ድለ

2020.08.05 ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ 2020.08.05 ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ  

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ማሕበራዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤ/ክ ሓዲስ ዙርያ ት/ክ ጀሚሮም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ብምኽንያት ዕረፍቲ ወቅቲ ሓጋይ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ኣቋሪጾም ዝወርሑ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 5 ነሐሰ 2020 ከምዝጀመሩን ነቲ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ሥጋውን መንፈሳውን ማህበራዊን ጸገማት እዋና ንምፍዋስ መንፈሳውያን ሓይላት እምነትን ተስፋን ፍቅርን ክሕግዛና ከምዝኽእላ ብሰፊሕ ከምዘስተምሃሩን እንክምልከት መኽፈቲ ቃል ኣምላኽን ትርጉም ትምህርቶምን ነቅርበልኩም።

  ቃል አምላኽ፦  ‘ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ድማ ኣብ ቅፍርናሆም ኣተወ እሞ ኣብ ቤት ከም ዘሎ ተሰምዔ። ብኡብኡ ወገፈ ምእካል ክሳዕ ዚስእኖም፡ ብዙሓት ተኣከቡ። ቃል ድማ ይነግሮም ነበረ። ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጕዕ ናብኡ ኣምጽኡ። ህዝቢ ስለ ዝበዝሔ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጻጕዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ። ኢየሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ፡ በሎ። ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፡ ብልቦም ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ጸርፊ ይዛረብ አሎ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽከ መን እዩ ሓጢኣት ኪሐድግ ዚኽእል፧ ኢሎም ሐሰቡ። ኢየሱስ፡ ብልቦም እዚ ኸም ዝሐሰቡ፡ ብኡብኡ ብመንፈሱ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እዚ ብልብኹም ትሐስቡ አሎኹም፧ ኣየናይ ይቐልል፡ ነዚ መጻጕዕ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ፡ ምባል፧ ወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ - ነቲ መጻጕዕ፡ ንኣኻ እብለካ አሎኹ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። ብኡብኡ ተንሲኡ፡ ዓራቱ ኣልዒሉ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወጸ፡ ኵሎም ተደነቑ እሞ፡ ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይርኤናን፡ ኢሎም ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።` (ማር 2.1-12)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ለበዳ ኮቪድ 19 ተኣፋፍነትና እናኣጋለጸ ገና ብርቱዕ ቊስልታት የስዕብ ኣሎ። ኣብ መላእ ዓለምና ዝሞቱ ብዙሓት እዮም ከምኡ እውን ብዘኢ ሕማም ዝተለኽፉ ብጣዕሚ ብዙሓት እዮም። ብዙሓት ሰባትን ስድራቤታትን ብሰንኪ እቶም ብሕልፊ ንዝደከየ ክፍሊ ሕብረተሰብና ዘጥቅዑ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማት ዘይውሑስ ግዜ ከቢብዎም ይረአ።

ከምቲ ዕብራውያን 12,2 ዝመኽረና ኣብዚ ግዜ እዚ ጠመተና ናብ ኢየሱስ ክንገብር እወ ምናዳ ኣብዚ ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ጠመትና ናብ ኢየሱስ ክንገበር እሞ ነቲ ኣብ ወንጌሉ ማር 1.2 ከምኡ እውን ማቴ 4.17 ዘተስፍወናን ኢየሱስ ባዕሉ ሒዙልና ዝመጸን ተስፋ መንግሥቲ እግዚአብሔር በዚ እምነት እዚ ሃንጐፋይ ኢልና ክንቅበሎ የድሊ። እዚ መንግስቲ እዚ መንግስቲ ምሕዋይ መንግስቲ ድሕነት ኰይኑ ድሮ ኣብ መንጎና ኣሎ (ሉቃ 10,11)። እዚ መንግሥቲ እዚ መንግሥቲ ፍትሕን ሰላምን ኰይኑ ብመንገዲ ምግባረ ሠናይ ወይውን ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ይግለጽ። እዚኦም ናይ ፍቅሪ ሥራሓት እዚኦም ከኣ ብግዲኦም ንተስፋ የዕብዩ ንእምነት ከኣ የሐይሉ (1ቆሮ 13.13)።  ኣብ ልማድ ክርስትና እምነት ተስፋን ፍቅርን ክንዮ ስምዒታትን ዝንባሌታትን እዮም። ሕገ ቀኖና 1812-1813 ከምዘመልክቶ መንፍሳውያን ሓይላት ኰይኖም ኣብ ልዕሌና ካብ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ዘውሕዙ እዮም። እዘን ጸጋታት እዚአን ከኣ ንኣና ኣሕውየን ንሕና እውን ብግደና ንካልኦት ከም እነሕዊ ይገብራና። ንሓደስት ሃዋሁ መኣዝናት ዝኸፍታልና ጸጋታት ኰይነን ኣብ ጽጉም ማዕበላዊ ባሕሪ ዘመንና ክንጐዓዝ እንከለና ከይተረፈ እየን ነዚ ዝገብራልና።

ምስቲ ወንጌል እምነትን ተስፋን ፍቅርን ዝኾነ ብሓዲስ ክንራኸብ እንከሎና ዝፈጥርን ዘሐድስን መንፈስ ቅዱስ ክንለብስ ይዕድመና። በዚ ከኣ ነቲ ኣባና ዘሎ ሥጋውን መንፈሳውን ማሕበራውን ሕማማትና ካብ ሱርመሰረቶም ክንልውጦም ዓቅሚ ይህልወና። ነቲ ዘይፍትሓዊ መሳርዕና ካብ መሰረቱ ክነሕውዮ ከምኡ እውን ነቲ ንመላእ ስድራቤት ዘመደ ኣዳምን ዓለምናን እናኣፈራርሀ ካብ ነንሕድሕድና ዝፈላልየና ኣዕናዊ ተግባራት ክንፍውስ ዓቅሚ ነጥሪ።

ተልእኮ ኢየሱስ ብዙህ ኣብነታት ምሕዋይ የቅርበልና። ነቶም ብረስኒ ሓሚሞ ዝነብሩ (ማር 1.29) ብለምጺ (ማር 1.40) ብመልመስቲ (ማር 2.1) ብዑረት (ማር 8.22) ዓባሳትን ጸማማትን (ማር 7.31) ክፍውስ እንከል ከም ሓቁ ካብ ሥጋዊ ሕማም ጥራይ ኣይኮነን ዝፍውሶም ዝነበረ እንታይ ደኣ ነቶም ሰባት ብምልኣት ብነፍሶምን ብሥጋኦምን ብመንፈሶምን እዩ ዝፍውሶም ዝነበረ። እዚ ፍወሳ እዚ ከኣ ናብታ ማሕበር እውን ስለዝሰጋገር ካብ ተነጽሎ ሓራ ትኸውን ከመይ እታ ማሕበር ኣውን ስለዝተፈወሰት ስለዝሓውየት።  

ብዛዕባ እዚ ሎሚ ቀቅድሚ ምጅማር ትምህርትና ክንበብ ዝሰማዕናዮ ጸብቅቲ ዛንታ ኣብ ቅፍርናሆም ዝሓወየ ልሙስ እስኪ ንሕሰብ። ኢየሱስ ኣብ ኣፋፈት እቲ ገዛ ኰይና እናሰበኸ እንከሎ ኣርባዕተ ሰባት ነቲ ለሚሱ ዝነበረ ዓርኮም ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ የብርዎ። ብዙህ ሕዝቢ ስለዝነበረ መእተዊ ስለዝሰኣኑ ከኣ ብርእሲ ናሕሲ በሲዖም ነቲ ዓራት ብገመድ ኣንጠልጢሎም ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ የውርድዎ። እቲ ዝምህር ዝነበረ ኢየሱስ ዘዘው እናበለ ብገመድ ዝወርድ ዓራት ይርኢ። እምነቶም ርእዩ ከኣ ነቲ ልሙስ ወደይ ሓጢኣትካ ተሓዲጒልካ ይብሎ እሞ ኣብ መወዳእታ ኩሎም ብዝርእይዎ መንገዲ ተንስእ ዓራትካ ኣልዒልካ ንገዛኻ ኪድ ይብሎ።  

ብሓቂ ዘደንቅ ኣብነት ሕውየት! ተግባር ኢየሱስ ከስ ንእምነት ናይቶም ሰባት ቀጥተኛ መልሲ ነበረ። ነቲ ኣብኡ ዝነበሮም ተስፋን ኣብ ነንሕድሕዶም ዝነበሮም ፍቅርን መልሲ እውን ነበረ።  ስለዚኸስ ኢየሱስ የሕዊ እንተኾነ ነቲ ለምሲ ጥራይ ኣይኮነን ዝፍውስ ንኩለንትናኡ እዩ ዝፍውስ ንሓጢኣቱ ይምሕሮ ሕይወት እቲ ለምጻምን ኣዕሩኽቱን የሕድስ። ከም ብሓዲስ ከምዝውለዱ ይገብሮም ክንብል ንኽእል። ስጋውን መንፈሳውን ሕውየት ኩሉ ብሓደ! እዚ ከኣ ፍረ ናይቲ ግላውን ማሕበራውን ርክብ እዩ።  እስኪ ብዛዕባ እዛ ዕርክነት እዚኣ ንሕሰብ ከምኡ እውን እምነት ናይቶም ኣብታ ገዛ ዝነበረ ከመይ ከምዝነበረን ብከመይ ከምዝዓበየን ንመልክት። ምስጋና ንኢየሱስ ይኹን ምስ ኢየሱስ ምርካብ ከምዘሕዊ ንዕዘብ።

 በሉስኪ ኣባና ምልስ ኢልና ነዚ ዓለምና ሎሚ ንክሓዊ ብከመይ ክንሕግዞ ንኽእል ኢልና ንገዛእ ርእስና ንሕተት። እታ መልሲ ከም ናይቲ ናይ ነፍሳትን ስጋን ሓኪም ዝኾነ ኢየሱስ ኣርድእቲ  ሥራሑ ክንቅጽል ዝተጸዋዕና ኢና። ሥራሁ ከኣ ሕገ ቀኖና 1421 ከም ዘመልክቶ ‘ሥራሕ ምሕዋይን ድሕነትን’ እዩ እዢ ከኣ ብስጋን ብነፍስን ብመንፈስን ክግበር ኣለዎ።

 ቤተክርስትያን ነቲ ዘሕዊ ጸጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሥጢራት ትዕድል በዚ ከኣ ማንም ክበጽሖ ኣብ ዘይክእልን ዘይደልን ኲርናዓት ዓለም ከይተረ ብምኻድ ኣገልግሎት ጥዕና ነፍስን ሥጋን ተወፊ። ርግጽ እዩ ኣብ ሕማማት ምክልኻልስ ይኹን ለበዳታት ንምቅላስ ግራታ ኣይኮነን። ነቶም ሕሙማት ንምሕጋዝ ግን ስንድውቲ እያ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኦክቶጀሲማ ኣድቨንየንስ ኣብ ትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ብዕለት 14 ግንቦት 1971 ዘነጽርዎ ከኣ ኣብዚ ዓውዲ እዝስ ይኹን ኣብ ካልእ ማሕበረ ፖሎቲካዊ ዓውዲ ምንም መምርሒ ክትህብ ኣይትኽእልን። እዚ ዕዮ ገዛ ኣመሓደርቲ ፖሎቲካን ማሕበራዊ ጉዳያትን እዩ። እዚ ኩሉ እንክከውን ግን ኣብ ጉዕዞ ዘመናት ብብርሃን ወንጌል ተመሪሓ መሠረታውያን ዝኾኑ ማህበራዊ ዕላማታት ከምዘማዕበለት ኣብ ጽማቊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን 160-208 ክንምልከቶ ንኽእል። እዚ ዕላማታት እዚ ንቅድሚ ንክትስጒም ዝሕግዝ ንመጻኢ እንታይ ከምዘድልየና ርኢና ንምስንዳው ዝሕግዝ እዩ።  ካብተን ኣብ ነንሕድሕደን ተጠናኒገን ዘለዋ ቀንዲ ዕላማታት ንምጥቃስ ዚኣክል ዕላማ ክብሪ ወዲሰብ ዕላማ ሓባራዊ ሠናይ ነገር ዕላማ ንድኻታት ምርዳእ ዕላማ ንሃብቲ ዓለም ብሓባር ምጥቃም ዕላማ ምድግጋፍ  ዕላማ ድጐማን ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ናይ ምክንኻን ዕላማን ኣለዋ።  እዘን ዕላማታት እዚአን ንኣመሓደርድን ሓለፍቲ ማሕበረሰብናን ኣብ ከምዚ ዘሎና ሕማቅ ግዜ ለበዳ እውን ከይተረፍ ንዕብየት ንቅድሚት ከሰጒሙ ንግላውን ማሕበራውን ምትእስሳራት ንምፍዋስ ይሕግዛ። እዘን ዕላማታት እዚአን ኩለን ብሓባር ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝገልጾኦ ሓይሊ እምነትን ተስፋን ፍቅርን እዩ።

ኣብ ዝመጽእ ሶሙናት ሕማም ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ማህበራዊ ሕማማትና ዘስዓቦ ከበድቲ ሕቶታት ክትምልከቱ እዕድመኩም። ነዚ ከኣ ብብርሃን ወንጌል ተመሪሕና ብመልእልተ ባህርያውያን ሓይላት ተደጊፍና ከምኡ ብማሕበራ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እናኣብራህና ክንምልከቶም ኢና። ሥድራቤት ዘመደ ኣዳምን መላእ ዓለምናን በዚ ከቢድ ሕማም ካብ ዝሳቀዮ ንክሓዊ ልማድ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብከመይ ክሕግዝ ከምዝኽእል ብሓባር ክንድህስስ ኢና። ኩልና ብሓባር ክነስተንትንን ክንሰርሕን ድላየይ እዩ። ከም ተኸተልቲ ፈዋሲ ኢየሱስ ንመጻኢ ወለዶ ተስፋ ዝመልኦ ዝሕሸ ዓለም ንክንሃንጽ እምነ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
05 August 2020, 11:14