ተባዕ ምስክር! ር.ሊ.ጳ ጒዕዞ መንፈሳዊ ንግደት ንዝገብረ ስንኩል መንእሰይ
ዜና ቫቲካን!
ኣልቫሮ ካልቨንተ ይበሃል። ዕድሚኡ 15 ዓመት ኰይኑ ካብ ከተማ ማላጋ ናይ ሃገር እስፐይን እዩ። ስንክልናኡ ኣብ ርእሱ ኰይኑ ነዚ መንፈሳዊ ጒዕዞ ንግደት ክገብሮ ኣሎኒ ብዝብል ኒሕ ከኣ ብኣቦኡን ኣዲኡን ተሰንዩ ከምኡ እውን ሓደ ዓርኪ ስድራቤቶም እናሓገዞም ነቲ ጒዕዞ ብዓወት ምፍጻሙ ካብ ር.ሊ.ጳ እውን ክሕባእ ኣይተኻእለን። ቅዱስነቶም ብኡ ንብኡ ብግሎም ዝኸበር ኣልቫሮ ክብሉ ስለ ኣቲ ተባዕ ምስግርነቱ ኣመስገኖም እንቋዕ ነዚ ኣብቀዓካ ክብሉ ሓጐሶም ዝገለጹሉ መልእኽቲ ከምዝሰደዱ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።
ቅዱስነቶም እዚ ወረ እዚ ከመይ ኢሉ ከምዝበጽሖም ንኣልቫረስ ኣብ ዝጸሓፉሉ መልእኽቲ እንክገልጹ `ዝኸበርካ ኣልቫረስ መንፈሳዊ ንግደት ጒዕዞ ሳንትያጎ ብዓወት ከምዝፈጸምካ ኣቦኻ ጽሒፉለይ ከምኡ እውን ኣብቲ ጒዕዞ ኣብ ሳንጣኻ ጸሎታትካን ልመናታትካን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ብዙሓት ጽጉማት ሰባት ምናዳ ናይቶም ብመንፈስ ነቲ መንፈሳዊ ንግደት ምሳኻ ክፍጽሙ ሃረርታ ዘለዎምን ካልኦት ሰብ ጽቡቅ ድላይን ሓሳብ ጸሎታት ዝሓዘ ጽሑፋት ተሓንጊጥካ ከምዝገበርካዮ እውን ነጊሩኒ። ብሓቂ ተመሲጠ። ንክንጐዓዝ ብትምትብባዕካን ንብዙሃት ምሳኻ ክጐዓዙ ብምዕዳምካን ብልቢ ኣመስግነካ፣ ብሓቂ ዘገርም እዩ ኣብዚ ብለበዳ ኮቪድ 19 ነፍስወከፍና ኣብ ገዛና ተዓጺና ኣብ ንምህለለሉ ግዜ ነዚ ጒዕዞ እዚ ብምፍጻምካ ንብዙሓት ኣብ መንገድኻ ዝረኸብካዮምን ዝተኸታተሉኻን ዓቢ ተስፋን ምጽንናዕን ኰንካ ኢኻ’ እንክብሉ ስለ እቲ ተባዕ ምስክርነቱ ኣመስጊኖም ነቲ ጒዕዞ በይኑ ከምዘገበሮን ኣምላኽ ከምዘሰነዮን ብምግላጽ መላኽቶም ዛዘሙ።
ኣብ እንገብሮ ዝኾነ ጒዕዞ በይንና ኣይኮናን!
ኣልቫሮ ነዚ ጒዕዞ እዚ ንክገብር ምስ ወሰነን ብሓገዝ ወለዱን ዓርኩን ምስ ጀመሮ ብዙሓት ንሱ ካብ ገበሮ ክብሉ ምሳኡ ዝተጓዕዙ ከምዝነበሩ ምስ ፈለጡ ቅዱስነቶም እዚ ካልእ ምሥጢር እውን ከምዘለዎ ንምግላጽ ናብ ኣልቫሮ ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ `ዘገርም እዩ ንጒዕዞ መንፈሳዊ ንግደት ሳንትያጎ ክትገብር ወሲንካ ምስ ጀመርካዮ ንርእስኻ ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት ብዙሓት እውን ንዓኻ ርእዮም ከምዝጐዓዙ ገርካ! እዚ ከኣ ምንም ክፈርሁ ከምዘይብሎምን ንሓጐስ ዳግም ንክረኽብዎ ብምትብባዕን ገርካዮ! እዚ ከኣ ኣብ ጒዕዞ በይንና ከምዘይኮናን ጐይታ ወትሩ ኣብ ጐድንና ከምዝጐዓዝን የረጋግጸልና እንክብሉ ንዘሰተምሃሮ ኣብነታዊ ተባዕ ምስክርነት ብምምስጋንን ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምዕዳልን ስለኦም ክጽሊ ብምምሕጻን መልእኽቶም ዛዘሙ።