ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ኣደዳ ኾሮና ተህዋስ ከይርስዑ ይላበዉ

ኮቪድ - 19 ዝፈጠሮ ዘሕዝን ጽንኩር ኵነት ገና ኣይተዓጽወን፡ ግዜ ርግእ ምስ በለ እውን እቲ ዘስዓቦ ስቓይ እናቐለለ ዝኸደ ናይ ዝመስል ክቢድ ሓደጋ ሞትን ውድመትን ዘስዓበ ዕለት 24 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ማእከላይ ዞባ ዝተኸስተ ርእደ መሬት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ምኽንያት ናይ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ስቓይን ግዳይ ዝኾኑ ኵሎም ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ካህናትን ከምኡ እውን ነቶም ኣብ 2026 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ማእከል ተኸሲቱ ብዝነበረ ርእደ መሬት ኣደዳ ዝኾኑን ዝተረፉን ዘኪሩም ናይቲ ከባቢ ዳግማይ ሕንጸት ክቀላጠፍ ሓደራ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጽላሎቱ ገና ዘይተሰግረ ደቒቕ ዘይረኣይ ጸላኢ፥ ብዙሓት ንሞት ዘቃልዔን ብዙሓት ዝለኸፈን ሎሚ እውን ገና ዓቢይ ስግዓት ዝኾነ ኾሮና ተህዋስ እናሓሰቡ፥

ናይ ኾሮና ተህዋስ ኣደዳ ዝኾኑ ኣይንረስዓዮም፥ ሎሚ ንጐሆ (ዕለት 23 ነሓሰ 2020 ዓ.ም.) ኣቦ ሓጐኣን ኣደ ሓጐኣን ብምኽንያት ኾሮና ተህዋስ ዝሰኣነት ንኽትሰናበቶም ዕድል እውን ናይ ዘይረኸበት ስድራ ቤት ምስክርነት ሰሚዔ፡ ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ፡ በቲ ለብዒ ዝዓረፉን ንከቢድ ስቓይ ዝተቓልዑን ዜጋታትን ብዙሓት ወለንተይናታትን ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ደናግልን ካህናትን ኣባይቲ ስድራን ንዘክር!

ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ይሕብሩ።

ምእንቲ ተስፋ ንጸልይ

ኮቪድ - 19 ዝፈጠሮ ዘሕዝን ጽንኩር ኵነት ገና ኣይተዓጽወን፡ ግዜ ርግእ ምስ በለ እውን እቲ  ዘስዓቦ ስቓይ እናቐለለ ዝኸደ ናይ ዝመስል ክቢድ ሓደጋ ሞትን ውድመትን ዘስዓበ ዕለት 24 ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ማእከላይ ዞባ ዝተኸስተ ርእደ መሬት እናሓሰቡ፥

ጽባሕ (ዕለት 24 ነሓሰ 2020 ዓ.ም.) ኣብ ኢጣሊያ ማእከላይ ዞባ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ራብዓይ ዓመት ዝዝከረሉ ዕለት እዩ፡ በቲ ርእደ መሬት ንኸቢድ ስቓይ ዝተቓልዑን ዓቢይ መጉዳእትን ውድመትን ንዘጋጠሞም ኣባይቲ ስድራን ማሕበረ-ሰብን ብድጋፍን ተስፋን ንቕድሚት መታን ክብሉ ጸሎተይ ደጊመ አረጋግጽ፡ እቲ በቲ ርእደ መሬት ዝተጠቕዔ ኣፐኒኖ ዳግማይ ሕንጸት ክቐላጠፍን ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕን እላበው!

ከምዝበሉ ዝሓበሩ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም ነቶም ካብ ሲየና ኣብቲ ቅዱንቶም ዘዕርግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንኽሓብሩ ናብ ሮማ ብብሽክለታ ተጓዒዞም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ኣብ ናቪሊያ ናይ ቁምስና ቸርኑስኮ ኣባላት መንእሰያት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ትብዓቶም ከምዘድነቑ ኣፍሊጦም።

ፍራንቸስኮ፥ ኣደዳ ኾሮና ተህዋስ ከይርስዑ ይላበዉ
24 August 2020, 12:15