ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተዳለው ናይ ክረምቲ ማእከል ተማሃሮ ምብጻሕ ኣካይዶም ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተዳለው ናይ ክረምቲ ማእከል ተማሃሮ ምብጻሕ ኣካይዶም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተዳለው ናይ ክረምቲ ማእከል ተማሃሮ ምብጻሕ ኣካይዶም

ቅዱስነቶም ምስቶም ሕጻናት ተመሓሮ ብሓባር ኮፍ ቢሎም፥ ነቶ ሕጻናት ብጾት ንምዃንን ብሓባር የዕሩኽ ኣብ ምዃንን ከይፈርሑን “ብሓቂ ንምሕጓስን ፍሱህ ንምዃንን ኣብ በይናውነትን ኤጐነትን ዘይኮነ ኣብ ሓባራውነት እዩ እሞ ንስኻትኩም ኣብቲ ብሓባር ምዃንኩም ሕጉሳት ኢኻትኩም”

ኣብ ኢጣሊያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣባይቲ ትምህርቲ ክዕጸዉ እንከለዉ ወለዲ ብዘይ ስክፍታ ንጥፈታቶም ዕዮታቶምን መታን ከሳልጡ ስርሖም እውን ክቕጽሉ መደብ ናይ ክረምቲ ማእከል ተመሃሮ ከምዝካየድን ለምዘበን እውን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝዓዩ ንምሕጋዝ ብዝብል መደብ ናይ ክረምቲ ማእከል ተማሃሮ ይካየድ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዕለት 20 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማንም ከይሓሰቦን ከይተጸበዮን ነቶም ኣብቲ መደብ ናይ ክረምቲ ማእከል ዝሳተፉ ንዘለዉ ሕጻናት ተመሃሮ ምብጻሕ ኣካይዶምን ምስቶም ሕጻናት ከምእተራኸቡን ካብቶም ሕጻናት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ከምዝሃቡ ልእኽቲ  ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ቫቲካን ንፈለማ ግዜ ዝተኸፍተ መደብ ናይ ክረምቲ ማእከል ተመሃሮ ብድላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተበገሰ ክኸውን እንከሎ ዕለት 20 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ቅዱስነቶም እቶም ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ቁርሲ እንከለዉ ማንም ከይተጸበዮን ከይሓሰቦን ምብጻሕ ኣክይዶም። ንዅሎም ሕጻናት ተመሃሮ እናተዘዋወሩ ሰላምታኦም ኣቕሪቦምን ነቶም ነቲ መደብ ናይ ክረምቲ ማእከል ትምህርቲ ዘካይዱ መምሃራን እውን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ስለ እቲ ኣገልግሎቶም እውን ምስጋናኦም ከምዘቕረቡ በነደታ ካፐሊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሰን ይሕብራ።

ብሓባር ኣዕሩኽ - ብጾት ንምዃን

ቅዱስነቶም ምስቶም ሕጻናት ተመሓሮ ብሓባር ኮፍ ቢሎም፥ ነቶ ሕጻናት ብጾት ንምዃንን ብሓባር የዕሩኽ ኣብ ምዃንን ከይፈርሑን “ብሓቂ ንምሕጓስን ፍሱህ ንምዃንን ኣብ በይናውነትን ኤጐነትን ዘይኮነ ኣብ ሓባራውነት እዩ እሞ ንስኻትኩም ኣብቲ ብሓባር ምዃንኩም ሕጉሳት ኢኻትኩም” ከምዝበሉ ዝሓበራ በነደታ ካፐሊ ኣስዒበን እቶም ህጻናት ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝተደንገገ ውሳኔ ምፍንትታ ብዘኽብር ኣገባብ ዝከታተልዎ ዘለዉ ትምህርቲ ዝነኣድ ምዃኑ ቅዱስነቶም እውን እቲ ናይ ምፍንታት ውሳኔ ብምኽባር ዘካየድዎ ርክብ ከምዝኾነ የመላኽታ።

ናይቶም ሕጻናት መዓልታዊ መደብ ውዕሎ ናይ ክረምቲ ትምህርቲ ማእከል ብስፖርትን ብናይ ቀለም ትምህርትን ስነ ጥበብን መደብ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ዘጠቓልል ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተዳለው ናይ ክረምቲ ማእከል ተማሃሮ ምብጻሕ ኣካይዶም
21 July 2020, 20:16