ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ዝሓመመ ኤኮኖሚ፡ ካብቲ ለብዒ ብሉጻት ኮይና ክንወጽእ ይግብኣና

ተህዋስ ኢማዕርነት ካብ ዝሓመመ ኤኮኖሚ ዝነቐለ፡ ካብቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብርታት ዝተነጸለ ናይ ዘይምዕሩይ ዕብየት ኤኮኖሚ ውጽኢት እዩ

ዓለም ንምፍዋስ፥ ኵላዊ ጸጋን ናይ ተስፋ ክብርን፥ ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም፥ ካብ ኦሪት ዘዳግም ምዕ.14 ካብ ፍቕዲ 28-29, ምዕ. 15 ፍቕዲ 1ን ካብ ፍቕዲ 4 – 5 ዝተወስደ ምንባብ ምስ ተነበ

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ቢሎም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቅድሚ ለብዕን ማሕበራዊ ሳዕቤናቱን ብዙሓት ተስፋ ናብ ምጥፋሕ ሓደጋ ከምእተቓልዑን ኣብዚ ናይ ዘይርጉጽነትን ጭንቀትን እዋን ኵሉ ነቲ ካብ ክርስቶስ ዝመጽእ ተስፋ ሓንጐፋይ ቢሉ ከአንግድ እላበው። ንሱ ኣብቲ ናይ መደምደታ ቃል ዘይኮነ ናይ ሕማምን ሞትን ኢፍትሓውነትን ነውጸ ኣብ ዝረኣየሉ ብህድኣት ክመርሓና እዩ።

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ማሕበራዊ ጸገማት ክጎልሕ ገይሩን ኣብኢስዎን እዩ፡ ገሊኣቶም ካብ ቤቶም ኮይኖም ክዓዩ ዝከኣሎም እውን እንተኾነ ብዙሓት እዚ እውን ዘይከኣሎም እያቶም። ገሊኣቶም ሕጻናት ጸገም እውን ይሃሉ ትምህርታዊ ሕንጸት ክረኽቡ ዝከኣሎም ኣያቶም፥ ብዙሓት ግና ትምህርታዊ ሕንጸት ብጋህዲ ተኾሊፍዎም ንርእይ። ገለ ገለ ሓያላት ሃገራት ነቲ ዘጋጠመ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ንምግጣም ባጤራታት ከሓትማ ዝከኣለን ክኾና እንኮለዋ፡ ገሊኣተን ሃገራት ድማ ከምተን ሓያላት ሃገራት ክፍጽማ እንተድኣ ኰይነን መጻኢኤን ከም ትሕጃ ንኸቕርባ እያተን ዝግደዳ።

እዚ ናይ ኢማዕርነት ምልክታ ማሕበራዊ ሕማም እዩ ዝሕብር፡ እዚ ተህዋስ’ዚ ካብ ዝሓመመ ኤኮኖሚ ዝነቐለ፡ ካብቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብርታት ዝተነጸለ ናይ ዘይምዕሩይ ዕብየት ኤኮኖሚ ውጽኢት እዩ። ኣብ እዋናዊ ዓለም ውሑዳት ሃባትም ካብቲ መላእ ሕዝብ ዓለም ብጠቕላላ ዝውንኖ ንላዕሊ ዝውንኑ እያቶም፡ እዚ ናብ ሰማየ ሰማይ ኢፍትሓውነት ዝግዕር እዩ! ብተመሳሳሊ መዳይ ድማ እዚ ኣገባብ ኤኮኖሚ’ዚ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ቤትና ንዝወርድ መጉዳእቲ ዘይግደስ እዩ፡ ከቢድን ዘይቕልበስን ሳዕቤን ብድመት ብዝሓ ሕወታውያንን ምዝባዕ ናይ ከባቢ ኣየርን ክሳብ ማያት ባሕሪ ካብቲ ዘለዎ መጠነ ጽፍሒ ንላልዕሊ ከብል ዝድርኽን ውድመት ትሮፒካዊ ዱር ዘስዕብን ናይታ እተደንቕ መሬት ዘለዋ ውስንነት ኣብ ጫፍ ክንየው ምባል ንርከብ ኣሎና። ማሕበራዊ ዒማዕርነትን ምምንማን መሓድሮን ማዕረ ማዕረ እያቶም ዝስጉሙ፡ ኣናስሮም እውን እቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ተፈጥሮን ንእግዚኣብሔር እውን ከይተረፈ ምውናንን ምምዝማዝን ዝብል ሓደን ተመሳሳልን እዩ (ይሴባህ ዓዋዲ መልእኽቲ ፍቕዲ 101 ረኣ)። እዚ ግና ናይ ተፈጥሮ ዕላማ ኣይኮነን።

“ካብ ፈለማ ኣትሒዙ፤ እግዚኣብሔር ንምድርን ንኹሉ በረኸታን፡ ኪሕልዎ፤ ኪከናኸኖ ብስራሑ ኪቈጻጸሮ፤ ብፍርያቱ ከኣ ኪረብሕን ኪድሰትን ንወድሰብ ሕድሪ ኣረከቦ” (መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍቕዲ፣ 2402 ረኣ)። እግዚኣብሔር ብስሙ ንመሬት ንኽንቆጻጸር ይሓተናን (ዘፍ. 1.28 ረኣ)፡ ኪዓያን ንኪሕልዋን [ . . . ] “ኪዓያን” ክብል እንከሎ ክሓርሳን ወይ ክዓያን “ክሕልዋን” ክብል እንከሎ ከኣ ክከናኸናን ክዕቅባን” (ሰብኣዊ ዕዮ ዓዋዲት መልእኽቲ ፍቕዲ 67 ረኣ) ማለት እዩ፥ እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መሬት ድላይካ ንኽትገብር ጻዕዳ ወረቐት ዝህብ ማለት ከምዘይኮነ ምስትውዓል የድሊ፡ ኣብ መንጐናን ተፈጥሮን “ሕድ ሕዳዊ ናይ ሓላፍነት ርክብ” (ሰብኣዊ ዕዮ ዓዋዲት መልእኽቲ ፍቕዲ 67 ዳግም ረአ) ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ። ካብ እግዚኣብሔር ንቕበል ብተራና ድማ ወሃብቲ ንኽንከውን። “ሓደ ማሕበረሰብ ካብ መሬት እቲ ንኽነብር ዘድልዮ እዅል ይወስድ፡ ስለዚ ንኽከላኸለላ እውን ግድነት ኣለዎ” (ሰብኣዊ ዕዮ ድግማ ረኣ)።

ብርግጽ መሬት “ቅድመና ዝተፈጠረትን ዝተዓደለትናን እያ” ካብ እግዚኣብሔር “ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዝተዓደለት (መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን 2402 ረኣ)፡ ጻማኣ ድማ ንውሑዳት ዘይኮነ ናብ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ክባጻሕ ሓላፍነትና እዩ። እዚ ምስ ናይ ተፈጥሮ ትዕድሎት ንዘሎና ርክብ መፍትሓዊ ባእታ እዩ። ከምቲ ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ሰብኣዊ ፍጥረት ነቶም ብሕጊ ከም ናቱ ዝውንኖም ግዙፍ ነገራት ከም ብሕቲ ጥራሕ ዘይኮኑስ ንኻልኦት እውን ከምዝብጽሕዎም ተረዲኡ ንጥቕሚ ርእሱን ንጥቕሚ ንኻልኦትን ክኾኑሉ ብዝኽእሉ መገዲ ክርእዮም ኣለዎ” . . . (ፍስሓን ተስፋን ፍቕዲ 69 ረአ)። “እንተኾነ ብድኽነትን ብናይ ዓመጽ ስግኣትን ክትህሰ እትኽእል ሕይወቶም፤ ውሕስነትን ርግጽነትን ምእንቲ ክትረክብ፤ ምድሪ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ዝተመቓቐለት እያ። ናይ ሰባት ናጽነትን ክብረትን ንምውሓስ፤ ነፍስወከፍ ድማ ነኣኣ ኮነ፤ ኣብ ሓልዮቱ ንዚርከቡ፣ ዜድልዮም መሠረታዊ ነገራት ንኺህልዎም ምእንቲ ኪሕግዝ . . .” (መዝገበ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍቕዲ 2404 ረኣ)።

እቲ እንውንኖ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብሪ ክህልዎ መታን “እቲ ፖለቲካዊ ሥልጣን ድማ፣ . . . ንብረት ናይ ምውናን መሰልን፣ ንሕጋውን ግቡእን ኣጠቓቕማ ብዚርእን ናይ ምስራዕን ምምራሕን መሰልን ግዴታን ኣለዎ” (መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍቕዲ 2406 ረኣ)። ውልቃዊ ንብረት ምምሕዳር ኩሉ በረኸት መባጼሕ ኵላውነት እዩ፡ እዚ ናይ ማሕበራዊ ባህርይ ወርቃዊ ሕጊ’ዚ ቀዳማይ ናይ ማሕበራዊ ስነ ምግባር መርሖ እዩ” (ሰብኣዎ ዕዮ ዓዋዲት መልእኽቲ ፍቕዲ 93 ረኣ)።

ውልቃዊ ንብረትን ገንዘብን ንተልእኾ ዘገልግሉ መጋበርያ እያቶም። ብቐሊሉ ናብ ውልቃዊ ወይ ድማ ናብ ናይ ውሕዳት ሸቶ ክንቅይሮ ዝከኣል እውን እዩ። ከምዚ ምስ ዝኸውን ኣገድስቲ ዝኾኑ ሰብኣዊ ክብርታት እያቶም ዝግድዑ። እቲ ልቦናዊ - ሰብ (homo sapiens) ይመዛበል ናብ ኤኮኖሚያዊ (ቍጠባዊ) - ሰብ (homo –eoconomicus) ይቕየር፡ ናብ ውልቃውነትን ቀማርነትን መላኽነትን የንቆልቍል። ብእግዚኣብሔር ኣርኣያን ኣምሳልን ዝተፈጠርና ማሕበራውያንን መሃዝያንን ተሓባባርትን ብዓሚዩቕ ብቕዓት ኣፍቃራውያንን ኢና። ብጭቡጥ ካብ ኩሎ ፍጥረታት ንላዕሊ ተጓርኖታውያን ዓይነት ኣብ ማሕበረ-ሰብነት እንጥጥዕን ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ቅዱሳት ታሪኽ ከምእነስተውዕሎ እዩ።

ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰብኣው ፍጡራት ካብቲ መሰረትዊ ኣድላዪ በረኸት ዘግልል ናይ ምብሓትን ምዕብላልን ዝንባለ ምስ እንወሓጥን ኤኮኖሚያውን ኢደ ጥበባውን ኢማዕርነትን ማሕበራዊ ኣካሊት ምስ ዝበታትኽ ተፈጥሮ ንስግኣት ዘቓልእን ቀጥዒ ኣልቦ ጽግዕተይና ኣብ ነገርነት ምዕባለ ምስ ዝህሉን ኣዕናዊ ስለ ዝኾነ ነዚ ኵነት’ዚ ብሱቕታ ኣይንርእዮን፡ ፍቕሩ ብማሕበረ-ሰብ ሓዋርያቱ ኣቢሉ ዝዓዪ ምዃኑ ርጉጻት ኮይንና ጥማተና ኣብ ኢየሱስ ገርና (ዕብ. 12 ፍቕዲ 2 ረኣ) ኵልና ብተስፋ ፍሉይን ዝበለጸን ከነፍርይ መታን ብሓባር ክንዋሳእ ይግብኣና። ክርስቲያናዊ ተስፋ ኣብቲ መሕልቕና ዝኾነ እግዚኣብሔር ዝተሰርተ እዩ፡ ንሳ (ተስፋ) ከምቲ ምስኩላትና ኩልነቱ ናይ ዝተኻፈለ ናይ ክርስቶስ ሓዋርያትተልእኾና ብምሕያልተኻፊልካ ናይ ምንበር ድላይ ኣባና ተጽንዕ።

ልክዕ ከማና ጽንኵር እዋን ዘነበሮም ቀዳሞት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ተገንዚቦምዎ እዮም። ኵላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ምዃን ናይ ምሕናጽ ኣቃልቦ ዝነበሮምን ብዂሉ ብርኪ ነበሩን መስከሩን፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ጸጋ ክርስቶስ ዓብዪ ነበረ (ግብረ ሓዋ. ምዕ. 4፥ 34-35 ረኣ)። ኣብ ናይ ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን ማሕበረ ክርስቲያን እዚ ሓቅነት እዚ ክጥዕን በዚ ኸኣ ናይ ጐይታ ትንሳኤ ምስክርነት ክህቡ መታን፡ ፈጣሪ ዝዕድለና በረኸት ኩሉ እንከናኸን እንተድኣ ኴይንና እቲ ዘሎና ሓደ እኳ ሽጉር ከይኸውን ኵሉ ብርኪ ሃልይዎ ጥዑይን ፍትሓውን ርትዓውን ዓለም ከነፍሪ መታን ብርግጽ ተስፋ ኣስተንፍሶና ንኽንገብር ኣኽእሎቱ ይህልወና እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ዝሓመመ ኤኮኖሚ፡ ካብቲ ለብዒ ብሉጻት ኮይና ክንወጽእ ይግብኣና
26 August 2020, 16:24