ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ መንግስታት ንኣባይቲ ስድራ ክከላኸሉን ብቤተ ክርስቲያን ክድገፉን

እቲ ዓቢይ ሻቕሎት፥ ኣብዝ እዋን’ዚ እቲ ንናይ ማሕበረሰብ መሰረታዊ ዋህዮ ዝኾነ ኣባይቲ ስድራ ዝነብሮ ዘሎ ጸገም እዩ፥ ምእንቲ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሓመለ እዚ ኩነት ኣባይቲ ስድራ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት መረብታዊ ማሕበር ኣቢሎም ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ከምዘተሓሳሰቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ- ሃገረ ቫቲካን

“ስድራ ቤት ክንክንን ሓለዋን የድልዮ” ካብዚ ንጹር ዝኾነ ጭቡጥ ኩነት እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልባዊ ናይ ጸሎት ሓሳብ ይነቅል፡ ኣባይቲ ስድራ ኣብ እዋናዊ ዓለም ማእለያ ምስ ዘይብሉ ጸገማት እዩ ዝገጥም፡ ናይ ሕይወት ህርመትን ጭንቀት ናይ ኣእምሮ ጸቕጥን” ዝኣመሰሉ ብዙሕ እዋን ወለዲ ምስ ደቃቶም ክጻወቱ ባይታ ዘይፈጥርን ክርስዕዎን ዘገድድ ጸገማት እዩ፡ ኣባይቲ ስድራ ኣብዚ እዋን’ዚ ማእለያ ዘይብሉ ጸገም ተዓሪድዎ ከምዘሎን ምእንቲ እዚ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥

ቤተ ክርስቲያን ንኣባይቲ ስድራ እቲ ዅሉ ዘጋጣሞ ጸገም ንኽሰግር ዘኽእሎ መገድታት ከለልይ መታን ከተተባብዕን ኣብ ጐድኖም ክትከውንን ኣለዋ፡ ኣባይቲ  ስድራ እዋናዊ ዓለም ብፍቕሪ ክስነዩን ምዕዶ ክረኽቡን ምእንቲ ኣባይቲ ስድራ ንጸልይ፡

ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ኣባይቲ ስድራ ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ኣባይቲ ስድራ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጸሎት ሓሳብ ቀጻልን ዘየማትእን ምርጫ እዩ፡ “ስድራ ቤት ናይ ሕብረተሰብ መሰረትን ንናይ ሰባት ኵለንተናዊ ዘላቒ ዕብየት ዝውሕስ ኣዚዩ ብቑዕ ዝኾነ ስፍራ እዩ” ነዚ ቅዱስነቶም ኣብ 2017 ዓ.ም. ናይ ኤውሮጳ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ስድራ ፈደራላዊ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ ምሕረትን ውህደትን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ነቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ካብ ዕለት 5 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 19 ጥቅምቲ ዛዕባ ስድራ ቤት ናይ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብድሆታት በገባብ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝብል ኣርእስትን ስዒቡ ድማ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ጸዋዕታን ተልእዀን ስድራ ቤት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን እዋናዊ ዓለምን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናይ ዝተኻየደ ኣብ ስድራ ቤት ርእሰ ጉዳይ ዝዘተዩ ክልተ ሲኖዶሳት ዘውጸእዎ ናይ ፍጻሜ ሰነዳት መሰረት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስድር ቤት ዝምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝገልጽን ዘነጽርን ዕለት 9 መጋቢት ክታሞም ዘንበርሉ Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሃሴት ብዝብል እርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ዕለት 8 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔን ዘረጋግጾ ሓቂ ምዃኑ የዘኻኽራ።

ፎርኖስ፡ ስድራ ቤት ውልቃዊ ሕቶ ዘይኮነ ማሕበራዊ ሓቂ እዩ

እቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ በይናውነት ከምዝስምዖን ኣብ በይናውነት ብጽሞና ከምዝሳቐዩን፡ ናይ ስድራ ቤት ጭቡጥ ኩነት ሎሚ ካብ ቀደም ዝተፈልየ እዩ፡ ናይዚ ምኽንያት ከኣ እቲ እዋናዊ ባህሊ ከምዝኾነን፥ ኩሉ ጉያ ጉያን ናይ ግዜ ሕጽረትን ናይ ቦታ ውስንነትን ብኻልእ መዳይ እውን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘስዕቦ ተወሳኺ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ንስድራ ቤት ኣዚዩ ንዝተፈላለዩ ጸገማት የቃልዕ፥ ስእነት ስራሕን መንበሪ ቤት ምስኣንን ዝአመሰሉ ጸገማት እቲ ለብዒ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ስድራ ዝፍጥሮ ዘሎ ዓቢይ ጸገም፡ ምእንቲ’ዚ መንግስታት ንኣባይቲ ስድራ ምክልኻል ዝብል ፖለቲካ ከተግብሩን ንኣባይቲ ስድራ ክሓልዮን ይግባእ፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ስድራ ቤት ናይ ግሊ ሕቶ ዘይኮነስ ማሕበራዊ ሓቂ እዩ” እንክብሉ ስድራ ቤት ክድገፍን ክተባባዕን ከምዝግብኦ ንኹሉ ክምዘዘኻኽሩ ናይቲ ጳጳሳዊ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ይሕብሩ።

ንኣባይቲ ስድራ ዝሓልያ ማህበራት ምድጋፍን ምብርታዕን

ኣባ ፎርኖስ ይብሉ፥ ንስድራ ቤት ምጽላይ ነተን ንኣባይቲ ስድራ ዝሓልያን ኣብቲ ዘጋጥሞ  ብድሆታት ብቐረባ ንዝድግፎን ምጽላይ እዩ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ነተን ማሕበራት ምድጋፍ የድሊ ቢሎም ወርሒ ሓምለ ንስድራ ቤት ነወክፋን ንኣባይቲ ስድራን ኣባላቱን ፍሉይ ቦታ ብምሃብን ኣብቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ንሕበር ኢሎም።

ዓለም ሓቆፍ መረብታውዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስክ ብናይ ምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ከምቲ ልሙድ ዝዘርገሖ እቲ ኣብ 1844 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዝብል ስም ዝተመስረተ ደሓር ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ብዝብል መጸውዕ ዝተሓደሰ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ 98 ሃገራት ብዝርከብን ልዕሊ 35ሚሊዮን ሰዓብቲ ዘለውዎ ከምዝኾነን ኣብ ውሽጡ እውን ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ቅዱስ ቁርባን ብዝብል መጸውዕ ናይ መንእሰያት ጨንፈር እውን ዘጠቃልል ከምዝኾነ ዶኒኒ የዘኻኽራ።

ር.ሊ.ጳ.፥ መንግስታት ንኣባይቲ ስድራ ክከላኸሉን ብቤተ ክርስቲያን ክድገፉን

 

03 July 2020, 12:15