ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መሬት ብዝተሓደሰ ጸዓት ምድሓን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መሬት ብዝተሓደሰ ጸዓት ምድሓን 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መሬት ብዝተሓደሰ ጸዓት ምድሓን

“ርክብ ኣብ ልዕሊ ውልቃውነት ጥርናፈ ኣብ ልዕሊ ምግምማዕን ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ልዕሊ ናይ ውሑዳት ጥቕሚ ክዕብልል”

ዕለት 4 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማሕበራት ምትሕብባር ብምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እዚ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማሕበራት ምትሕብባር “ብሓባር ንምዝባዕ ከባቢ ኣየር ምግጣም” ብዝብል ጭርሖ ዝተመርሐ ምዃኑ ዘኪሮም ኣብ ናይ ዕለቱ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መርብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ይሴባሕ ዓውዲት መልእኽቲ ዘዘኻኽር ሓሳብ ከምዘመሓላለፉን፡ ማሕበራት ምትሕብባር ናይ ማሕበርሰብን ንናይ ገዝእ ርእስኻ መሬት ዘሎካ ፍቕሪ መግለጺ እዩ፡ ብርግጽ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ እንተድኣ ተሳዒባ ኣብ ምኽባር ተልእኾ ዓባይ ደገፍ እያ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብምኽንያት እቲ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ካብ ዝቐውም መበል 96 ዓመቱ ናይ ዘብዕል ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ምትሕብባር መዓልቲ ብምዃኑ ቅዱስነቶም በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መርብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ኣብ ገለ ገለ ዞባታት ዝተሓደሰ ጸዓት ምጥቓም ንዘብል ዕላማ ዝቖማ ማሕበራት ምትሕብባር ከምዘለዋን ዝተሓደሰ ጸዓት ምጥቓም ኩለን ሃገራት ኣብ ምጥቓም ጸዓት ርእሰ ብቕዓት ክህልወን ከምዝገብርን ንምዝባዕን ብከላን ከባቢ ዓየር ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ውጽኢታዊ እዩ፡ እዚ ኸኣ ብርቱዕ ማሕበረሰብኣውነት ስምዒትን ንናይ ገዛእ ርእስኻ መሬት ዘሎካ ፍቕሪ መግለጺ እዩ ከምዝበሉ ዘጋቢት ዜና ቫቲካን በነደትታ ካፐሊ ሓቢረን።

ማሕበር ምትሕብባር ዘቕውም ተባዕ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ማሕበራት ምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተፈላለየ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበር ክዝከር እንከሎ፡ ንኣብነት ዕለት 16 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣገዳስነት ናይ ምትሕብባር ማሕበራት፥ “ርክብ ኣብ ልዕሊ ውልቃውነት ጥርናፈ ኣብ ልዕሊ ውልቃውነትን ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ልዕሊ ናይ ውሑዳት ጥቕሚ ክዕብልል” ዝብል ሓሳብ መሰረት ገይሮም፥ “ናይ ግብረ ሰናይ ዋኒን” ገንዘብ ጣዖት ኣብ ዘይኮነሉ ሕብረተሰብ ንምንባር ክከኣል መታን - ናይ ምትሕብባር ማሕበራት እዚ ነቲ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ከም ዋጋ ዘኽፍል ምህርቲ ጥራሕ ዝብል ኤኮኖሚ ዘቃልዓ እያተን” ከምዝበሉ ካፐሊ የዘኻኽራ።

ንናይ ሸልተይናነትን ዘይተገዳስነትን ውልቃውነትን ዝሕታለ ዒምም ብምባል ዘይኮነ ካልኣ ኣማራጺ ብምቕራብ ምስናፍ የድሊ፡ ማሕበራት ምትሕብባር ዘቕውም ፍሉይ ኣብ ዝኾነ ናይ ምፍራይን ኣስራርሓን ስራሕን ኣብ ማሕበረሰብ ምዃን ዝኣምን እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ዝለመሰ ሰብ ተሰኪሞም ናብ ኢየሱስ ዘቕረብዎ ኣርባዕተ ብጾቱ (ምትሕብባር)

ለጋስ መሃዝነት

ኣብታ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ፍቕዲ 179፥ ማሕበራት ምትሕብባር ንምድሓንን ንምክንኻንን ተፈጥሮ ብዝብል መገዲ ብምምልካት ብዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ውድባትን መንጐይናታት ማሕበራትን መንግስታት ኣገዳስን ጽኑዕን መምርሕታት ንምክልኻል ከባቢ ዝብጅው ከቕርቡ ዝድርኹ እያቶም። ዜጋታት ንናይ ብሔራውን ዞባውን ክፍለ ከተማውን ፖለቲካ ስልጣን ዘይቆጻጸር እንተድኣ ኰይኑ ኣብ ማሓድሮ ዝፍጠር ማህሰይቲ እውን ምግርጫው ክህሉ ተኻኣሊ እዩ ዝኸውን”፥

. . .  እቲ ዘሎን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ናይ ዓለም ስርዓት ሓላፍነት ኣብ ምስካም ድኹም ከምዝኾነ ዝሕብር እዩ፡ እቲ ዞባዊ ሕቶን ጠለብን ፍሉይነት ክፈጥር ይኽእል፡ ስለዚ ኩሉ ሓላፍነት ክስምዖ ዘኽእል ባይታ ምፍጣር ጽኑዕ ማሕበራውነት መንፈስ ይፈጥር፥ ናይ ምክንኻን ብቕዓትን ለጋስ መሃዝነትን ፍቕሪ ንመሬትካን ከምኡ እውን ንደቅናን ንዝመጽእ ወለዶን ዝብል ሓሳብ እውን ዝወልድ እዩ!

ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ካፐሊ የዘኻኽራ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መሬት ብዝተሓደሰ ጸዓት ምድሓን
07 July 2020, 01:53