ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ስደተይናታት ግዳይ ናይ ጓሓፋይ ባህሊ እያቶም፡ እግዚኣብሔር ክሓተና እዩ!

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ብሉጽ ሕይወት ዘናድዩ ዝነበሩ፡ ነቶም ሎሚ እውን ፍትሕን ሓቅን ዝሓትቱ ንዘለዉ ኣባይቲ ስድራኦም ቅርበተይን ድጋፈይን እገልጽ

ዕለት 23 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ከምቲ ልሙድ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መእመናን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣማእኪሎም ኣብ ዝለግስዎ ኣስተንትኖ፥ ኣብ መክሲኮ ግዝኣት ተማውሊፓስ ከተማ ሳን ፈርናንዶ ኣብ ልዕሊ ስደተይንታት ዝተፈጸመ ህልቀት ዋዜማ ዝኽሪ 10 ዓመት ምኽንያት ፍትሕን ሓቅን ከምእተማሕጸኑን ብእምነቶም ምኽንያት ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ሞዛምቢክ ዝሳደዱን ዓለም ሓቆፍ ግብረ ሸበራ ብዝፈጥሮ ራዕድን መቕተልን ምኽንያት ምእንቲ ዝመዛበሉን ከምዝጸለዩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብሬላ ዘራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብላቲን ስርዓት ኣብ ሰንበት መበል 21 ተራ ሊጡርጊያዊ ግጻዌ ቅዱስነቶም ጥማተኦም ከምቲ ልሙድ ናብ መላእ ዓለም ኣቕኒዕዕም፡ ዕለት 24 ነሓሰ 2010 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮ ከተማ ሳን ፈርናንዶ ናይ ዝተቐትሉ ካብ ሆንዱራስን ኤል ሳልቫዶርን ጓተማላን ኤኳዶርን ብራዚልን ሓደ ህንዳውን ዝርከብዎም ብጠቕላላ ናይ 72 ስደተይናታት ሙት ኣካል ካብቲ ህልቀት ዘምለጠ ተወላዲ ኤኳዶር መንእሰይ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ዝተረኽቡሉን ምስ እዚ ብዝተኣሳሰረ ጉዳይ እውን ብዛዕባ ናይ ዕጸ ፋርስ ዘዘዋውሩ ናይ ገበን ጉጅለታት ብዙሕ ዘዛረበን ዘሕዝን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ህልቀት ምንባሩ ቅድስነቶም ዘኪሮም፡

ድጋፍን ምትሕብባርን ንኣባይቲ ስድራ ምዉታት

“ብሉጽ ሕይወትን መጻእን ዘናድዩ ዝነበሩ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ነቶም ዝተቐትሉ ስደተይንታት ገሊጾም ነቶም ኣደዳ ህልቀት ዝኾኑ ኣባይቲ ስድራ ድጋፍን ቅርበቶም ክገልጹ እንከለዉ፥

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ብሉጽ ሕይወት ዘናድዩ ዝነበሩ፡ ነቶም ሎሚ እውን ፍትሕን ሓቅን ዝሓትቱ ንዘለዉ ኣባይቲ ስድራኦም ቅርበተይን ድጋፈይን እገልጽ፡ እግዚኣብሔር ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉዕዞ ተስፋ ዝሞቱ ክጸባጸበናን ክሓተናን እዩ! ስደተይናታት ናይ ጓሓፋይ ባህሊ ግዳይ እያቶም።

ከምዝበሉ ቸራዞ ይሕብራ።

ጸሎት ምእንቲ ብእምነቶም ምኽንያት ንዝሳደዱ

ቅዱስነቶም፥ ብእምነቶምን ሃይማኖቶምን ምኽንያት ንሓደጋ ሞትን ኣሳዶን ዓመጽን ንዝቃልዑ እናሓሰቡ፡ ሎሚ እውን ዘይነኣኣስ ስቓይን ዘስካሕክሕ ህልቀት ይረአይ ከምዘሎን፡ ብእምነቶምን ሃይማኖቶን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝቃልዑ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዝኽሪ ተሓሲቡ ኣብ ዝወዓለሉ ዕለት ንጽብሒቱ፥ ምእንታኦም ንኽንጽልይ እንክላበዉ፥

ምእንቲ ኵሎም እቶም - ማእለያ ዘይብሎም - ብእምነቶምን ሃይማኖትምን ምኽንያት ንዝሳደዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጸሎትናን ሓገዝናን ንደግፎምን ቀረባኦምን ንዅን!

ከምዝበሉ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ንናይ ሞዛምቢክ ንናይ ሰሜናዊ ዞባ ካፖ ደለጋዶ ናይ ር.ሊ.ጳ. ቅርበት

ኣብ መወዳእታ ክቅዱስነቶም ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 19 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ሞዛምቢክ ካቦ ደለጋዶ ዝረአይ ዘሎ ጽንኩር ናይ ሰብኣዊ ኵነት ምኽንያት ንናይ ፐምባ ሊቀ ጳጳሳት ብስልኪ ተራኺቦም ቅርበቶምን ጸሎቶም ከምዝገለጹሎም ደጊሞም እውን፥

ኣብ ሞዛምቢክ ንተቐማጦ ካቦ ደልጋዶ ብዓለም ሓቆፍ ግብረ ሽበራ ንሓደጋን ንጽኩር ናይ ሰብኣዊ ጉዳያትን ንዝተቓልዑ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝፈጸምኵዎ ሓዋርያዊ መገሻ እናዘከሩ ቅርበተይ ጸሎተይ አረጋግጽ!

ከምዝበሉ ዝሓበራ ቸራዞ ኣስዒበን፥ ከምቲ ብስልኪ ንብጹዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ሊስቦኣ ዝገለጽዎ ቅርበቶም ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሞዛምቢክ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ እናዘከሩ እቲ ብናይ ተፈጥሮ ጸጋ ዕዱል ዝኾነ ከባቢ ብፍላይ ከኣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት መፋርቕ ንናይታ ሃገር ጐረባብቲ ሃገራት እውን ከይተረፈ ኣዚዩ ዘክፍታ ዝፈጥር ዘሎ ብዕጡቓት ሓይሊ ብቐጻሊ ዝፍጸም ግብረ ሽበራን ዓመጽን እናሓሰቡ፥ ኣብ ካቦ ደልጋዶ ዝርአይ ዘሎ ዓመጽ በሸሓት ዝቑጸሩ ተቐማጦ ንሞትን ምዝብልናን ይዳርግ ከምዘሎ የዘኻኽራ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ስደተይናታት ግዳይ ናይ ጓሓፋይ ባህሊ እያቶም፡ እግዚኣብሔር ክሓተና እዩ!
24 August 2020, 12:20