ድለ

ጻውዒት ር.ሊ.ጳ ንናጋሳኪ! ኣቡነ ታካሚ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ይወግድ!

75 ዓመት ይገብር በዚ ዕለት እዚ ዕለት 9 ነሐሰ 1945 ዓም ድሕሪ ናይታ ቀዳመይቲ ከተማ ዝኾነት ሂሮሺማ ግዳይ ኣቶሚካዊ ቦምብ ዝኾነት ናጋሳኪውን ስዒባ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጸሎተ መልኣከ ኣግዚኣብሒዘር ምስ ደገሙ ‘ምሉኡ ብምሉኡ ካብ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ነጻ ዝኽዕነት ዓለም ንምጣር ንጸልን ንጸመደን’ እንክብሉ ጸዊዖም።

ዜና ቫቲካን!

ሽሕ’ኳ ኣብ ዕለቱ ንናጋሳኪ ጥራይ ዝዘከሩ እንተመሰሉ ቅዱስነቶም ዓሚ ሕዳር ኣብ ሃገር ጃፓን ኣብ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ንክልቲኤን ከተማታት ከምዝበጽሑን ኣብቲ ናይ ሓውልቲ ሰላም ንምሉእ ዓለም ደጊም ኩልና ጸሎትናን ቃልስና ንዓለምና ካብ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ሓራ ንምግባር ይኹን ኢሎም ተማሕጺኖም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ ሰንበት ዕለት 9 ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ ኣግዚኣአብሔር ንክልቲኤን ከተማታት ዘኪሮም ነዚ ዚስዕብ ኢሎም።

“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ዕለት 6ን 9ን ነሐሰ ናይ 1945 ዓም 75 ዓመት ይገብር እቲ ዘሕዝን ደብዳብ ኣቶሚክ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ኣጋጠመ። ነቲ ዓሚ ኣብዘን ቦታታት እዚኤን ዝገበርክዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብዓቢ ንፍቆትን ምስጋናን እንክዝክር ኩልና ካብ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ሓራ ዝኾነ ዓለም ንምውናን ክንጽልን ክንጽመድን ንዘቅረብክዎ ጻውዒት ሎሚ እውን እንደገና አቅርበልኩም ኣሎኹ።”

ጳጳስ ናጋሳኪ ብፁዕ አቡነ ታካሚ ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ነተን መወዳእታ ሰዓታ ናይ ናጋሳኪ ከምዚ ክብሉ ይገልጽወን፡ ‘ሊትል ቦይ ብዝብል ስም ኣብ ልዕሊ ሂሮሺማ ዝዘነበ ኣቶሚካዊ ቦምብ ንኩሉ ኣናኣቃጸሎን እናተኸኸን እንከሎ ድሕሪ 72 ሰዓታት ኣብ ሰማያት ጃፓን እቲ ዝሓሰመ ካልኣይ ፍጻሜ ማለት ፋት ማን ኢሎም ዝሰመይዎ ካልኣይ ኣቶሚካዊ ቦምብ ኣብ ልዕሊ ናጋሳኪ ዓለበ። ክገርመኩም ተሓሲባ ዝነበረት ኮኩራ እትበሃል ከተማ ኰይና ብናይ ግመን ደመናን ጸገም ድሒና። ስለዚ ነቲ 6 ኪሎን ፈረቃን ዝኸውን ኣቶሚክ ቦምብ ዳርጋ 4 ኪሎሜትር ካብቲ ዝተሓሰበሉ ርሒቁ ይወድቅ እሞ ነቲ 200 ሺሕ ክጠፍእ ዝነበሮ ናብ 80 ሺሕ ኣውርድዎ’ እንክብሉ ሽሕ’ኳ ዘስካሕክሕ እንተኾነ ምዝካሩ ከምዘድሊ እዚ ከኣ ከምቲ ር.ሊ.ጳ ዝበልዎ ካብ ዓለምና እዚ ኣጽዋር እዚ ፈጺሙ ክውገድ ኣለዎ ዓለምና ካብ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ሓራ ትኹን ኢሎም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
09 August 2020, 13:03