናን መንበሪ ኣብያትን ኣብያተ ትምህርትን ማሕበራዊ ሓገዛት ዘወፊ ብዙሕ ሕንጻታትን ስለዝዓነወ ነቲ ጸገም መሊሱ ኣጋዲድዎ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሃዘን ወሪርዎም ኣብ ዘለወሉ ግዜ ቅዱስነቶም ዘለዎም ሻቅሎትን ኣባታዊ ቅርበትን ንምግላጽ ነዚ ከምዝገበሩ ካብ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ሓበሬታ ልዕሊ 150 መወቲ ልዕሊ 5000 ዝቈሰሉ ልዕሊ 300 ሺሕ ዝተፈናቀሉ ከም ሓበሬታ ዪኒሰፍ ከኣ ልዕሊ 80 ሺሕ ሕጻናት ምዃኖም ተመልኪቱ።

ዝሓለፈ ሮቡዕ ቅዱስነቶም ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ምስ ኣቅረቡ ኩነታቱን ክበዱን ርእዮም ብሓባር ክንጽሊ ከምዝዓደሙን ንሶም እውን ብመንፈስ ቅርበቶምን ምእንታኣቶም ከምዝጽልዩን ኣመልኪቶም ነበሩ።

ሎሚ ከኣ በቲ ኣብ በይሩት ዝርከብ ቤትጽሕፈት እንደራሴኦም ማለት ኑንስዮ ኣፖስቶሊኮ ኣቢሎም 250,000 ኤውሮ ከምዘወፈዩን እዚ ከኣ ነቶም ብብርቱዕ በዚ ባርዕ ነትጒ ዝተጐድኡ ካብ ሞትን መቊሰልትን ጀሚርካ ክሳብ ምፍንቃልን ዕንወት ንብረትን ኣብያት ክርስትያንን ገዳማታትን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡን ንምሕጋዝ ምዃኑ ተመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 August 2020, 11:35