ድለ

ነቲ ሓቀኛ መዝገብ ኢየሱስ ንምርካብ ዓለማዊ ውሕስነት ነወግድ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሰንበት ዕለት 26 ሓምለ 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ነቲ ተጻይ ናይ ዓለምና ሃብትን መዝገብን ዝኾነ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝህበና ኢየሱስ ንምርካብ ኣብነት ናይቲ ክቡር ዕንቊ ንክገዝእ ዘለዎ ኩሉ ዝሸጠ ተኸቲልና ነቲ ክቡር ዕንቊ ድሕነት ዝኾነ ኢየሱስ ንርከብ እንክብሉ ነዚ ኣስተምህሮ እዚ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ 13.44-52 ኰይኑ ብዛዕባ መንግሥተ ሰማያት ዝዛረባ ምሳሌታት ዝሓዘ ናይቲ ምዕራፍ መወዳእታ ክፍሊ እዩ። እዚ ክፍሊ እዚ ሽዑ ሽዑ ዝተደርሳ ሠለስተ ሓጸርቲ ምሳሌታት የቅርበልና። ቀዳመይቲ ብዛዕባ ሕቡእ መዝገብ ካልአይቲ ክብርቲ ዕንቊ ሳልሰይቲ ከኣ ኣብ ባሕሪ ዝተጻወደት መርበብ እየን።

ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ከተኲር እየ። ኣብዚ መንግሥተ ሰማያት ብክልተ ዝተፋላልያን ክቡራት ነገራትን ተመሲላ ትርከብ። ኣብታ ቀዳመይቲ ኣብ ግራት እትርከብ ክብርቲ መዝገብ እታ ካልአይቲ ከኣ ዓቢ ዋጋ ዘለዋ ክብርቲ ዕንቊ እየን። ነቲ ኣብ ግራት ተሓቢኡ ዝነበረ መዝገብ ዝረክብስ ይኹን ነታ ክብርቲ ዕንቊ ዝረክብ ግብረ መልሶም ሓደ ዓይነት እዩ። እቲ ኣብ ግራት ነቲ መዝገብ ዝረኸበን እቲ ክቡር ዕንቊ ክረክብ ዝኾልል ዝነበረ ነጋዳይን ነቲ ብልቦም ዝደልይዎ ዝነበሩ ክቡር ነገር ምስ ረኸቡ ንክዕድግዎ ዘለዎም ኩሉ ይሸጡ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዘን ክልተ ተመሳሰልቲ ምሳሌታት ገሩ ንመንግሥተ ሰማያት ዝበቅዕ ሕይወት ክንሃንጽ መሠረታዊ ጠባያት ሕይወት ክርስትናን ሕይወት መንግሥተ ሰማያትን የቅርበልና። እቶም ንመንግሥተ ሰማያት ክረኽቡ ዝወሰኑ ተበዓት ነግ ፈረግ ከይበሉ ዘለዎም ኩሉ የወፍዩ። ከም ሓቁ ከኣ እቲ ኣብ ግራት ነቲ ክቡር መዝገብ ዝረኸበስ ይኹን እቲ ክቡር ዕንቊ ዝረኸበ ነጋዳይ ዘለዎም ኩሉ ይሸጡ እሞ ነቲ ከም ውሕስነት ሕይወቶም ገሮም ሒዞሞ ዝነበሩ ሃብቲ ዓለም ይጥንጥንዎ። ኣብዚ እንርድኦ ነገር እንተሃልዩ መንግሥተ እግዚአብሔር ንምህናጽ ጸጋ ጥራይ በይኑ ዘይኮነ ግብራዊ ተሳትፎን ድላይን ወዲሰብ ከምዘድሊ እዩ። ርግጽ እዩ ንኩሉ ብጸጋ እግዚአብሔር ኢና እንገብሮ። እንተኾነ ብወገና ነዚ ጸጋ እዚ ንምቅባል ድላይን ውሳኔን የድሊ ብምንም ተኣምር ንጸጋ እግዚአብሔር ክንቃወም የብልናን። ጸጋ እግዚአብሔር ንኹሉ ይፍጽም እንተኾነ ሓላፍነተይን ንክቅበሎን ኣባይ ንክሰርሕ ፍቃደኛ ምዃነይን የድሊ።

ናይዞም ክቡር ነገር ኣብ ምድላይ ዝተዋፈሩ ናይቲ ኣብ ግራት ዝዂዕት ዝነበረስ ይኹን ናይቲ ነጋዳይ ኣገባባት ማለት ንዝኸበረ ነገር ንምዕዳግ ንኩሉ ንብረቶም ምሻጥ ዓቢ ውሳኔታትን ሱር ነቀላዊ ዝኾኑ ኣገባባትን እዮም። ከድካ ናይ ምምላስ ጒዕዞ ዘይኮነስ ናይ መኸዲ ጒዕዞ ቲኬት ጥራይ ከም ምቊራጽ እዩ ምበልኵዎ። ኣብ ርእሲ እዚ ከኣ ነዚ ንምግባር ብዓቢ ሓጐስ እዩ ከመይ እታ ዝኸበረት መዝገብን ዕንቊን ስለዝረኸቡ። ናይዚኦም ክልተ ወንጌል ዘቅርበልና ኣብነት ክንክተል ዝተጸዋዕና ኢና። ንሕና እውን ብዓቢ ሃንቀውታ መዝገብ ዘለዓለማዊ ሕይወት መንግሥተ ሰማያት ብምሉእ ልብና ክንደሊ ኣሎና። ነዚ ንምግባር ከኣ ነቲ መንግሥቲ ኣምላኽ ካብ ምድላይን ካብ ምህናጽን ዝዕንቅፈና ከቢድ ኣርዑት ዓለማዊ ውሕስነትና ጠንጢና ክንገድፎ ኣሎና። እዚ ከኣ ነገራት ንክትውንን ዘሎ ህርፋንን ንመኽሰብን ሥልጥእንን ዘሎ ጽምእን ጥቅሚ ገዛእ ርእስና ጥራይ ዝምነ ኣተሓሳስባን ፈጺምና ክነወግዶ ኣሎና።

ኩልና ከም እንፈልጦ ኣብዚ ዘመንና ናይ ገሊኦም ሕይወት ንከንቱ ከምዝሓለፈ ክንርዳእ ንኽእል ከመይ ምናልባት ነቲ ሓቀኛ መዝገብ ክደልዩ ኣይተበገሱን ይኹኑ በዚ ከኣ ብናይዚ ዓለም እዚ ሰሓብቲ ዝኾኑ ነገራት ግንከ በረስቲ ዓጊቦም ንግዜኡ ብዘብለጭልጩ ደሓር ግን ኣብ ጸልማት ብዝገድፉ ነገራት ተደናጊሮም ይኾኑ። እንተ እቲ ካብ መንግሥቲ ኣምላኽ ዝመጸና ብርሃን ሰብ ሰርሖ ብርሃን ዘይኮነ ንምሉእ ሕይወትና ዘሰንየና ሓቀኛ ብርሃን እዩ። እንተ እቲ ሰብ ሰርሖ ብልጭታ ወይ ርሽት ግን ንግዜኡ ብልጭ ኢሉ ህልም ይብል።

መንግሥተ ሰማያት ካብቲ እዚ ዓለምና ዘወፍየልና ንግዜኡ ዘብለጭልጭ ነገራት ዝተፈልየ እዩ። ካብቲ እዚ ዓለም እዚ ዘቅርበልና ግዝያውን በናንን ሓጐስ ሕልፍ ዝበለ ንኩሉ መዋዕል ሕይወትና ዘሓድስን ናብ ዝሰፍሐ መኣዝን ዝመርሕን እዩ። ከም ሓቁ እንተኾይኑ ነዚ መዝገብ እዚ ዝረኸበ ሰፍሕ ልቢ ወኒኑ ንፈጠራ ክፉት ኰይኑ ክንዲ ነገራት ምድግጋም ሓደስቲ ነገራት እናፈጠረ ንእግዚአብሔርን ንብጻይን ዘፍቅረሉ መንገዲ እናመሃዙ ንገዛእ ርእሶም ብሓቂ ዘፍቅሩሉ መንገዲ ይፈጥሩ። ናይቶም በዚ መንገዲ እዚ ዝጐዓዙ ቀንዲ ምልክት መሃዝነት ኰይኑ ወትሩ ሓደስቲ ናይ ፍቅሪ ሥራሓት እናፈጠሩ ይነብሩ። እዚ መሀዝነት እዚ ከኣ ንሕይወት ትርጉም ዝህባ ሕይወት ዝህብ ልማዱ ከኣ ወትሩ ምሃብ እዩ። ኩሉ ግዜ ሕይወት ንክህብ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ሜላታት ሃሰስ ምስ በለ እዩ።

እቲ ሓቀኛ መዝገብን ክቡር ዕንቊን ዝኾነ ኢየሱስ ታሕጓስ ምዕዳል እንተዘይኰይኑ ካልእ ክገብር ኣይክእልን እዚ ታሕጓስ እዚ ከኣ ታሕጓስ ናይ መላእ ዓለም እዩ።  እዚ ታሕጓስ እዚ ትርጉም ሕይወትካ ንምርካብ ኣኽኢሉ ኣብ ናይ ቅድስና ጒዕዞ ብሓላፍነት እንከተወፍያ ከኣ ዝለዓለ ደስታ ይኸውን።

ዕለት ዕለት ነዚ ናይ መንግሥተ ሰማያት መዝገብ ንምድላይን ኣብ ዘረባናን ግብርናን ነቲ እግዚአብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝሃበነ ፍቅሪ ንምግላጽ ክሳብ ንኽእል ቅድስት ድንግል ማርያም ትደግፈና።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 July 2020, 00:58