ድለ

ማሪዮ ድራጊ ናይ ጳጳሳዊ ማሕበረሰብኣዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባል ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ተሰምዮም ማሪዮ ድራጊ ናይ ጳጳሳዊ ማሕበረሰብኣዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባል ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ተሰምዮም 

ማሪዮ ድራጊ ናይ ጳጳሳዊ ማሕበረሰብኣዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባል ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ተሰምዮም

ካብ 2006 ክሳብ 2011 ዓ.ም. ናይ ኤኮኖሚ ናይ ምርግጋእ ኣማኸርቲ ኣቦ መንበርን ክሳብ 2019 ዓ.ም. ናይ ኤውሮጳ ማእከላዊ ባንኪ ቤት ኣቦ መንበር

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ጳጳሳዊ ማሕበረሰብኣዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ሰለስተ ሓደስቲ ተራ ኣባላት ክምዝሰመዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ። እቶም ዝተሰምዩ ኣካላት ማሪዮ ድራጊን ፐድሮ ሞራንደ  ኩርትን ኮንኩረ ኣደቶኩንቦን ክኾኑ እንከለዉ፥ እቶም ስለስተ ሓደስቲ ተራ ኣባላት ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ስነ ምርምር ተቕዋም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማሪዮ ድራጊ ናይ ኤውሮጳ ማእከላዊ ባንኪ ቤት ኣቦ መንበርን ኣብ ቺለ ናይ ካቶሊካዊት መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ማሕበራዊ መምህር መድሮ ሞራንደ ኩርትን ኣብ ናይጀሪያ ናይ በኒን መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ማሕበራውን ስነ ሰብእን መምህር ኮኩንረ ኣአቶኩንቦ ኣግቦናአን ኤግሃፎናን ከምዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 10 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሩ።

ማሪዮ ድራጊ

ዕለት 13 መስከረም 1947 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሮማ ዝተወልዱን ሮማ ኣብ ዝርከብ ላ ሳፒየንዛ መንበረ ጥበብ ብስነ ኤኮኖሚ መጽናዕቲ ተመሪቖምን ኣብ ማሳቹስት ናይ ስነ ዕደ ጥበብ ምርምር መንበረ ጥበብ ሊቕነት ኣመስኪሮም ኣብ 1981 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ፊረንዘ ከተማ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቸሳረ ኣልፊየሪ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ኤኮኖምን ናይ ስነ ባጠራ ፖለቲካን ተራ መምህር ኮይኖም ከምዘገልገሉን ደሓር እውን ኣብ ናይ ኢጣሊያ መንግስቲ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባ ጉዳይ ሚኒ. ጠቕላሊ ዋና ኣመሕዳሪ ከምዝነበሩን ካብ 2005 ዓ.ም. ክሳብ 2011 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ ባንኪ ቤት ኣመሓዳርን ካብ 2006 ክሳብ 2011 ዓ.ም. ናይ ኤኮኖሚ ናይ ምርግጋእ ኣማኸርቲ ኣቦ መንበርን ክሳብ 2019 ዓ.ም. ናይ ኤውሮጳ ማእከላዊ ባንኪ ቤት ኣቦ መንበር ክዮኖም እውን ከምዘገልገሉን ኣብ ስነ ኤኮኖምን ስነ ባጠራን ዝተፈላለዩ ናይ መጽናዕትን ስነ ምርምርን መጽሓፍቲ ዝደረሱ ምዃኖም የመላኽት።

ፐድሮ ሞራንደ ኩርት

ኣብ ላቲን ኣመሪካዊት ሃገረ ቺለ ናይ ጳጳሳዊ ካቶሊካዊት መንበረ ጥበብ ነበር ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ መምህርን ዕለት 3 ነሓሰ 1948 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብቲ መንበረ ጥበብ ብስነ ማሕበረሰብኣዊ ስነ ምርምር ዝተመረቑን ኣብ ጀርመን ፍረደሪኽ ኣለክሳንደር ዘኤርላንገን ኖሪምበርጋን መንበረ ጥበብ ብስነ ማሕበረሰብኣዊ ስነ ምርምር ሊቕነት ዘመስከሩን ካብ 1987 ዓ.ም. ክሳብ 1990 ዓ.ም. ናይ ቺለ ጳጳሳዊ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ተቕዋም ሓላፍን ካብ 1990 ዓ.ም. ክሳብ 1995 ዓ.ም. ናይቲ መንበረ ጥበብ ዓቢይ ሓለቓን ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ተቕዋም ኣቦ መንበርን ካብ 1995 ዓ.ም. ክሳብ 2014 ዓ.ም. ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ተቕዋም ኣቦ መንበርን ኣብዚ እዋን’ዚ ልሂቕ ናይቲ መንበረ ጥበብ መምህር ከምዝኾኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ዝተፈላለዩ መጽሓፍቲ ኣብ ስነ ማሕበረሰብኣውን ባህልን ሃይማኖትን ኣባይቲ ስድርን ኣብ ማዕቅፍ ላቲን ኣመሪካ ዓሚይቕ መጽናዕቲ ዘካየዱን ዝተፈላለዩ ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ናይ ላቲን ኣመሪካን ባህሊ ዘማእከሉ መጻሕፍቲ ደራሲ እውን ከምዝኾኑ የመላኽት።

ኮኩንረ ኣደቶኩንቦ ኣግቦንታኤን ኤግሃፎና

ፕሮፈሰር ኮኩንረ ኣደቶኩንቦ ኣግቦንታኤን ኤግሃፎን ዕለት 1 ጥቅምቲ 1959 ዓ.ም. ኣብ ሎንደን ዝተወልዳን ኣብ ከተማ በኒን መንበረ ጥበብ ብስነ ታሪኽ ምርቕትን ኣስዒበን እውን ብስነ ጥበብ ዝለዓለ መደብ ምረቓ ኣጠናቒቐን ብስነ ጥንታዊ ስነ ምርምርን ስነ ሰብእን ስነ ምርምር ኣብ ናይጀሪያ ኢባንዳ መንበረ ጥበብ ምርቕትን ኣብ በኒን መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ማሕበረሰብኣውን ስነ ሰብእን መጽናዕቲ መምህር ኮይነን ክሳብ 1992 ዓ.ም. ኣገልጊለንን ካብ 2009 ዓ.ም. ክሳብ 2013 ዓ.ም. ናይ ስነ ማሕበረሰብኣውን ስነ ሰብእን ተቕዋም ሓላፊትን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ካብ 2012 ዓ.ም. ክሳብ 2019 ዓ.ም. ተቐባልነት ናይ ዘለዎ ናይ ዘላቒ ምዕባለ መፍትሒ ኣቕራቢ መረብታዊ ርክብ ዋና ኣመሓዳሪት ኮይነን ከምዘገልገላን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ምርምር መጽናዕቲ መጻሕፍቲ ነገልግሎት መንበረ ጥበባት ዝደረሳን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ናይጀሪያ ንግድ ጸረ ሰብ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ናይ ስነ ምርምር ማዕቅናት ኣብ ምቕራብ የገልግላ ከምዘለዋ ኣፍሊጡ።

ማሪዮ ድራጊ ናይ ጳጳሳዊ ማሕበረሰብኣዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባል ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ተሰምዮም
11 July 2020, 13:17