ድለ

ገጽ ኣምላኽ ኣብ ድኻታትን ሕሙማትን ረዳኤ ዘይብሎምን ወጻእተኛታትን ሃሰስ በልዎ! ር.ሊ.ጳ

ንዝኽሪ ሻብዓይ ዓመት ፈላሚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ላምፐዱሳ ሎሚ ዕለት 8 ሓምለ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነዚ ዝስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

ሎሚ ዝቀረበልና መዝሙረ ዳዊት ‘እግዚኣብሄርን ሓይሉን ድለዩ። አዘውቲርኩም ገጹ ድለዩ’ (መዝ 104) እንክብል ብቀጻሊ ወትሩ ገጽ እግዚአብሔር ክንደሊ ይዕድመና።  እዚ ምድላይ እዚ ናይ ሓደ ኣማኒ ሕይወት ክሕዞ ዘለዎ ኣተና ብምዝኽኻር ነታ ኣብ ፍጻሜ ሕይወትና ምስ እግዚአብሔር ገጽ ንገጽ እንራኣኣየሉ መወዳእታና እውን የዘኻኽረና።

ኣብዚ ዓለም እዚ እንክንነብር ውሕስነት ፍጻሜና ዝህበናኸስ እዚ ገጽ እግዚአብሔር ምድላይ እዚ ኰይኑ ናብታ ምድሪ ተስፋ ሓቀኛ ሰማያዊት ሃገርና ገጹ ዝመርሓና መንገዲ እዩ። ገጽ እግዚአብሔር ከስ ክንበጽሖ ዘሎና ዓላማና ኰይኑ ቡሶላ ወይ መሪሕ ኮከብ ብምዃን ነታ ቀንዲ መንገድና ከይንስሕት ይሕግዘና።

 ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ትንቢት ሆሴእ 10.1 ሕዝቢ እስራኤል ካብ ኣምላኹ ከምዝሸፈተን መኣዝኑ ኣጥፊኡ ኣብ ምድረበዳ ተሓዊጹ የዕገርግር ከምዝነበርን የመልክት። ጽቡቅ ናብራን ሃብትን ንልቢ ሕዝቢ እስራኤል ካብ እግዚአብሔር ከምዝሽፍትን ብሓሶትን ግፍዕን ዓመጽን ከምዝትክእዎ ገበረ። እዚ ሓጢኣት እዚ ንዓና ነዞም ሎሚ ዘሎና ክርስትያን እውን ይምልከት እዩ ካብዚ ሓራ ኣይኮናን። ብዕለት 8 ሓምሊ 2013 ኣብ ላምፐዱሳ ኣብ ዘቅረብኵዎ ስብከት ‘ባህሊ ጣዕሚ ሕይወት ናብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ከምእነተኩር ገቢሩ ናይ ካልኦት ገዓር ኣብ ዘይንሰምዓሉ ደረጃ ኣብጺሑ ከም ኣብ ዓፍራ ሳሙና እንነብር ብማዕዶ ጽቡቅ ትሕዝቶ ግን ዘይብሉ ኰና ኣብ ሃለፍታን ግዝያውነትን ከም እንነብር ገቢሩ ብዛዕባ ካልኦት ዘይንግደስ ዓውለማውነት ሸለልትነት ኣሸኒፉና ንርከብ’ ኢለ ነረ።

 ጻውዒት ሆሴእ ነቢይ ሎሚ ከም ሎሚ ንንስሓ ይዕድመና ኣሎ። ኣዕይንትና ናብ እግዚኣአብሔር ክንመልጽ እሞ ገጹ ክንደሊ። ኣብ 10.12 ‘ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ፣ ጽድቂ ኸኣ ክሳዕ ዜዝንመልኩምሲ፣ ንእግዚኣብሄር እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ፣ ንኣኻትኩም ብጽድቂ ዝርኡ፣ ከም መጠን ምሕረቱ ኸኣ ዕጸዱ፣ ሓድሽ ጽግኢውን ጽግኡ’ እናበለ ይምዕደና ኣሎ። ገጽ እግዚአብሔር ምድላይ ካብቲ ንጐይታ ክትረክብ ኣብ ውሽጥኻ ኰይኑ ዝደፋፍኣካ ሃረርታ ምስ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሩ ክትራኸብ ዘሎ ጽምኢ ዘበገሶ ኰይኑ እዚ ግን በታ መድሓኒት ዝኾነት ሓይሉ እንተዘይኮይኑ ብካልእ ኣይከኣልን። ናይ ዕለቱ ወንጌል እውን ማቴ 10.1 ነቶም ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣካል ክረኽብዎ ዕድል ዝረኸቡ ሓዋርያት ጸዊዑ ‘ንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሀቦም’ እንክብል በብሓደ ብስሞም ከምዝጸውዖምን ዓይኒ ዓይኖም እናጠመተ ክዛረቦም ሰሚዖም ተኣምሩ ርእዮም። እዚ ምስ ጐይታና ገጽ ንገጽ ብኣካል ምርኻብ እዚ ናይ ጸጋን ድሕነትን ግዜ ኰይኑ ተልእኮኻ እንታይ ምዃኑ እውን ይገልጽ። ዘድሊ መጠንቀቅታ ምስ ሃቦም ‘ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ኢልኩም ስበኹ’ እንክብል ይልእኾም። ምስ ጐይታ ገጽ ንገጽ ምርኻብን ተልእኮን ፈጺሞም ኣይፈላለዩን እዮም።

እዚ ምስ ኢየሱስ ገጽ ንገጽ ምርኻብ ሎሚ ንሕና እውን ክንገብሮ ንኽእል ከመይ ንሕና ሓዋርያት ሳልሳይ ሽሕ ዘመን ኢና። ኣተኲሮና ገጽ እግዚአብሔር ኣብ ምድላይ እንተገበርና በቶም እግዚአብሔር ኣብ ቅድሜና ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና ዘጓንፈና ኣብ ገጽ ድኻታት ሕሙማት ረዳኢ ዘይብሎም ከምኡ ዘይንፈልጦም ኣጋይሽ ክንረኽቦ ንኽእል። እዚ ርክብ እዚ ከኣ ንዓና ናይ ጸጋን ድሕነትን ግዜ ኰይኑ ነታ ንሓዋርያት ዝተዋህበት ተልእኮ የልብሰና።

ሎሚ ናይቲ ኣብ ላምፐዱሳ ዝገበርክዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝኽሪ ሻብዓይ ዓመት ንገብር ኣሎና።   ብብርሃን ቃል እግዚኣአብሔር ነቲ ነጻ ካብ ፍርሒ ብዝብል ኣብ ወርሒ ለካቲት ተጋቢኦም ዝነበሩ ዝበልኵዎ እደግመልኩም። ነዚኦም ዝበልኵዋ ‘ምስ ካልኦት ምርኻብ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ እዩ’ ዝብል ነበረ። ነዚ ከኣ ንሱ ባዕሉ ኣብ ማቴ 25.40 ‘ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ ንሓደ ካብዞም ንኡሳን ኣሕዋተይ ዝገበርክምዎ ኩሉ ንዓይ ኢኹም ዝገበርኩምዎ` እንክብል ክንረኽቦምን ክንሕግዞምን ዝጽበዩና ኣብ ማዕጾና ዝኩሕኩሕ ጥሙይ ጽሙእ ጋሽእ ዕሩቅ ሕሙም እሱር ኣብ ወደባትና ክዕቈቡ ዝደልዩ ስደተኛታት ንሱ ምዃኖም ገጽታኡ ምዃኖም ይነግረና።

‘ኩሉ እቲ ንዓታቶም ዝገበርኩምዎ ንዓይ ኢኹም ገርኩምዎ’ ክብል እንከሎ ንሠናይ ተግባርስ ይኹን ንሕሱም ተግባር ንኩሉ እዩ ዘጠቃልል። ነዚ ኣብቲ ዕለት ዕለት እንገብሮ ናይ ሕልና መርመርመራ ከም መሠረታዊ ነገር ክንጥቀመሉ ኣሎና። ሕጂ ኣብ ሓሳበይ ዝቅጀለኒ ኩነታት ሊብያ እዩ ኣብኡ ዘሎ ቤት ማእሰርትታ ኣብኡ ዝፍጸም ዓመጽን ግፍእን ነዚ ኣደራዕ እዚ ዝስከሙ ከኣ እቶም ብተስፋ ጒዕዞ ዝጀመሩ ስደተኛታት ብገለን ዝድሕኑን ዝሕገዙን ብገለን ከኣ ዝንጸጉ ተጓዓዝቲ ተስፋ! ብጣዕሚ የሕዝን! ሃየኸስ ነታ ‘ኩሉ እቲ ንዓታቶም ትገብርዎ ንዓይ ኢኹም ዝገበርኩምዎ’።  ነታ ቅድሚ ሸዓተ ዓመት ዝነበረት ዕለት ከምዛ ሎሚ እዝክራ ኣብዛ ኣብ ደቡብ ኤውሮጳ እትርከብ ደሴት ገሊኦም ታሪኾም ይነግሩኒ ነሮም። ኣብኡ ንክበጽሑ ክንደይ ከምዝተሳቀዩን ክንደይ ከምዝኸበሉን። ኣብኡ ዘስተርጒሙ ነሮም። ሓደ የዘንቱ የዘንቱ እቲ ዝትርጉም ዝተኻእሎ ይጽዕር ግን ካብቲ እቲ ተራኺ ዝብሎ ሕጽር ዝበለ ነበረ ኣብዚ እቲ ቋንቋ ስደተኛ ጸገማት ንምዝንታው ነዊሕ ገለጻ ግዲ ኣልይዎ ኢለ ሓሲበ። ካብቲ ጒዕዞ ምስ ተመለስኩ ሓንቲ እመቤት ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ቤትና ነበረት ሕጂ እኳ የላን መንገስተ ሰማይ የዋርሳ። ነቲ ነዊሕ ታሪኽ ትርድኦ ነራ ከመይ ብተለቪዥን ትከታተሎ ነራ። ሽዑ ተቀቢላ ‘ኣባቴ እቲ ኣስተርጓሚ ካብቲ ዝተባህለ ማለት ዝረኸቦም ዓመጽን ግፍዕን ስቃይን ርብዑ እውን ኣይተርጐመልኩምን’ ኢላትኒ። ነፍዮም ኣቅሪቦምለይ ማለት እዩ። ኣብ ሊብያ ብዛዕባ ዝፍጸም ጸገማትከስ ሎሚ እውን እዚ እዩ ዘሎ። ዘቅርቡልና ዜና ብብዙሕ መንፊት ዝሓለፈ እዩ። ውግእ ሕማቅ ምዃኑ ንፈልጥ እንትኾነ እቲ ኣብ ቤት ማሰርታትን መዳጐኒ ስደተኛታትን ኣብ ሊብያ ዝፍጸም ክትግምትዎ ኣይትኽእል። እዚ ሕዝቢ እዚ ግን ይዋኡ ብተስፋ ንባሕሪ ሰጊሩ ኩሉ ኪሓልፈሉ እዩ ይጐዓዝ ነሩ።  

መጸናንዒት ስደተኛታት ዝኾነት ድንግል ማርያም ኣብዞም ካብ መረበቶም ብጸገም እቲ ገና ንዓለምና ዘሳቂ ዘሎ ምጉዳል ፍትሒ ዝሃድሙ ኣሕዋትን ኣሓትን ገጽታ ወዳ ክርእን ከነለልን ትሓግዘና።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 July 2020, 12:29