ድለ

2019.02.011 ንግድ ደቂሰባት 2019.02.011 ንግድ ደቂሰባት 

ንግድ ደቂሰባት ክብሪ ወዲሰብ ዘቊስል ሓለንጊ! ር.ሊ.ጳ

ለበዳ ኮቪድ 19 ብዘስዓቦ ጸገም ጉባኤ ምክያድ ብኢንተርነትን ተለፎንን ኰይኑሉ ኣብ ዘሎ ዘመን ረኪበ ጳጳሳት ኣርጀንቲና ብዛዕባ ንግድ ደቂሰባትን ሳዕቤኑን ምክልኻሉን ብዝብል ኣርእስቲ ንዘካየድዎ ጉባኤ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዝተኸተመ ነዚ ክብሪ ወዲሰብ ዘቊስል ሓለንጊ ካብ ሱር መሠረቱ ንምምሓውን ንግዳያት ንምርዳእ ዝግበር ጻዕርታት ንምትብባዕ መልእኽቲ ከምዝሰደዱ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነዚ ናይ ዘመንና ዓቢ ጸገም እንክገልጹ ‘ናይቶም ጽጉማት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክብሪ ዘቁስል ሓለንጊ’ ብማለት ንንግዲ ደቂሰባት እትቃወም ሓያል መልእኽቲ ብዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ተኸቲማ ናብ ኮሚሽን ፍትሕን ሰላምን ረኪበ ጳጳሳት ኣርጀንቲና ሰዲዶም። ‘ንግድ ደቂሰባት ይቊም ወይውን ንንግድ ደቂሰባት ኣይፋል’ ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ዝሓለፈ ዕለት 30 ሓምለ ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓለምለኸ ዕለት ተቃውሞ ንግድ ደቂሰባት ንምዝካር ብረኪበ ጳጳሳት ኣርጀንቲና ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ደገፎም ንምግላጽን መተባብዒ ቃላቶም ንምልእኽን ከምዝኾነ ኣብ መእተዊ እቲ መልእኽቲ ተገሊጹ። ‘ዘሎናዮ ዘመን ብዘሕዝን መንገዱ በዚ ጥቅሚ ጥራይ ዝደሊ ዝንባሌ ስሱዓት ዝተመልከተ እንክኸውን እዚ ከኣ ንክብሪ ወዲሰብ ዓፊኑ ናይ ነፍሲወከፍ ፍጡር ኣዳም ክብርን ክግለጽ ዘለዎ ዘይድገም መንነትን ስለዘማህምን ነዚ ሓለንጊ እዚ ካብ ሱር መሠረቱ ምሒኻ ምጥፋኡ’ የድሊ እንክብሉ ክሳብ ክንደይ ንክብሪ ወዲሰብ ከምዝትንክፍን ሕልምታት ብዙሓት ግለሰባት ከምዝቈጽን ገሊጾም።

ንሓለንጊ ንግድ ደቂሰባት ምውጋድ!

ቅዱስነቶም መልእኽቶም ብምቅጻል ‘ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ድራማን ብንግድ ደቂሰባት ብዝተፈላለየ ኣገባብትን መልክዓትን  ዝግበር ሸቀጥን መኽሰብን ንምውጋድ ንዝግበር ተበግሶ ኣተባብዕ። ካብ ሱር መሰረቱ ንክተውግድዎ እላቦ። ንእትገብርዎ ኩሉ ተበግሶታት ምናዳ ንግዳያት ናይዚ እኩይ ተግባር ንዝኾነ ንምሕጋዝን ሓባራዊ ሰናይ ነገር ንምህናጽ እትገብርዎ ቃልስን ደገፍን ብምልኣት ሕልምታት ነፍሲወከፍ ዘመደ ኣዳም ክረጋግጽ ንእትገርዎን እድግፍን ኣተባብዕን’ እንክብሉ እንተስ ብግሊ ነፍሲወከፍ ሰብ ክለብሶ ዘለዎ ክብርን ክወሃቦ ዘድሊ ሓገዝን ከም ማሕበረሰብ ከኣ ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ዝግበር ደገፍን ኣመስጊኖም። ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ከኣ ንኩሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ረድኤት ቅዱስት ድንግል ማርያም ዘሉኻን ካብኦም ከይፍለ ተማሕጺኖም።

ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣርእስቲ ‘ብሓባር ተጻይ ንግድ ደቂሰባት’ ዝብል ኰይኑ ብኦን ላይን ናይ ኢንተርነት ዙም ብምዝበሃል ገጽ ንገጽ እናተረኣኣኻ ዝዝተየሉ ኣገባብ ከምዝተገብረን ልዕሊ 600 ዝኾኑ ኣባላት ከምዝተሳተፍዎን ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና እንከመልከት እዞም ተሳተፍቲ ጉባኤ ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት ተወከልቲ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ኣመሓደርትን ጠበቃትትን ናይ ሕጊ ምሁራትን እንክርከቡ ቤተክርስትያን ከኣ ብቀንዳ ኣኣንጋዲትን ተሳታፊትን ተዋሳኢትን ከምዝነበረት እውን ተመልኪቱ። ኣወሃሃድቲ ናይቲ ጉባኤ ኣብ ፍጻሜ እቲ ሰሚናር ኣብ ዝሃብዎ ዕጋበት ዝመልኦ ርእይቶ ለበዳ ኮቪድ 19 ይኹን ንሱ ዘስዓቦ ውሸባ ተግባራትና ካብ ምቅጻል ኣይዓንቀጸናን እኳ ደኣ ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ብዙሓት ሰባት ዝሳተፉሉ መንገዲ ንክንፈጥር ሓጊዙና እንክብሉ ብዛዕባ ኩሉ ጉዳያት ምናዳ ኸኣ እዚ ቅዱስነቶም ክብሪ ወዲሰብ ዘቊስል ሓለንጊ ዝበልዎ ቊስሊ ዝመደ ኣዳም ኣፍልጦ ንምፍጣርን ንምክልኻሉ ዘድሊ ቃልሲ ንምክያድን ሓጋዚ ምዃኑ ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
01 August 2020, 13:19