ድለ

ኢየሱስ እቲ ፈጺሙ ዘይሓድገና ኢድ እግዚአብሔር ኣቦ እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ክንጥሕል ቀሪብና ብርቱዕ ምጥርጣርን ፍርሕን ክስመዓና እንክሎ ጐይታ ጠፋእኩ ኣድሕነኒ ኢልና ምእዋይ ኣየሕፍረና’ ዝበሉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 9 ነሐሰ 2020 ዓም ነዚ ዚስዕብ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም!

ናይዛ ሰንበት እዚኣ ቃለ ወንጌል (ማቴ 14,22-33) ኣብ ማዕበል ዘናወጾ ባሕሪ ኢየሱስ ብማየ ማይ ከምዝተጓዕዘ የዘንቱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ከምዝተመልከትናዮ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓሙሽተ ሕምባሻን ክልተ ዓሳን ልዕሊ 5000 ሰባት ምስ መገበ ንሓዋርያቱ ኣብ መርከብ ክድይቡን ናብቲ ሓደ ስግር እቲ ቀላይ ክኸዱን ይእዝዞም። ንሱ ግን ንሕዝቢ የሰናብት እሞ ምእንቲ ክጽሊ በይኑ ናብ እምባ ይድይብ። ኣብዚ ምስ ኣቦኡ ብጸሎት ይራኸብ ኣብኡ ጥሒሉ ይሓደር።

እቶም ሓዋርያት ብለቲ ነቲ ቀላይ ክሳገሩ እንከለው ጃልባኦም ብብርቱዕ ማዕበል ተወጢራ ተንከስ ምባል ትስእን። እዚ ኣብ ቀላይ እንክትጐዓዝ ወትሩ ዘጋጥም ጉዳይ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ወጥሪ እንከለው ኣማዕድዮም እንተጠመቱ ሓደ ከለለይዎ ዘይከኣሉ ብማየ ማይ ክጐዓዝ ይዕዘቡ። ምትሃት መሲልዎም ብፍርሂ ኣእወዩ። ኢየሱስ ከኣ ‘ኣጅዕኹም ኣነ እየ ኣይትፍርሁ’ ይብሎም ጴጥሮስ ሽዑ ኣብታ ልቡ ዝተሰመዓቶ ቶግ የብላ ክገብራ ምዃኑ ምስ ገዛእ ርእሱ ወሰነ እሞ ‘ጐይታ ብሓቂ ንስኻ እንተደኣ ኰይንካ ኣነ ናባኸ ብማየ ማይ ገረ ክመጽእ ኣዝዝ’ ይብል። ዳርጋ ብዕሎኻ ዝብል ይመስል። ኢየሱስ ከኣ ‘ንዓ’ ይብሎ። ጴጥሮስ ካብታ ጃልባ ወሪዱ ገለ ቁሩብ ስጒምታት ምስ ከደ ብርታዔ ናይቲ ንፋስን ሓይሊ እቲ ማዕበልን የሰንብዶ እሞ ክጥሕል ይጅምር። ሽዑ ‘ኦ ጐይታ ኣድሕነኒ’ ክብል ይግዕር ኢየሱስ ብኢዱ ይሕዞ እሞ ‘በዓል ውሑድ እምነት ስለምንታይ ትጠራጠር’ ይብሎ።

እዚ ዛንታ እዚ ዝምህረና ነገር እንተሃልዩ ኣብ ዝኾነ ሁመት ሕይወትና ብምሉእ ተኣማንነት ንኩሉ ኣብ ኢድ እግዚኣአብሔር ንክንገድፍ ምናዳ ከኣ  ኣብ ግዜ ፈተናን ነውጺ ከጋጥመናን እንከሎ። ኣብ ሕይወትና ብርቱዕ ጸገማት እንከጓንፉና ኩሉ ምስ ጸልመተና ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ክንጥሕል ቀሪብና ብርቱዕ ምጥርጣርን ፍርሕን ክስመዓና እንክሎ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ጐይታ ጠፋእኩ ኣድሕነኒ ኢልና ምእዋይ ኣየሕፍረና። ኣብ ልቢ እግዚአብሔር ኣብ ልቢ ኢየሱስ ‘ጐይታ ኣድሕነኒ’ እናበልካ ክትኩሕኩሕ ክንደይ ኮን ይጥዕም። ብሓቂ ጥዕምቲ ጸሎት እያ።  ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና ብዙሕ ግዜ ክንደጋግማ ንኽእል ‘ኦ ጐይታ ኣድሕነኒ’። ጴጥሮስ ከምዚ ምስ በለ ኢየሱስ እንታይ ገበረ እንተበልና ሽዑ ንሽዑ ኢዱ ዘርጊሑ ነታ ኢድ ናይቲ ክጥሕል ቀሪቡ ዝነበር ዓርኪ የተሓሕዝና’ ኢየሱስከስ እዚ እዩ ነዚ ከኣ ይገበር ብካልእ ቃላት ኢየሱስ ሓንሳእ ዝተዘርገሐት ኢድ እግዚአብሔር ኰይኑ ፈጺሙ ዘይለቀና እዩ። እዛ ኢድ ኢዛ ሓያልን እምንትን ኢድ ኣቦ ኰይና ወትሩ ሰናይ ናትና ጥራይ ይደሊ። ኣብ 1 ነገ 19,11-13 ተመልኪቱ ከምዘሎ ኤልያስ ንእግዚአብሔር እንከናዲ ኣብ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ዝሰንጠቐን፡ ኣኻውሕ ዝሰባበረን ኣይነበረን። ኣብ ምንቅጥቃጥ ኣይነበረን። ኣብ ሓዊ እውን ኣይነበረን፡ እግዚአብሔርሲ ኣብቲ መወዳእታ ዝመጸ ህዱእ ደሃይ ነበረ። እዚ ደሃይ እዚ ምንም ዝሓቶ ወይ ዘቅርቦ ተጽዕኖ ኣይነበሮን ጽን ኢልካ ሃዲእካ ክተሰምዖ ጥራይ ይዕድም። እምነት ምህላው ማለትከስ ኣብ መንጎ ማዕበላትን ብሩዕ ንፋሳትን ልብኻ ናብ እግዚኣአብሔር ክፉት ምግባር ኣብ ፍቅሩን ኣባታዊ ሓልዮቱን ርሕራሔኡን ምትእምማን ማለት እዩ። ኢየሱስ ከኣ ንጴጥሮስን ንሓዋርያትን ነዚ እዩ ክምህሮም ዝደለየ። ሎሚ ንዓና እውን ነዚ እዩ ዝምህረና ዘሎ። ኩሉ እንክጽልምተና ብሓዘን ኣብ እንጉበኣሉ ግዜ ንሱ እምነትና ድኻ ምዃና ይፈልጥ እዩ ንሕና ኩልና ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ሰብ ውሑድ እምነት ኢና። ጒዕዞና ክጒዕጸጽ ብሓያል ተጻባኢ ማዕበል ክዕገድ ይከኣል እንተኾነ እቲ ካብ ጐይታ ካብ ሞት ከምዝተንሰአ ንዘክር። ነዚ ኣይንረስዕ ንሱ ንሕና ክንድሕን ንሞት ዝሰገረ ጐይታ እዩ።   ገና ንሕና ምድላዩ ከይጀመርና ንሱ ኣብ ጐድንና ኣሎ። ካብቲ ወዲቅናሉ ዘሎና እናኣተንሰኤ ኣብ እምነት ከም እንዓቢ ይገብረና። ምናልባ ንሕና ጸልማት ከቢቡና ‘ጐይታ ኣድሕነኒ’ ኢልና እንክንግዕር ርሑቅ ዘሎ ይመስለና ይኸውን እንተኾን ንሱ ሽዑ ንሽዑ ‘እነኹ ምሳኻ ኣሎኹ’ ይብለና። ስለዚ ወትሩ ምሳና ኣሎ ጐይትና እዚ እዩ።  

እታ ኣብ ማእከል ቀላይ ብብርትዕ ማዕበል ትጽፋዕ ዘላ ኣምሳል ቤተክርስትያን ኰይኑ ኣብ ነፍሲወከፍ ዘመን ዝተፈላለዩ ተጻባዕቲ ንፋሳት ይገጥመዋ ወረ ሓንሳእ ሓንሳእ ብርቱዕ ፈተናታት የጋጥምዋ። ኣብተን ነዋሕትን ሕሱማትን ዝከሓና ስደታት ዝሓለፈ ዘመን ምዝካር ይኣክል። ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ገሊኦ ክፍልታት ዓለምና እቲ ስደትን መከራን ቀልጻሊ እዩ ዘሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ፈተና ግዜ እቲ ዝዓበየ ፈተና እምበርዶ እግዚኣአብሔር ምሳይ ኣሎ ጸገመይ ይርኢ ኣሎ ሓዲጉኒ ደኣ ከይከውን ዝብል ፈተና ክመጽእ እንከሎ እዩ። ከም ሓቁ ግን ኣብቲ ግዝያት እቲ እዩ ምስክርነት እምነት ከንጸባርቅ ዘለዎ ምስክር እምነትን ፍቅርን ተስፋን ሽዑ ክግለጽ ኣለዎ። እቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያኑ ምህላው ናይ ምስክርነት ጸጋ እናሃበ ብሰማዕታቱ ይግለጽ። ካብ ደም ሰማዕታት ከኣ ሓደስቲ ክርስትያን ይበቁሉ እሞ ንመላእ ዓለም ሓደስቲ ክርስትያንን ፍረ ዕርቅን ሰላምን ይኾኑ።  

ጸልማትን ማዕበላት ሕይወትን ኣብ እግዚኣአብሔር ንዘሎና እምነት ኣብ ዝፍትነሉ ኣማልድነት እኖና ድንግል ማርያም ኣብ እምነትና ሕውነታዊ ፍቅርናን ጸኒዕና ክነብር ይደግፈና።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

09 August 2020, 12:57