ድለ

ሥልጣን ኢየሱስ ንረኣዩለይ ስምዑለይ ኣይኮነን ንጽጉማት ርሕራሔ ምግባር እዩ! ር.ሊጳ

ሰንበት ዕለት 2 ነሐሰ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመና ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም እግዚአብሔር ንዝብለና ክንሰምዕን ክንክተልን ዕለት ዕለት ኣብ ንሰምዖ ዜና ውግእን ጥሜትን ህልቂትን ለበዳን ቁሩብ ርሕራሔ ወይውን ድንጋጼ ንብጾትና ዝስመዓና እንተኾይኑ ነስተንትን እንክብሉ ፍቅሪ ብጻይ ብተግባር ክነርኢ ጸዊዖም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም! ናይዛ ሰንበት እዚኣ ቃለ ወንጌል ማቴ.14..13-21 ብዛዕባ ተኣምራት ምብዛሕ እንጌራ የዘንቱ። እቲ ፍጻሜ ኣብ ሓደ ምድረበዳ ኮይኑ ኢየሱስ ምስ ኣርድእቱ እስኪ ንበይንና ግልል ንበል ኣብ ዝበለሉ ሁመት ነበረ። እቲ ሕዝቢ ግን ንብሕቶም ክኾኑ ኣይፈቀዱሎምን ቃሉ ንክሰምዑን ካብ ሕማሞ ንክሓውዩን ኣብ ዝኸዶ ኣናድዮም ይስዕብዎ ነበሩ። ከመይ ቃላቱን ተግባራቱን ሕሙማት የሕውዩ ተስፋ ኸኣ የስንቁ ነበሩ። ምሉእ መዓልቲ ምሳኡ ውዒሎምስ ኣብ ግዜ ዕራርቦ ገና ምሳኡ ነበሩ ንኩሉ ከሳልጡ ዝደልዩ ሓዋርያት ከኣ ኢየሱስ ነቲ ሕዝቢ ከፋንዎ ከመይ ከይዶም ዝብላዕ ክገዝኡ ይብሉ። ኢየሱስ ግን ‘ዝብላዕሲ ንስኹም ደኣ ሃብዎም’’ ይብሎም። ብዓይኒ ልቦናና እስኪ ነዘን ቃላት እዚአን ምስ ሰምዑ ገጽ ሓዋርያት ከመይ ከምዝነበረ ንስኣል። ኢየሱስ ክገብሮ ዝነበሮ ኣጸቢቁ ይፍልጥ ነበረ እንተኾነ ኣተና እቶም ሓዋርያት ክልውጥ ስለዝደለየ ነቲ ‘ኣፋንዎም ግዳ ዝብላዕ ክደልዩ’ ንዝብል ሓሳብ ንክልውጥ ኢሉ ኣይፋሉን ይብሎም ከመይ ሓልዮት ኣምላኽ ዝህበናን ብከመይ ምስ ብጾትና ክንማቀሎ ከምዝሎናን የመልክት። ኣብዚ ክልተ ተጻረርቲ ዝንባሌታት ንርኢ። ኢየሱስ ግን ናብታ ካልአይቲ ዝንባሌ ናይ ሓልዮት ክመርሖም ይደሊ ከመይ እታ ኣፋንዎም እትብል ቀዳመይቲ  ብተግባር ንነገራት ዘመሓድር ሰብ ዝንባሌ ኮይኑ ልግሲ ይጐድሎ ማለት ኣፍንዎም ባዕሎም የናድዩ ድራሮም ይማእርሩ የስምዕ። ኢየሱስ ግን ካልእ መንገዲ ይሓስብ። በዚ ተግባር ኣዚ ገሩ ከኣ ነቶም ናይ ትማልን ናይ ሎምን ሓዋርያቱ ክምህሮ ዝደለዮ ጉዳይ እሎ። እዚ ብሥነ መጎት መንገዲ እግዚኣአብሔር ክንሓስብ ይደሊ። ኣየናይ እዩ እዚ ሥነ መጎት ወይውን ሓሳብ እግዚአሔር እንተበልና ጸገም ካልኦት ጸርካ ምኽኣል እዩ። እንተ ኣተሓሳስብና ብዙሕ ግዜ ከም ጲላጦስ ኢድካ ተሓጺብካ የሎኹሉን ኢልና ገጽካ ናብ ካልእ ወገን ጠዊኻ ከምዘይትርኢ ምዃን እዩ። ናይ ጐይታ መንገዲ ግን ፍቅሪ ብጻይ ብምዝውታር ብዛዕባ ካልኦት ምግዳሽ እዩ። ባዕሎም ይፈልጡ ዝብል ኣዘራርባ ናይ ክርስትያን ቃላት ኣይኮነን። ኣብ መዝገበ ቃላት ክርስትያን ኣይኣቱን።

ካብቶም ዓሠርተ ክልተ ሓዋርያት ሓደ ‘ኣብዚ ብዘካ ሓሙሽተ ሕምባሻን ክልተ ዓሳን’ ዋላ ሓደ የሎን እንክብል እቲ ኩነት ጽጉም ምዃኑ በዚኤንሲ እንታይ ክግበር ይከኣል ብዘስምዕ ቃና ንኢየሱ ምስ ነገሮ ደሓን ነጀው በሎ ኣምጽኣዮ ይብሎ። ኢየሱስ ነዚ መግቢ ኣዚ ኣብ ኢዱ ሒዙ ንሰማይ ቊሊሕ ኢሉ ቃለ ቡራኬ ይደግም ክቆርሶ እውን ይጅምር ብኡ ንብኡ ከኣ ነቶም ሓዋርያት ሂቡ በሉ ዓድልዎም ይብሎም። እተን ቁሩባት ሕምባሻን ዓሳን መመሊሱ ይበዝሕ ኣይውዳእን ነቶም ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሕዝቢ የጽግቦም ተረፍ ኣውን ይርከቦ።

ጐይታ ኢየሱስ ከስ በዚ ኣገባብ እዚ ክእለቱን ሥልጣኑን የርኢ። ነዚ ግን ንረኣዩለይ ስምዑለይ ኣይኮነን ዝገብሮ እንታይ ደኣ ከም ምልክት ፍቅሪ ምግባረ ሠናይ ልግሲ እግዚብሔር ኣቦ ንድኹማትን ጽጉማትን ደቁ ከርኢ ይፍጽሞ። ኣብ ሕይወት ሕዝቡ ስለዝጠሓለ ድኻም ሕዝቡ ይርድኦ ጸገማቱ ይርድኦ እንተኾነ ማንም ካብዚኦም ክጠፍእ ወይውን ገለ ክጐድሎ ኣይደልን። ብቃሉ ይምግብ ምሉእ ብምሉኡ ዝድግፎም ከኣ እንጌራ ይህቦም።

ኣብዚ ዛንታ እዚ እቲ ንድሕነት መላእ ዘመደ ኣዳም ዝቊረስ ቅድሱ ቊርባን እውን ይግለጽ። ልዕሊ ኩሉ እቲ ባረኸ ንእንጌራ ቈረሰ ንሓዋርያቱ ሃበ ሓዋርያቱ ከኣ ንሕዝቢ ዓደልዎ ዝብል ምስቲ ድሕሪ ዝሰርዖ ቅዱስ ቊርባን ይመሳሰል። በዚ ከኣ ኣብ መንጎ እቲ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዝኸውን ቀለብ  ቅዱስ ቊርባንን ንዕለታዊ ሕይወት ዘገልግል እንጌራን ዘሎ ምትእስሳር የጒልሕ። ቅድሚ ንገዛእ ርእሱ ከም እንጌራ ሕይወት ንሰማያዊ ኣቦኡ ምውፋይ ኢየሱስ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ዕለታዊ መግቢ ይቅርበሎም ከመይ ምሳኡ ነዊሕ ግዜ ብምሕላፎም ዕለታዊ እንጌራ እኳ ክገዝኡ ኣይከኣሉን። ሓንሳእ ሓንሳእ መንፈሳው ጉዳይን ሥጋዊ ጉዳይን ክመዓራረዩ ትርኢ እንተኾነ መንፈሳውነት ንበይኑ ከም ንዋታውነት ዝጠቅሞ የብሉን ቋንቋ ቅዱስ መጽሓፍ ኣውን ኣይኮነን።

እዚ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ዝስዕብዎ ዝነበሩ ሕዝቢ ዘርኣዮ ርሕራሔን ለውሃትን ከስ ማንም ስምዒታዊ ምድንጋጽ ዘይኮነ ጭቡጥ መርኣይ ፍቅሩ ኰይኑ ሓቀኛ ፍቅሪ ስለ ካልኦት ከም ኣትግደስ ብግብሪ ምግላጽ እዩ። ናብ መኣዲ ቅዱስ ቊርባን ገጽና ክንጐዓዝ እንከሎና ነዚ መንፈስ እዝን ነዚ ዝንባሌ እዝን ክንክተል ኣሎና ከምቲ ናይ ኢየሱስ ጸገምን ስእነትን ብጾትና ክስምዓና ኣሎዎ። እዛ ርሕራሔን ለውሃት ኢየሱስ እትገልጽ ቃል ኣብ ወንጌል ኣብ ብዙሕ ቦታ ሕሙማት እንክርእስ ይኹን ጥሙያት ራሕራሓሎም ብማለት ብተደጋጋሚ ንረኽባ። ርሕራሔ ንዋታዊ ነገር ወይ ስምዒታዊ ድንጋጼ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ጭንቀት ኣብ ጸገም ዘሎ ሰብ ዝስምዖ ክስመዓካ እንከሎ ምሳኡ ኰይንካ ክትጭነቅ ተሳታፊ ጸገሙ ጓሂኡ ጭንቁ ክትከውን እንከሎኻ እዩ። ናብ ሕልናና ምልስ ኢልና ኣነስ እርሕርሕዶ! ብዛዕባ ውግእን ጥሚትን ለበዳ ሕማምን ዝምልከት ዜና እንከንብብ እንክሰምዕ እንክርኢ ነቲ ሕዝቢ እርሕራሓሉዶ ጐረባብተይ ገለ ጸገም ኣንከጓንፎም እርሕራሓሎምዶ! ተሳታፊ ጸገሞምዶ እኸውን ወይስ ባዕሎም ይፈልጡ ኢለ ሕቈይ ሂበዮም እዕዘር! ስለዚ ነዛ ርሕራሔ ድንጋጼ ሓልዮት እተስምዕ ቃል እዚኣ ኣይረስዕ። እዚኣ እንተልያ ኣብ ሓላዪ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣቦ ዘሎ ምትእምማን ከምኡ ብትብኣት ንኩሉ ምስ ብጾትካ ምክፋል ተስምዕ እሞ ሓደራ ኣይረሳዓያ። ነቲ ጐይታ ሎሚ ኣብ ወንጌሉ ዝሕብረና መንገዲ ንክንክተል ቅድስት ድንግል ማርያም ትደግፈና። እዚ ጒዕዞ እዚ ጒዕዞ ሕውነት ኰይኑ ናይዛ እንነብረላ ዓለም ድኽነትን ስቃይን ብሕልፊ ኣብ ጽጉም ግዜ  ነቲ ካብ እግዚአብሔር ጀሚሩ ናብ እግዚኣአብሔር ክምለስ ዝለዎ ዓለምና ንዘክር።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 August 2020, 13:51