ጻውዒት ር.ሊ.ጳ ንናጋሳኪ! ኣቡነ ታካሚ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ይወግድ!
ዜና ቫቲካን!
ሽሕ’ኳ ኣብ ዕለቱ ንናጋሳኪ ጥራይ ዝዘከሩ እንተመሰሉ ቅዱስነቶም ዓሚ ሕዳር ኣብ ሃገር ጃፓን ኣብ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ንክልቲኤን ከተማታት ከምዝበጽሑን ኣብቲ ናይ ሓውልቲ ሰላም ንምሉእ ዓለም ደጊም ኩልና ጸሎትናን ቃልስና ንዓለምና ካብ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ሓራ ንምግባር ይኹን ኢሎም ተማሕጺኖም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ ሰንበት ዕለት 9 ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ ኣግዚኣአብሔር ንክልቲኤን ከተማታት ዘኪሮም ነዚ ዚስዕብ ኢሎም።
ጳጳስ ናጋሳኪ ብፁዕ አቡነ ታካሚ ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ነተን መወዳእታ ሰዓታ ናይ ናጋሳኪ ከምዚ ክብሉ ይገልጽወን፡ ‘ሊትል ቦይ ብዝብል ስም ኣብ ልዕሊ ሂሮሺማ ዝዘነበ ኣቶሚካዊ ቦምብ ንኩሉ ኣናኣቃጸሎን እናተኸኸን እንከሎ ድሕሪ 72 ሰዓታት ኣብ ሰማያት ጃፓን እቲ ዝሓሰመ ካልኣይ ፍጻሜ ማለት ፋት ማን ኢሎም ዝሰመይዎ ካልኣይ ኣቶሚካዊ ቦምብ ኣብ ልዕሊ ናጋሳኪ ዓለበ። ክገርመኩም ተሓሲባ ዝነበረት ኮኩራ እትበሃል ከተማ ኰይና ብናይ ግመን ደመናን ጸገም ድሒና። ስለዚ ነቲ 6 ኪሎን ፈረቃን ዝኸውን ኣቶሚክ ቦምብ ዳርጋ 4 ኪሎሜትር ካብቲ ዝተሓሰበሉ ርሒቁ ይወድቅ እሞ ነቲ 200 ሺሕ ክጠፍእ ዝነበሮ ናብ 80 ሺሕ ኣውርድዎ’ እንክብሉ ሽሕ’ኳ ዘስካሕክሕ እንተኾነ ምዝካሩ ከምዘድሊ እዚ ከኣ ከምቲ ር.ሊ.ጳ ዝበልዎ ካብ ዓለምና እዚ ኣጽዋር እዚ ፈጺሙ ክውገድ ኣለዎ ዓለምና ካብ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ሓራ ትኹን ኢሎም።