ድለ

ቃል ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር

ቅዱስነቶም ምስ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ዕለት 24 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ብሓባር ውግእን ግጭትን ኣብ ዘለሉ ከባቢ ዓለም ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ክረጋገጽ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዝገለጽዎ ሓሳብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዘጽደቖ ሕጹጽን ቁልጡፍን ቶኽሶ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ንኢዶም፡ እዚ ኸኣ ኣብተን ኮቪድ 19 ከቢድ መጉዳእቲ ኣብ ዘስዓበለን ሃገራት ዝፈጠሮ ጽንኩርን ኣስጋእን ሰብኣውን ቅልውላው ክንክን ጥዕና ኣገልግሎትን ኩነታት “ውጽኢታውን ህጹጽን” ሓገዝ ንምቕራብ ዝድግፍ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዛ ዝሓለፈት ሰሙን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ላዕለዋይ ናይ ጸጥታን ደሕንነት ቤት ምኽሪ ብፍላይ ግጭት ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢ ዓለም ብጠቕላላ ነቲ ተህዋስ ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ኣዕናዊ ቅልውላው ንምብዳህ ዝድግፍ ናይ መምርሒ ውሳኔ ከምዘጽደቐን፡ ኣዚዩ ሕጹጽን ኣገዳስን ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝካየዱ ግጭትን ውግእን ብህጹጽ ደው ክብልን ቶክሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብዘይ ምድንጓይ ምትግባር ወሳኒ እዩ። ዝብል ሓደ ካብቲ ውሳኔ ዘንበሮ ማእከላይ ሓሳብ ጠቒሶም፥

እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ውሳኔ ንመጻኢ ሰላም ተባዕ ቀዳማይ ስጉምቲ መታን ክኸውን ምእንቲ ነቶም ዝሳቐዩ ሰባት ሰናይን ሕውየትን ብሓቅን ብቑልጡፍን ኣብ ግብሪ ክውዕልን እላበው!

ከምዝበሉ ታማራ ኣፍሊጠን። ቅዱስነቶም ምስ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ዕለት 24 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ብሓባር ውግእን ግጭትን ኣብ ዘለሉ ከባቢ ዓለም ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ክረጋገጽ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዝገለጽዎ ሓሳብ ውሳኔ ኮይኑ ብውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነት ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ምቕራቡ ዘሐጉስ ክኸውን እንከሎ ኣብዚ መዳይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ እውን ብወገኑ ነቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውሳኔ ትግቡር ክኸውን ግጭትን ውግእን ኣብ ዝረኣየለን ከባቢ ዓለም ተኹሲ ደው ናይ ምባውል ውሳኔ ትግቡር ክኸውን ዘኽእል መደብ ዘነቓቕሕ ከምዘሎ ታማሮ ኣፍሊጠን።

05 July 2020, 15:04