ድለ

መንገዲ እግዚአብሔርን መንገዲ ዓለምን በበይኑ እዩ! እንኮ መንገዲ ክርስትያን ፍኖተ መስቀል እያ! ር.

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሰንበት ዕለት 30 ነሐሰ 2020 ዓም ዝቀረበ ወንጌል ጐ.ኢ.ክ ብዛዕባ ሕማማቱ ምስ ተዛረበ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣይረድካ ምስ በለ ንዝገሰጾ እትመልክት ነበረት። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምድጋሞም ኣብ ዘቅረብዎ ኣስተምህሮ ‘ዕንቅፋት መስቀል ከቢድ እኳ እንትኾነ መትካ ንምትንሳእ ዘላ መንገዲ ንሳ ጥራሕ ምዃና ኢየሱስ ይምህረና። ኣብ መስቀል መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ክንርኢ እንተኽኢልናን ሕይወትና ምእንቲ ካልኦት ብምውፋይ ንኢየሱስ እንተመሲልናን ጥራሕ ኢና እንድሕንን እነድሕንን’ እንክብሉ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም!

ናይ ሎሚ ክፍሊ ወንጌል ማቴ 16.21-27 መቀጸልታ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ማቴ 16.13-20 እዩ። ሓዋርያ ጴጥሮስ ንኩሎም ሓዋርያት ወኪሉ ነታ ሰባት መን ይብሉኒ እትብል ሕቶ ኢየሱስ መሲሕ ወዲ እግዚአብሔር ምዃኑ ብምግላጽ ምስክርነቱ ምስ ሃበ ኢየሱስ ብኡ ንብኡ ብዛዕባ ሕማማቱ ክዛረቦም ይጅምር። ናብ ኢየሩሳሌም ገጾም እናተጓዕዙ ከኣ ብግልጺ ነቶም ኣዕሩኽቱ እንታይ እንታይ ይጽበዮ ከምዘሎ ኣብታ ቅድስቲ ከተማ ክቅበሎ ዘሎ ሞትን ትንሣኤን ውርደትን ክብርን ኣቀዲሙ ይነግሮም። ኣሕጽር ኣቢሉ ‘ናብ ኢየሩሳሌም ኪኸይድ ከም ዝንበሮ ብዓበይቲ ሕዝብን ብሊቃነ ካህናትን ጸሓትን ከኣ ብዙሕ ከምዝሳቀን ከምዚቅተልን ብሣልሳይ መዓልቲ ድማ ከምዚትንሥእን ኪግለጸሎም ጀመረ’ (ማቴ 16.21) ክብል ማቴዎስ ወንጌላዊ ይትርኾ። እንተኾነ እዚ ቃላት እዚ ዝተረድኦም ኣይመስልን ከመይ እቶም ሓዋርያት ገና ዘይበሰለ እምነትን ኣብ ኣተሓሳስባ ዓለም ዝጠበቁን ነበረ (ሮሜ 12.2)። ንሶም ዝሓስብዎ ዝነበሩ ምድራዊ ዓወት ስለዝነበረ ጉዳይ መስቀልን ቋንቋኡን ክርድእዎ ኣይከኣሉን።

ኣብቲ ኢየሱስ ዝፈሸለ ዝመስለሉን ኣብ ዕጸ መስቀል ዝሞተሉን መግለጺ እቲ ኣቀዲሙ ዝመስከረን ዝተናእደን ጴጥሮስ ንኢየሱስ ኣግልል ኣቢሉ ‘ኦ ጐይታይ የጽልላካ እዚስ ኣይውረድካ’ (ማቴ 16.22) እናበለ ኪገንሖ ጀመረ። ጴጥሮስ ወትሩ ከምኡ እዩ ከመይ ብኢየሱስ ይኣምን ነሩ ኪስዕቦ ይደሊ ነበረ እንተኾነ ብሕማማት ኣቢልካ ናብ ክብሪ ክበጽሕ ኣይደለየን። ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሓዋርያትን ንዓና እውን መስቀል ኣይጥዑምን እኳ ደኣ ሓደ ዓቢ ዕንቅፋት እዩ ኢየሱስ ግን ብኣንጻሩ ዓቢ ዕንቅፋት ዝኾነ ካብ መስቀል ምህዳም እዩ ከመይ ካብ ፍቃድ እግዚአብሔር ኣቦ ካብቲ ንሱ ዝሃቦ ተልእኮ ማለት ጉዳይ ድሕነትና ምህዳም ዓቢ ዕንቅፋት እዩ። ስለዚ ኢየሱስ ናብ ጴጥሮስ ግልጽ ኢሉ ሓይለ ቃል ብዝተሓወሶ ካልኦት እውን ክሰምዑን ክመሃሩን ዝደለየ እንክመስል ‘ ካባይ ርሓቅ ሰይጣን ንስኻ ንኣይ ዕንቅፋት ኢኻ ከመይሲ ናይ ሰብ ነገር ደኣ እምበር ናይ እግዚኣአብሔር ኣይኮንካን እትሓስብ’ ይብሎ (ኁ.23)። ዳርጋ ዓሠርተ ደቂቅ ኣቅድም ኣቢሉ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ይንእዶ ቤተክርስትያኑ ኣብ ልዕሊኡ ከምዝሓንጽ ቃል ይኣትወሉ ንሱ መሠረታ ከምዝኸውን ይገልጸሉ። ድሕሪ ዓሠርተ ደቂቅ ከኣ ሰይጣን ይብሎ። እዝስ ከመይ ኢልና ክንርድኦ ንኽእል እንተበልና ኣባና እውን ወትሩ ዘጋጥም ጉዳይ እዩ። ኣብ ግዜ ኣምልኾን ስግደትን ሠናይ ድላይን ጽቡቅ ዕርክነት ኢየሱስን ብጾትናን ኣብ ዘሎናሉ ግዜ ንኢየሱስ እናጠመትን ጽቡቅ ንጐዓዝ እንተኾነ ፈተናን መስቀልን ክንርኢ እንከሎና ንሃድም። ከምቲ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ዝበሎ ዲያብሎ ሠይጣን ወትሩ ይፍትን። እዚ ሕማቅ መንፈስ እዚ ካብ ዲያብሎስ ኮይኑ ወትሩ ካብ መስቀል ካብ መስቀል ክርስቶስ ከርሕቅና ይደሊ።

ብድሕሪ`ዚ ኢየሱስ ናብ ኩሎም ሓዋርያት እናጠመተ ‘ሓደ ኪኽተለኒ እንተደኣ ደልዩ ርእሱ ይኽሓድ መስቀሉ ጾይሩ ኸኣ ይከተለኒ` ኁ.24 ይብሎም። በዚ ከምዚ ከኣ ሓደ ሓቀኛ ተኸታሊ ኢየሱስ ክገብሮ ዘለዎ ክልተ ነገራት ይገልጸሎም። ቀዳማይ ገዛእ ርእስኻ ምኽሓድ ኰይኑ ኣፍኣዊ ወይውን ንረኣዩለይ ስምዑለይ ዝግበር ዘይኮነ ሓቀኛ ለውጢ ኰይኑ ናይ ኣተሓሳስባን ግምታትን ለውጢ እዩ። እታ ካልአይቲ ከኣ መስቀልካ ምቅባሉን ምሽካሙን እያ። ዕለታዊ ፈተናታት ብትዕግሥቲ ምጽዋር ጥራይ ኣይኮነን ዘድሊ እንታይ ደኣ ብእምነትን ብሓላፋነትን ነቲ ድኻም ምቅባሉ ነቲ ምስ ጸላኤ ሠናያት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዘጋጥም ስቃይ እውን ከምኡ። ሕይወት ክርስትያን ወትሩ ቃልሲ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ናይ ኣማኒ ሕይወት ከም ወታሃደር እዩ ከመይ ተጻይ ክፉኣት መናፍስትን ክፍኣትን ወትሩ ኵዋጋእ ኣለዎ ይብል።

በዚከምዚኸስ መስቀልካ ተቀቢልካ ምጻር ኣብታ ብክርስቶስ ዝተወፈየት ተግባር ድሕነት ምስታፍ እዩ። ነዚ ነገርዚ እዚ እናኣስተንተንና እቲ ኣብ ገዛና ኣብ ሓደ ኲርናዕ ተሰቂሉ ዘሎ መስቀልስ ይኹን እቲ ኣብ ክሳድና ኣብ ማዕተብና ኣሲርናዮ ዘሎ መስቀል ብፍቅሪ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምግልጋል ምናዳ ኸኣ ንንኡሳንን ተኣፈፍትን ብምግልጋል ምስ ኢየሱስ ክንሓብር ንዘሎና ሠናይ ድሌት የመልክት። መስቀልከስ ቅዱስ ምልክት ፍቅሪ እግዚአብሔር ኰይኑ መሥዋዕቲ ኢየሱስ ዘመልክት እምበር መመልክዒ ማዕተብ ኣይኮነን። ጠመተና ኣብ መስቀል ኢየሱስ ኣብ እንገብረሉ ነፍሲወከፍ ግዜ ነቲ ስለ ሕድገት ሓጢኣት ደሙ ብምፍሳስ ተልእኮኡ ሕይወቱ ብምውፋይ ዝፈጸመ ሓቀኛ ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ነስተንትን። በቲ ጸላኤ ሠናይት ዘቅርበልና ናይ ህድማ ፈተና ከይንሰዓር ንጠንቀቅ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ዝበልናዮ ኣስተንትኖ ሓቀኛ ተኸተልቱ ክንከውን ክንመስሎ እንተደለና ሕይወትና ብዘይ ምንም ብቂ ንፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ነወፊ።

እታ ክሳብ ኣብ ቀራንዮ ምስ ወዳ ሓደ ዝኾነት  እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም  ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክርነት ወንጌል ዝኾነ ፈተናን ስቃይን ከይንሃድም ትደግፈና።

ብድምጺ ንምክትታል!
31 August 2020, 12:29