ድለ

2020.08.03 ማክሲሚኖ ካባየሮ ሓዲስ ዋና ጸሓፊ ቤትጽሕፈት ቊጠባ ቅድስት መንበር! 2020.08.03 ማክሲሚኖ ካባየሮ ሓዲስ ዋና ጸሓፊ ቤትጽሕፈት ቊጠባ ቅድስት መንበር! 

ማክሲሚኖ ካባየሮ ለዶ ዝበሃሉ ምእመን ዋና ጸሓፊ ቤትጽሕፈት ቊጠባ ቅድስት መንበር!

ንብዙሓት ብዘደነቀ ተኣፋፊ ንዝኾነ ጉዳይ ቊጠባ ቅድስት መንበር ዝቆጻጸር ቤትጽሕፈት ቊጠባ ከም ዋና ጻሓፊ ንክኾኑ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ዝኾነ እስፓኛዊ ዓቢ ክኢላ ቊጠባ ካብ ዝነበሮ ዓቢ ሓላፍነት ባክስተር ሄልዝኬር ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ኣብ ቫቲካን ንክሰርሕ ተመሪጹ።

ዜና ቫቲካን!

ነዚ ሃንደበዳዊ ሥያሜ እዚ መግለጺ ዝሰኣነሉ ኣቶ ማክሲሚኖ ካባየሮ ‘ካብቲ ኩሉ ብዓቅሚ ሥራሐይ ክበጽሓኒ እዩ ወይ ክበጽሖ እየ ዝሓልሞ እዚ ፈጺሙ ሓሰቢሉ ዘይፍለጥ ሽመት እዩ` ይብል።

ብትውልዱ እስፓኛው ብስርሑን ትምህርቱን ግን ኣመሪካዊ ዝኾነ ካባየሮ ኣብ መሪዳ እትበሃል ከተማ እስፓኛ ብ1959 ተወሊዱ ቅድሚ 31 ዓመት ተመርዕዩ ክልተ ደቁ ሒዙ ብቁጠባ ዝለዓለ ትምህርቲ ዝሓዘ እዩ። ብቁጠባ ኣብ ማድሪድ ምስ ተመረቀ ንዝለዓለ መጽናዕቲ ማለት ኤምቢኤይ ዝበሃል ማስተር ኢን ቢዝነስ አንድ ኣድሚኒስትረይሽን ኣብ ባርሰሎና ምስ ተቀበለ ን20 ዓመት ኣብ ባርሰሎናን ቫለንስያን ከም ተወካሊ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቅን ኣፍሪቃን ኰይኑ ኣገልገለ። ብ2007 ምስ ሥድራቤቱ ናብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ከደ ክሳብ እዛ ሽመት እዚኣ ከኣ ኣብኣ ነበረ።

04 August 2020, 13:36