ድለ

ንዓለምና ካብ ለበዳ ሕማም ምፍዋስ ዝሓሸ ነገር ንምህናጽ ዕድል ይህበና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 19 ነሐሰ 2020 ዓም ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዓይኒ ዘይረኤ ታህዋስ ኮረና ዘኸተሎ ሕማም ጥራይ ዘይኮነ ብዓይኒ ዝረኣዩ ማሕበራዊ ፍትሒ ምጒዳልን ዘይማዕርነትን ሌላ ጒሌላን ንድኹምን ድኻን ዘይምሕላይ ዝፈጠሮ ሕማማት እውን ንፈውስ እንክብሉ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

‘ኣሕዋተየ፡ እቲ ንኣብያተ ክርስትያን መቄዶንያ ዝተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ክትፈልጡ ንደሊ ኣሎና። ብብዙሕ ጸበባ ተፈቲኖም ሓሊፎም እዮም። እንተኾነ ሕጉሳት ስለዝኾኑ ኣዝዮም ድኻታት እኳ እንተኾኑ ኣዝዮም ለጋሳት እዮም። ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዓቕሞም አረ ሓለፋ ዓቕሞም ከም ዝለገሱ እምስክረሎም ኣሎኹ . . .  ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ከሎ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ’ (2ቆሮ 8.1-2,9)

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ዘጋጠመና ሕማም ለበዳ ንኩነታት ዝደኸዩ ክፍሊ ሕብረተሰብና ኣጋዲዱ ንዓለምና ዝዕብልል ዓቢ ዘይምዕሩይ ናብራ ፈጢሩ። ምንም እኳ እቲ ጠንቂ ሕማም ዝኾነ ታህዋስ ኣብ መንጎ ሰባት ሌላን ጒሌላን እንተዘይገበረ ኣብቲ ኣዕናዊ ዝኾነ ከይዲ ለበዳ ግን ብዙሕ ዘይምዕሩይ ናብራን ሌላን ጒሌላን ፈጢሩ። ነቲ ዝነበረ ፍልልይ ከኣ ኣጋዲድዎ። ነዚ ጸገም ለበዳ ዝኸውን መልሲኸስ ድርብ ክኸውን ኣለዎ። በቲ ሓደ ወገን ነዚ ብዓይኒ ዘይረኤ ደቂቅ ታህዋስ ግን ከኣ ብጣዕሚ ኣዕናዊ ኰይኑ ንዓለም ምሉእ ዘንበርከኸ ፈውሲ ምርካብ ግን እንክኸውን በቲ ካልእ መዳይ ድማ ነቲ ዓቢ ታህዋስ ማሕበረሰብና ክንብሎ እንኽእል ኢፍትሓውነት ዘይምዕሩይ ዕድላት ሌላን ጒሌላን ንተኣፈፍቲ ኣባላት ማሕበረሰብና ዘይምክንኻን ፈውሲ ክንረኽበሉ ኣሎና። ኣብዛ ድርብ መልሲ ዝኾነት ፍወሳኸስ ከምቲ ወንጌል ሓደራ ዝብለና ክንገብሮ ዘሎና ምርጫ ኣላ እዚኣ ከኣ ንድኽታት ነቀድም እትብል ዝንባሌ ክትጐድል የብላን። እዚ መረጻ ኣዚ ፖሎቲካዊ ወይውን ሥነሓሳባዊ ምውዕዋዕ ናይ ፖሎቲካውያን ጉጅለታት ኣይኮነትን። ንድኽታታ ቅድምያ ሃብ ዝብል ምርጫ ናይ ወንጌል ዓንዲማእከል እዩ። ነዚ ብቀዳምነት ዝፈጸሞ ኢየሱስ ባዕሉ እዩ። ኣብ መባእታ ክንበብ ዝሰማዕናዮ መልእኽቲ ጳውሎስ ክንበብ ከምዝሰማዕናዮ ንሱ ሃብታም ክንሱ ንዓና ንከሀብትም ድኻ ኮነ ይብል። ስለዚኸስ ናይ ወንጌል ቀንዲ መልእኽቲ ናይ ስብከተወንጌል ሕመረት እዚ ንድኻታት ቀዳምነት ምሃብ እዩ።

እቲ ፍጹም ኣምላኽ ዝኾነ ኢየሱስ ከማና ሰብ ብምዃ ገዛእ ርእሱ ኢምንት ገበረ። ክብሪ ዝመልኦ ናይ ሃብታማት ሕይወት ኣይኮነን ዝመረጸ እንታይ ደኣ ናይ ሓደ ኣገልጋሊ ባርያ ሕይወት መረጸ (ፊሊ 2.6)። ባርያ ብምዃን ገዛእ ርእሱ ኢምንት ገበረ። ኣብ ማእከል ሓንቲ ትሕቲ ሥድራቤት ተወልደ ከም ማንም ጥበበኛ ጸራቢ ኰይኑ ሠርሔ። ኣብ ምጅማር ስብከቱ መንግሥቲ እግዚአብሔር ንድኻታት ከምዝኾነ ብመንፈስ ድኻታት ብፁዓን እዮም ክብል ኣበሰረ (ማቴ 5.3, ሉቃ 6.20)። ኣብ ማእከል ሕሙማትን ድኻታትን ዝተፈንፈኑን ዝተገለሉን ንመሓሪ ፍቅሪ እናኣርኣየ ተመላለሰ። ምስቶም በቲ ናይቲ ግዜ እቲ ሕጊ ዘይንጹሓት ተባሂሎም ዝተገለሉ ሕሙማትን ለምጻማትን ብዙሕ ግዜ ስለዝተመላለሰ ዘይንጹሕ ሰብ ተባሂሉ እዩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ተኸተልቲ ኢየሱስ ዝፍለጡሉ ምልክት ኣብ ድኻታትን ናኣሽቱን ሕሙማትን እሱራትን ሰብ ዘጓነዮምን ዝተረስዑን ዝብላዕ ዘይብሎም ክዳን ዝሰኣኑ ብምቅራቦም እዩ (ማቴ 25.31-36)። ነቲ ናይ መወዳእታ ፍርድና መዔቀኒ ዝኾነ ክፍሊ ወንጌል ማቴ 25 ክነንብቦ ንኽእል። እዚ መምዘኒ ወይውን መዔቀኒ ናይ ሓቀኛ ክርስትያን እዩ (ገላ 2.10)። ገሊኣቶም ግጉይ መረዳእታ ሒዞም እዚ ናብ ድኻታት ምውጋን እዚ ናይ ቁሩባት ዕዮ ገዛ እዩ ይብሉ እንተኾነ ከምቲ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ዳግማዊ ኣብ ጉዳያት ማሕበረሰብ እትብል ሓዋርያት መልእኽቶም ከምዘነጸርዎ ናይ መላእ ቤተክርስትያን ተልእኮ እዩ። ኣብ ሓሴት ወንጌል 187 እውን ‘ነፍሰኢ ወከፍ ክርስትያን ነፍሲወከፍ ማሕበረክርስትያን ንሓርነትን ምዕብልናን ድኻታት መጋበሪ እግዚአብሔር ክኾኑ ዝተጸውዑ እዮም’ ይብል።

እምነትን ተስፋን ፍቅርን ናብ ጽጉማት ገጽና ክንዝብል ምርጫና ንሶም ክኾኑ ብግዲ ይደፋፍኡና። እዚ ከኣ ክንዮ ኣድላዪ ሓገዝ ክኸውን ኣለዎ። ምሳኦም ሓቢርና ክንጐዓዝ ንዝሳቀ ክርስቶስ ኣጸቢቆም ስለዝፈልጥዎ ከኣ ንሶም ወንጌል ክሰብኩና ክነፍቅድ ብተመኲሮ ድሕነቶምን ጥበቦምን መሃዝነቶምን ልብና ክትንከፍ ክነፍቅድ ኣሎና። ስለዚኸስ ንዘሎካ ምስ ድኻታት ምክፋል ነንሕድሕድካ ምህብታም ይኸውን። ምናልባት ነዚ ካብ ምግባር ዚዓግቱ መጻኢ ካብ ምሕላም ዝዕንቅጹ ዝሓመሙ ማሕበራዊ ተቊዋማት እንተልዮም ንክነሕውዮምን ንክንልውጦምን ብሓባር ንስራሕ። ናይታ ክሳብ መወዳእታ ዘፍቅረና ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቅርኸስ ኣብዚ እዩ ዘብጽሕ (ዮሓ 13.1) ክሳብ ዶባት በጺሑ ንኩሉ ሌላ ጒለላ ኣልዮ ናይ መንባብሮ ሓጹራትን ግንባራትን የፍርስ። ነቶም ዝተገለሉ ወሰን ዝሓደሩ ናብ ማእከል ምምጻእከስ ነቲ ‘ብድኽነቱ ንዓና ከሀብትም’ ምእንታና ድኻ ዝኾነ ኢየሱስ ማእከል ሕይወትና ምግባር እዩ።

 ኣብዚ ግዜ እዚ ኩልና ለበዳ ሕማም ዘስዓቦ ማሕበራዊ ጸገማት የሻቅለና ኣሎን። እወ ንሕና ኩልና። ብዙሓት ናብቲ ንቡር ናብራ ክምለሱን ቊጠባዊ ምንቅስቃሳት ክገብሩ ይደልዩ። እንተኾነ እዚ ንቡር ኢልና ሃረር እንብሎ ሕይወት ነቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ምጒዳልን ንኣከባቢና ዘዕኑን ተግባራት ከወግድ ኣለዎ። ለበዳ ሕማም ቅልውላው የስዕብ ካብ ቅልውላው ከኣ ኩልኻ ማዕረ ኰንካ ኣይውጻእን ወይ ዝበለጽና ወይውን ዝሓሰምና ኰና ክንወጽእ ይከኣል። እንተ ንሕና ግን ንማሕበራዊ ጒድለት ፍትሕን ዕንወት ኣከባብን ንክነመሓይሽ ብሉጻት ኰና ክንወጽእ ኣሎና። ሎሚ ፍሉይ ነገር ንክንሃንጽ ዓቢ ዕድል ኣሎና። ንኣብነት ድኻታት ወትሩ ዝሕገዙሉ ዘይኮነስ ኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ ዝረኽቡሉ ቊጠባ ክነማዕብል ንኽእል። እዚ ክብል እንከሎኹ ንሓገዝ ድኻታት እኹንን የለኹን ናይ ሓገዝ ተግባራት ወትሩ ኣድለይቲ እዮም። ንወለንተኛታት ንሕሰብ! እዚ ቤተክርስትያን ዓዲ ጣልያን ኣለውዋ ካብ ዝበሃሉ ጽቡቅ ነገራት ሓደ እዩ። እንተኾነ ክንዮኡ ክንሰግር እሞ ንሰብ ተጸበይቲ ረድኤን ንዝገብሩ ጸገማት ፍታሕ ኣናዲና ክንረክብ ኣሎና። እቲ ዘድሊ ቁጠባሲ ክንዲ ክብረት ወዲሰብ ዝሕሉ ሸቅሊ ምፍጣር ግዝያዊ ፍታሕ እናገበርካ ንማሕበረሰብና ዝምርዝ ኣይኮነን። እዚ ዓይነት ጥቅሚ እዚ ወይውን መኽሰብ ካብቲ ንማንም ሰብ ጥቅሚ ክህብ ዝኽእል ሓቀኛ ቊጠባ ርሑቅ እዩ (ስቡሕ ኣንተ ላውዳቶ ሲ 109) ዝገደደ ከኣ ሓንሳእ ሓንሳእ ኣብታ ናይ ሓባር ቤትና ዝኾነት ዓለምና ንዝወርድ ጸገም ዕሽሽ ይብል። እታ ንድኻታት እንመርጸላ መንገዲኸስ ካብ ፍቅሪ እግዚአብሔር እትውለድ ሞራልውን ማሕበረሰብኣውን ግድነት እያ። እዚኣ ግድነት እዚኣ ከኣ ደቂሰባት ምናዳ ድኻታት ኣብ ማእከል ዝገብር ቊጠባ ንክንሓስብን ክንውጥንን ድፍኢት ይፈጥረልና። ንጽጉማት ቅድምያ ብምሃብ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ጠንቂ ለበዳ ዝኾነ ታህዋስ ንምፍዋስ ክንዕጠቅ እውን የተባብዓና።  ንክትባት ኮቪድ 19 ቅድምያ ንሃብታማት እንተተዋሂቡ ዘሕዝን ምኾነ! ዝገደደ ከኣ ንገለ ሃገራት ቅድምያ ክትባት ይወሃብ ብማለት ንኩሉን ብሓባር እንተዘይተመልኪቱ እውን ዘሕዝን ምኾነ! ክንዲ ንትሑት ናብራ ዘለዎም ንምርዳእ ንሓባራዊ ጥቅሚ ምቅዳም ንተፈጥሮ ምክንኻን ንዝተገለሉን ድኻታትን ምንም ሓገዝ ንዘይገብሩ ቊጠባዊ ትካላት ናይ ሕዝቢ ገንዘብ ከም ሓገዝ ምሃብ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ዕንቅፋት ምዃኑ ምርዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ስለዚ ንትካላት ፋብሪካታት ክትሕግዝ ኣብ ትብገሰሉ ኣየኖት እየን ንኩሉ ብዘይ ሌላ ጒሌላ ዝሕግዛ ኣየኖትከ እየን ትሑት መነባብሮ ንዘለዎም ዝድግፋ ንሓባራዊ ሠናይ ነገርን ንምክንኻን ተፈጥሮን ኣበርክቶ ዘለወን ኢልካ በዘን ኣርባዕተ መምዘኒታት ምምልካት የድሊ።  

እዚ ነዚ ኩሉ ጸገም ዘኸተለ ታህዋስ ኮሮና ከምብሓዲስ ንድኻታትን ተኣፈፍትን ፍትሒ ዘጒድል ዓለምና ከጥቅዕ እንተኾይኑ ካብ ሕጂ ንዓለምና ክንልውጥ ኣሎና። ኣብነት ኢየሱስ ክንክተል ኣሎና። ኢየሱስ ከሕዊ እንከሎ ኩለንትናዊ መለኮታዊ ሕውየት እዩ ዝዕድል ከመይ ኩለንትናዊ መለኮታዊ ፍቅሪ ስለዝውንን እዚ ከኣ ኣካላዊ ማሕበራውን መንፈሳውን ፍወሳ ከድልየና እዩ (ዮሓ 5.6)። ከምቲ ናይ ኢየሱስ ፍወሳ ሎሚ እውን ከምኡ ክንገር ኣሎና ነቲ ብዓይኒ ዘይረአ ደቂቅ ታህዋስ ዘስዓቦ ለበዳ ንምፍዋስ ከምኡ እውን በቲ ብዓይኒ ዝራኣዩ ግዙፋን ማሕበራዊ ጒድለት ፍትሒ ዝሰዓቡ ሕማማት ንምፍዋስ ኣብነት ኢየሱስ ንከተል።  ከም ፍታሕ ዘቅርበልኩም ቅድሚ ዝኣገረ መበገሲና ፍቅሪ እግዚአብሔር ክኸውን ንሻውላትን ትሑታትን ኣብ ማእከል ብምንባር ንጀምር። ነቲ ናይ መወዳእታ ፍርድና መዔቀኒ እንፍረደሉ ኣብ ወንጌል ማቴ 25 ዘሎ ኣይንረስዕ። ካብዚ ለበዳ ንክንብራበር ነዚ ኣብ ግብሪ ነውዕል። ካብዚ ኣብ ተስፋ ዝጸንዔን ኣብ እምነት ዝተመስረተን ሓቀኛ ፍቅሪ እዚ ብምብጋስ ጥዑይ ዓለም ክንፈጥር ዝከኣል እዩ። እንተዘየሎ ብኣንጻሩ ካብዚ ቅልውላው እዚ ዝሓሰምና ኰና ክንወጽእ ኢና። ዝበለጽና ኰና ንክንወጽእ እሞ ንጸገማት ዓለምና መልሲ ሂብና ንክንክእል ጐይታ ሓይሊ ይሃበና ጐይታ ይሓግዘና። 

ብድምጺ ንምክትታል!
19 August 2020, 13:03