ድለ

ታሪኽ ሕይወትና ኣብ እግሪ እቲ መሓርን ርሕሩሕን ዝኾነ ጐይታ ነምጽኣዮ! ር.ሊ.ጳ

ኣብ ጽባሕ ብዓለ ፍልሠታ ለማርያም ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስ እንደገና ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ንክደግሙን ኣስትምህሮ ንክቅርቡን ሰንበት ዕለት 16 ነሐሰ 2020 ዓም ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምቅልቃል ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ንጸሎት ናይታ ሕያውነት ጐይታ ክትርዳእ ዝኸኣለት ዘይኣማኒት ከናዓናዊት ሰበይቲ ንመሃሮ` ኢሎም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም!

ናይዛ ሰንበት እዚኣ ቃለ ወንጌል (ማቴ 15,21-28) ኣብ መንጎ ኢየሱስ ሓንቲ ከናዓናዊት ሰበይትን ዝተገብረ ዝርርብ የቅርበልና። ኢየሱስ ምስ ሓዋርያቱ ካብቲ እናዓጐጐ ብዙሕ ዘሸግሮ ዝነበረ ሕዝቢ ቊሩብ ግልል ክብል ስለዝደለየ መሬት ባዕዲ ኢሎም ኣብ ዝሓስብዎ ኣብ ሰሜን ገሊላ ነበረ። ኣብዚ ቦታ እንከሎ እዩ እምበኣር ሓንቲ ጓላ ዝሓመመታ ሰበይቲ ሓገዝ ካብኡ እናለመነት ትስዕቦ። ‘ኦ ጐይታ ራሕርሓለይ’ እናበለት ትስዕቦ። እቲ ልመናዶ ክንብሎ ገዓር ናይዛ ሰብ እዚ ካብ ስቃይ ዝተወልደ ሓንቲ ኣደ ኣብ ቅድሚ ትሳቀ ዘላ ጓላ እሞ ኸኣ ምንም ክትገብረላ ዘይትኽእል ተስምዖ ቊዘማ ዝተሓወሶ ልመና ነበረ። ኢየሱስ መጀመርያ ከምዛ ዘይሰምዓ ሱቊ ኢሉ መንገዱ ይቅጽል ዳርጋ ዕሽሽ እውን ይብላ እንተ እታ ሰበይቲ ብጽንዓት ልመናኣ ትቅጽል። ሽዑ እቶም ሓዋርያት ኣፋንዋንዶ ዚዓይነቱ ማለት በቲ ልመና እታ ሰበይቲ ዝተጨነቁ እንክመስሉ ምስ ሓተትዎ ‘ ናብተን ዝጠፍአ ኣባጊዕ እስራኤል እየ’ ዝተላእኽኩ ክብል ተልእኮኡ ይገልጸሎም። እዚ ማለት ከኣ ናብ ኣረማውያን ኣይኮነን ንክብልን እታ ሰበይቲ ኣረመን ከምዝነበረትን ንምግላጽ ነበረ። ንሳ ግን ኣብየቱታኣ ትቅጽል ሽዑ ንሱ ሓንቲ ሕይል ዝበለት ምሳሌ ብምሃብ ይፍትና ማለት ‘ንእንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ንኣኽላባት ምሃብ ጽቡቅ ኣይኮነን’ ይብላ። እታ ብስቃይን ሓዘንን ተዋሒጣ ዝነበረት ሰበይቲ ብኡ ንብኡ ‘እወ ሓቅኻ ጐይታይ እንተኾነ ኣኽላባት እውን ካብ መኣዲ ጐይቶቶም ዝወደቀ ርፍራፍ እዮም ዝበልዑ’ በለት።

በዘን ቃላት እዚአን ገራ እዛ ኣደ እዚኣ ነታ ጸገም ዝኾነ ፍጥረት ንምርዳእ ስንድውቲ ዝኾነት ኣብ ኢየሱስ ዘላ ሕያውነት ልዑል እግዚኣአብሔር ከምዝተረደኤት ተመልክት። እዚ ምሉእ ምትእምማን ዝመልኦ ጥበብ እዚ ንልቢ ኢየሱስ ይትንክፎ እሞ ናይ ኣድናቆት ቃላት ወሲኹ ‘ኣቲ ሰበይቲ እምነትኪ ዓቢይ እዩ ከምቲ እትደልይዮ ይኹነልኪ’ ይብላ። እዛ ዓባይ እምነት ትበሃል ዘላ እምነት ኣየንቲ ኮን ትኸውን እንተበልና! ንቊስልታትካ ከይሓባእካ እትግለጽ ታሪኽ ሕይወታ ኣብ እግሪ ጐይታ ደኒና ብምዝንታው ንከሕውየላ ትርጉም ንክህባ ምልማን ዓቢ እምነት እዩ። ነፍሲወከፍና ታሪኽ ሕይወትና ብዙሕ ግዜ ዘይጽሩይ ብዙሕ ጸገማት ዘለዎ ብዙሕ ስቃይን መከራን ሓጢኣትን ዘለዎ ታሪኽ ሕይወት ኣሎና። ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ንበል እሞ ነዛ ታሪኸይ እንታይ እገብራ! እሓብኣዶ! ኣይፍልካን ከምዘላታ ደኣ ናብ ቅድሚ ጐይታ ኣምጻኣያ እሞ ‘ጐይታይ እንተደለኻ ክተሕውየኒ ትኽእል ኢኻ’ ንበል። እዛ ንፍዕቲ ሰበይቲ እዚኣ እዚኣ እትምህረናኸስ እዚ እዩ ንታሪኽ ሕይወትካ ንስቃያትካ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ሕያውነትን ርሕራሔን  እግዚኣብሔር ንክትድሕድሖ ትብዓት ምህላው። ናይዛ ታሪኽ እዚኣ ናይዛ ጸሎት እዚኣ መቅረት እስኪ ንፈትኖ ነፍስወከፍና ታሪኽ ሕይወቱ እስከ የስተንትን። ኣብ ታሪኽ ሕይወት ብዙሕ ግዜ ሕማቅ ነገራት ይርከብ እዩ። ናብ ኢየሱስ ንኺድ እሞ ማዕጾ ልብኡ እናኳሕኳሕና ‘ጐይታየ እንተደለኻ ክትሕውየኒ ትኽእል’ ንበሎ። ኣብ ቅድሜና ኢየሱስ ስኢልና ንጐዓዝ እንተኾና ነዚ ወትሩ ክንገብሮ ንኽእል! ልቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ ክንደይ ሕያዋይን ርሕሩሕን ምዃኑ ንርዳእ እንተዀና ስቃያትና ዝጸውር ለዋህ ልቢ ንኩሉ ሓጢኣትናን ጌጋናን ውድቀትናን ዝጸውር ልቢ ከምኾነ  እንተተሰቈረና ነዚ ክንገብር ንኽእል።

 ዝገርም እዩ ልቢ ኢየሱስ ከምኡ እዩ ከምዘሎናይ ብዘይምንም ምስትምሳል ዘፍቅረና ልቢ እዩ። ‘ጐይታየ እንተደለኻ ክተሕውየኒ ትኽእል ኢኻ’። ብዚ ከምዚኸስ ንኢየሱስ ክንርድኦ ምሳኡ ኣፍልጦ ክህልወና ክንዛመዶ ግድን እዩ። ናብታ ወትሩ ዝህበኩም ምዕዶ ምልስ ክብል ኣፍቅዱለይ። ሓንቲ ንእሽቶ ወንጌል ኣብ ጅባኻ ወይውን ቦርሳኻ ሒዝካዮ እትጐዓዝ ወትሩ ምሳኹም ሓዙ ዕለት ዕለት ከኣ ንእሽቶ ክፍሊ ኣንብቡ። እዚ ሎሚ ኣብ ተለፎናትኩም እውን ሒዝኩሞ ክትከዱ ትኽእሉ። ኣብኡ ኢየሱስ መን ምዃኑ ከመይ ምዃኑ ብከመይ ከምዝቀርበና ነቲ ብዙሕ ዘፍቅረና ኢየሱስ ክትረኽቡ ኢኹም። ነታ ጸሎት ዘክርዋ ‘ኦ ጐይታይ እንተደለኻ ክተሕውየኒ ትኽእል ኢኻ’። ብጣዕሚ ጥዕምቲ ጸሎት። ጐይታ ንኩልና ይሓግዘና! ነዛ እዛ ተኸታሊት ክርስቶስ ዘይኮነት ዕብራዊት እውን ዘይኮነት ሓንቲ ኣረሜን ኣደ እትምህረና ጽብቅቲ ጸሎት ንምጽላይ ጐይታ ይሓግዘና።

ድንግል ማርያም ብጸሎታ ገራ ኣብ ልቢ ነፍሲወከፍ ጥሙቅ ታሕጓስ እምነት ኪዓቢ ነዚኣ ከኣ ተግባሩን ቃሉን ሓደ ዝኾነ ሕይወት ብምንባር ንክምስክራን ተማልደልና። ነፍሲወከፍ ጥሙቅ ናብ ኢየሱስ ንክቀርብ እሞ ‘ጐይታየ እንተደላኻ ክተሕውየኒ ትእኽእል ኢኻ’ ኢሉ ንክጽሊ ትብዓት  ተማልደልና።

ብድምጺ ንምክትታል!
16 August 2020, 13:28