ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ካልኦት ግድፈት ምንዳይ ዘይኮነ ኣብ ምምሳል ትዕግስቲ ናይ ጐይታ ነድህብ

ናይ ካልኦት ግድፈታትን ውስንነትን ዝደልይ ምስ እግዚኣብሔር ብግብኡ ዘይተሓባባር እዩ፡ በንጻሩ ግና እቲ ኣብ ዓውዲ ቤተ ክርስቲያንን ታሪኽን ብጽሞና ዝዓዪ እቲ ዝጥጥዕ ሰናይ ክሳብ ዝስውት ዘለልይ ንሱ ምስ እግዚኣብሔር ብግቡእ ዝተሓባበር እዩ

ናይ ደቀ መዝሙር ተግባር “ነቶም ረሲኣን ንምጭፋላቕ ዘይኮነ ንምድሓኖም” ዘድህብ እዩ ዝለዚህ ምስሉያዊ ምክእኣል ዘይኮነ ብምሕረት ዝሃድኤ ፍትሒ እንጓዓዘሉ መገዲ ክኸውን ከምዘለዎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትና ከምዘመላኸቱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ስርናይን ኽርዳድን ሰናይን ክፋእን ብረቒቕ ዝውክሉ ዘይኮነ፡ ንኣና ፍጥረት ሰብ ንእግዚኣብሔር ድዩ ወይ ከኣ ዲያብሎን ክንስዕብ ኣባና ዘሎ ምርጫ ዘመላኽት እዩ” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በዚ ንጹር ዝኾነ ብዘየማትእ ሓሳብ ነቲ ናይ ሰንበት ዕለት 19 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ካብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 13 ካብ ፍቕዲ 23 ክሳብ 43 ዝተወስደ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሔር ዝዘርኦ ሰናይ ዘርእን ኣብቲ እግዚኣብሔር ነቲ ሰናይ ዘርኢ ዝዘርኣሉ ግራት ዲያብሎስ ብጸላም ለይቲ ኽርዳድ ከምዝዘርእ ዘመላኽት ወንጌላዊ ምንባብ ኣብሪሆም።

ምስሉይ ምክእኣል ዘይኮነ ብምሕረት ዝሃድኤ ፍትሒ

ቅዱስነቶም ኣብ መንጐ እቶም ኣገልገልቲ ብዓንተውዑ ኽምሕውዎ ዝደልይዎ ክርዳድ ኣብ ዘለሉ እቲ ሰናይ ዘርኢ ክዕቅብ ናይ ዘኽእል ጐይታ ኣረእያ ንኽህልወና እንክምዕዱ፥

ክፍኣት ብርግጽ ክንጸግን ክእለይን ዘለዎ እዩ ኣብ ቅድም ረሲኣን ግና ሰባት ስለ ዝኾኑ ትዕግስቲ ምጥቃም እዩ ዘድሊ፡ እዚ ኸኣ ላንጋላንጋ ምዃን ምስሉይ ምክእኣል ዝብል ኣገባብ ምንባር ዘይኮነ ብምሕረት ዝሃድኤ ፍትሒ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ፡ ኢየሱስ ቅድሚ ንጻድቃን ንህሙማን ንኽፍውስ ሓጥኣን ንኸናድይ ዝመጸ ካብ ኮነ፡ ናትና ናይቶም ሰዓብቱ ተግባር ንረሲኣን ምጭፍላቕ ዘይኮነ ንምድሓኖም ዘተኮረ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ትዕግስቲ እምበኣር ከስ ንሱ እዩ!

እቲ ብዘይ ዓውዓው ብጽሞና ዝቦቅል ሰናይ ምልላይ

ጐይታ ጥበብን ጥበበይና እዩ፥ እቲ ሰናይ ዘርኢ ምስቲ ኽርዳድ ለኪምካ ንኽትምሕዎ ዝከኣል እዩ፥ ስለዚ እዚ ስጋኣት’ዚ ንኸየጋጥም መታን ክሳብ ዓጻዶ ምጽባይ የድሊ፡ እዚ ምዕዶ’ዚ እውን ትክክለይና ልሙድ ተግባር እዩ፡ እቶም ኣገልገልቲ ክዕገሱ እዮ ዝግብኦም፥ ስደትን ተጻብኦነትን ኣብ ሕይወት ጸዋዕታ ክርስትና ዘጋጥም እዩ፡ ናይ ዕለት 19 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ወንጌል በቲ ሓደ ሸነኽ ናይ ጐይታ ኣርሒቑ ዘማዕድው ርእየትን በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ነቲ ዘሎ ጸገም ዝርእዩ ናይ ኣገልገልቲ ርእየት የመላኽት፡

ናይ ካልኦት ግድፈታትን ውስንነትን ዝደልይ ምስ እግዚኣብሔር ብግብኡ ዘይተሓባባር እዩ፡ በንጻሩ ግና እቲ ኣብ ዓውዲ ቤተ ክርስቲያንን ታሪኽን ብጽሞና ዝዓዪ እቲ ዝጥጥዕ ሰናይ ክሳብ ዝስውት ዘለልይ ንሱ ምስ እግዚኣብሔር ብግቡእ ዝተሓባበር እዩ፡ ሽዑኡ ኸኣ ነቶም ቅኑዓትን ስልማቱ ዝህብን ነቶም ረሲኣን ዝፈርድ እግዚኣብሔር እዩ፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያን እቲ ሓደ እኳ ካብቶም ደቁ ክጠፍኡ ዘይደልይ ብናይ ኣቦ ፍቕሪ ዘፍቅር ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስቲ ንኸነስተውዕልን ንኽንመስሎን ትደግፈና።

ካልኦት ዘዕንው ፈተና ሕሜታ

ዝበሉ ቅዱስነቶም ክርዳድ ናይ ምዝራእ ሳዕቤን እንከመላኽቱ፥

ክንደይ እዋን ኣብ ሰላም ዝነበረት ቤት ውግእ ዝተባርዓላ ከምዝኾነት ንሰምዕ፥ ቅንኢ . . . ሰላም ዝነበረ ከባቢ ክንደይ ደስ ዘየብል ነገር ክረኣየሉ ይጅምር . . . “ዘራእ ኽርዳድ ስለ ዝመጸ” ክበሃል ንሰምዕ፥ ወይ ከኣ እገለ ናይታ ስድራ ቤት ኣባል ብሕሜታን  ብበለካን ለኸዓካን ኽርዳድ ዝዘርእ እዩ ክበሃል ንሰምዕ፡ ወትሩ ክፋእ ምዝራእ የዕንው፡ ነዚ ዝገብር ድማ ዲያብሎስን ወይ ከኣ ንኻልእ ንምዕናው ኣብ ፈተና ሕሜታ ኣብ እንወድቕ እዩ።

እቲ ብኢየሱስ ዝተነግረ ምስላ ኣብ ጐድኒ እቲ ሰናይ ዝዘርእ ናይ ግራት ጐይታ፥ ተጻራሪ ንሱ ኸኣ እቲ ኽርዳድ ዝዘርእ እቲ ሰናይ ከይቦቅልን ከይዓብን መተዓናቕፎ ዝፈጥርን ብግብረ ቅንኢ ኩሉ ከዕንው ዝደልይ ዲያብሎስ ከምዘሎ የመላኽተና፥ ዕላማ ናይቲ ዲያብሎስ ሕሜታን ዘሕፍር ተግባር ብምዝራእ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘተዓናቕፉ ናይ ድሕነት ስራሕ ምትሕልላኽ እዩ ቢሎም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነው ዶኒኒ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ካልኦት ግድፈት ምንዳይ ዘይኮነ ኣብ ምምሳል ትዕግስቲ ናይ ጐይታ ነድህብ
20 July 2020, 12:43