ድለ

ር.ሊ.ጳ ብመጥቃዕቲ ካተድራል ኒካራግዋ ዝተሰምዖም ሓዘንን ቅርበቶምን ገሊጾም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 2 ነሐሰ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝነበሩ ምእመናን ጸሎተ መልኣከ ኣግዚኣአብሔር ምስ ደግሙ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ካተድራል ኒካርዋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕትን ከም ሳዕቤኑ ዝነደደ ጥንታዊ መስቀል ክርስቶስን ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ብመንፍስ ቅርበቶም ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ኒካርግዋ ካተድራል ማንጋዋ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ብደም ኢየሱስ ዝፍለጥ ጥንታዊ ተኣምራዊ መስቀል እንክቃጸል ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ግን ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ዝገልጽ ዜና ምስ ሰምዑ ቅዱስነቶም ብጣዕሚ ከምዝጐሃዩን ሃሞምን ቀልቦምን ኣብቲ ዝሳቀ ሕዝቢ ኒካርግዋ ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ብዛዕባ እቶም ብመጥቃዕቲ ካተድራል ማናጕዋ ዝሳቀዩ ሕዝቢ ኒካርጕዋ እሓስብ። ኣብቲ መጥቃዕቲ እታ ብኩሉ ሕዝቢ ኣኽብሮ ዝቀርባ መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ከምዝተጎድኤት ዳርጋ ዝዓነወት ነቲ ሕዝቢ ንዘመናት ዘሰነየን ዝደገፈን መስቀል ብምባሩ ብጣዕሚ የሕዝን። ዝኸበርኩም ኣሕዋት ደቂ ኒካራጕዋ ብመንፈስ ምሳኹም እየ ምእንታኹም ከኣ እጽሊ።”

እቲ ፍጻሜ ዝሓለፈ ዓርቢ ሓደ ገጹን ርእሱን ዝተሸፈነ ሰብ ናብቲ ካተድራል ተፈንጃሪ ብምድርባይ እንክፍጸም ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ ብዙሕ ጉድኣት ከምዘወርደን ነቲ ጥንታዊ መስቀል ከምዘቃጸለን እንክምልከት ሊቀ ጳጳስ ናይታ ዓዲ ብፁዕ ካርዲናል ለዮልዶ ብረነስ ‘ናይ ራዕዲ ፈተነ እዩ’ ኢሎሞ። ንብምሉኦም ማሕበረ ክርስትያን ኒካርጕዋ ከምዘሕዘነን ከምዘቊሰለን እውን ገሊጾም። ኣብቲ ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ እትስመ ቤተመቅደስ ዝነበረ ጥንታዊ መስቀል ክርስቶስ ምቅጻሉ እዚ ከኣ እቲ ፍጻሜ ኣቀዲሞም ዝሓሰቡሉን ዝመደብዎን ናይ ጸላእቲ ተግባር ምዃኑ ካብቲ ኣገባቡ ክርዳእ ይከኣል ኢሎም። ብ1996 ዓም ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቅድሚኡ ብዓቢ መንፈሳውነት ዝጸልዩሉን ናብ ኒካርጕዋን ጓተማላን ኤልሳቫዶርን በነዝወላን ምሳኦም ሒዞም ዝተጐዓዙዎ መስቀል ነበረ።

ትማሊ ቅዱስነቶም ናይ ምጽንናዕ ቃላቶም ኣብ ዘመሓልለፉሉ መላእ ሃገረ ኒካርጕዋ ሊቀ ጳጳሳ ብዝኣወጅዎ መሠረት ኣብ ንብዓትን ምህለላን ነበረት።

ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ኣብ ብዙሕ ኣብያተ ክርስትያን ኒካርጕዋ ዝተፈላለየ ስርቅን ምብርባርን ከምዝተፈጸመ ምስዚ ታታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። ብቸላም ዝፍልጠ ጉባኤ ረኪበ ጳጳሳት ደቡብ ኣመሪካ ብሰላምን ውህደትን ንምንባር ጻዕሪ ክካየድ ዓመጽን ምፍርራህን ከቋርጽ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

02 August 2020, 13:45