ድለ

ሥርዓተ ቀብሪ ነፍሰኄር ኣባ ግዮርግ! ሥርዓተ ቀብሪ ነፍሰኄር ኣባ ግዮርግ! 

መልእኽቲ ሓዘን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቀብሪ ሓዎም ነፍሰኄር ኣባ ግዮርግ!

ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 18 2020 ዓም ብኣፈርክቡ ንመጨረሻ ግዜ ዓቢ ሓዎም ክበጽሑ ብሕጹጽ ንሃገረ ጀርመን በጺሖም ዝተመልሱ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ሞት ሓዎም ምስ ተረድኡ ናብ ቀብሩ ክሳተፉ ብዘይምኽኣሎም ትማሊ ኣብ ግዜ ቀብሪ ሓዎም እትንበብ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ከምዝጸሓፉን ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ሓዎም ከምዝገለጹን ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ከምዝተኻታተልኩምዎ ነፍሰኄር ኣብ ግዮርግ ራዚንገር ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድሚኦም ዕለት 1 ሓምለ 2020 ዓም ዓሪፎም ሥርዓተ ቀብሮም ከኣ ብዙሓት ውሉደ ክህነትን ቤተሰብን ኣብ ዝተረኽቡሉ ግዜኡ ከምዝፈቅዶ ርሕቀት ብምሕላውን ዘድሊ መከላኸሊ ብምጥቃምን ትማሊ ሮቡዕ ዕለት 8 ሓምለ 2020 ዓም ኣብ ካተድራል ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ረገንስበርግ ሃገረ ጀርመን ተፈጺሙ።

ኣብ መባእታ ከምዝገለጽናዮ ነፍሰኄር ኣባ ግዮርግ ሕማም ምስ ጸንዖም ኣብታ መዋዕሎም ምሉእ ዝነበሩላ ከተማ ረገንስበርግ ዝርከብ ሆስፒታል ከምዝተዓቊቡን ንኡስ ሓዎም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ ንመጨረሻ ግዜ ብኣፈርክቡ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ሰነ ከምዝበጽሕዎም ብኡ ንብኡ ከኣ ሐዎም በጺሖም ምስ ተመልሱ ብዕለት 1 ሓምለ ብዕረፍቲ ጻድቃን ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።  ብኡ ንብኡ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ መርድእ ሞት ሓዎም ምስ በጽሖም ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዝሓበሩ ቅዱስነቶም ከኣ ዓቢ ዕምቈት ዝሓዘት ናይ ምጽንናዕ መልእኽቲ ብምጽሓፍ ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከምዘረጋገጹሎም ዝዝከር እዩ።

ትማሊ ሥርዓተ ቀብር ነፍሰኄር ኣባ ግዮርግ ዝፈጸሙ ናይ ረገንስበርግ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሩዶልፍ ፎደርሆልዘር እንክኾኑ ከክንዲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ቀብሪ ዝተረኽቡ ናይ ቅዱስነቶም ጸሓፊ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ ዝጸሓፍዋ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ኣንቢቦም። ቅዱስነቶም ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ፍሉይ ምስጋንን ዝኽሪ ዓቢ ሓዎም ነፍሰኄር ኣባ ግዮርግን ዝምልከት ነበረ።

ምስጋና!

ሽሕ’ኳ ብኣካል ኣብ ቀብሪ ሓዎም ክሳተፉ እንተዘይከኣሉ ብመንፈስ ምስኦም ከምዘለውን ምስጋናኦምን ‘ኣብዚ ኩሉኹም ብሓበር ንሓወይ ናይ መወዳእታ ሥርዓታት ኣብ እትፍጽሙሉን ምድራዊ ጉዕዞኡ ፈጺሙ ንሰማይ እናተጓዕዘ ተሰንዩሉን ኣብ ዘሎኹም ሁመት ብመንፈስ ምሳኹም ኣሎኹ’ ክብሉ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ኣብዚ መሪር ግዜ ሓዘን ካብ መላእ ዓለም ናይ ጽንዓት ይሃብ መልእክታት ማለት ‘ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝተፈላለይ ማሕበራውን ሥነ ጥበባውን መዓርግ ካብ ዘሎዎም’ ከምዝተቀበሉ እዚ ከኣ ብሓቂ ልቦም ከዝተንከፈ ብምስጋና ገሊጾም።  ብዘለውዎ ኩነታት ንነፍሲ ወከፍ ብኣካል መልሲ ክጽሕፉ ብዘምኽኣሎም ዝተሰምዖም ሓዘን እናገለጹ ንኩሎም ኣብዚ መሪር ግዜ ሓዘን ንዘሰንይዎም ልባዊ ምስጋና ኣቅሪቦም። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝሰኣንዎም ሓዎም ኣብ ናይ መጨረሻ ሕይወት ሰዓታትን ዕለታትን ብዝረኤን ዘይረኤን መንገዲ ኣብ ጐድኖም ዝኾኑ ኣመስጊኖም።

ሓዎም ብኩሉ ፍሉጥን ብዙሕ ኣበርክቶ ዝገበሩን ብምንባሮም ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ‘ታሪኽ ሕይወቱን ሥራሕቱን ኣበርክቶኡን ዝገልጽ ብዝተፈላለየ መልእኽታት ብናይ ዘመና ኢመይልን ካልእ መንገድታትን ዝተቀበልኵዎ ልዕሊ እቲ ዝገመትኵዎ’ እዩ እንክብሉ ምስጋናኦምን ኣድናቆቶምን ምስ ገለጹ ናይ ዓቢ ሓዎም ፍሉይ መግለጺ ክኸውን ዝኽእል እቲ ካርዲናል ኒውማን ‘ልቢ ንልቢ ምስ ጐይታ ምዕላል’ ዝብል ኰይኑ ነቲ ክንዮ ማንም ኣብ ወረቀት ዝተጻሕፈ ቃል ክገልጾ ዝኽእል ምስ ጐይታ ዝነበሮ ልቢ ንልቢ ዕላል እኹል መግለጺ ምዃኑን ቀንዲ ዝፍለጠሉ ከኣ ካህንን ሙዚቀኛን ከምዝነበረ ገሊጾም።

ካህንን ሙዚቀኛን!

ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ ሓዎም ብዙሕ ዝኽርን ዝበሃልን እኳ እንተሎ ሠለስተ ነጥብታት ክጠቅሱ ይመርጹ። እታ ቀዳመይቲ ንሓዎም እትገልጽ ሓቀኛ ካህን ክርስቶስ ንምዃንን ንምዝማርን ‘ንጸዋዕታ ክህነቱን ተውህቦ ሙዚቃን ብኡ ንብኡ ኣለልዩ ብጸጋ ተቀቢሉ ኣሜን ኢሉ ብአአን ክሳብ መወዳእታ ኣገልጊሉ` ኣንክብሉ ይገልጹ። ኣብ ንእስነቶም ብከመይ ዝበለ መንገዲ ይናበቡን ይተሓገዙን ከምዝነብሩ ይገልጹ እሞ ኣብ ቲትሞኒንግ ግዮርግ ሓዎም ብከመይ ዝበለ ተገብሶን ጽንዓትን ንጉዳይ ሙዚቃን መጽናዕቱን ከምዝፈጸሞ ይዝክሩ። እዚ ጽጹይ መጽናዕትን ጻዕርን እዚ ኣብ ካፐልማይስተር ናይ ረገንስበርግ ካተደራል መራሒ መዘመራን ናይቲ ካተድራል ክኸውን ኣብቂዕዎ። ናይዚ ዓቢ ካተድራል ረገነስበርገር ዶምስፓጸን ዝበሃል መዘመራን መራሒ ምዃን ምናልባት ኣደና ብሕይወት እንተትነብር እምበይምተቀበሎን ነሩ እንክብሉ ንኩሉ በብሓደ ከምዝዝከሩ ኣመልኪቶም። እዚ ኣገልግሎት ኣዚ ግን ቀስ ብቀስ ናይ ታሕጓስ ምንጪ ከምዝኾነ እንተኾነ ከም ማንም ካልእ ኣገልግሎታት ኣብዚ እውን ምናዳ ኣብቲ መጀመራታ ቅርሕንትን ምንጻግን ኣይተሳእነን ነሩ። እንተኾነ ነዚ ኩሉ ሰጊሮም ነፍሰኄር ግዮርግ ነቶም ኣብቲ ካተድራል ከም መዘምራን ዘገልግሉ ንዝነበሩ ከም ኣቦን ዓቢ ሓውን ኰይኖም እንክብሉ ዝኽሮም ኣመላኺቶም።

ኣብ መወዳእታ ነዚኦም ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ሓዎም ዝመርሖም መዘምራንስ ይኹን ብክህነት ንዘገልገልዎም ብምዝካር ‘ከም ካህንን ሙዚቀኛን ኣብዘን መወዳእታት ሰዓታት ሕይወቱ ክግንዘብ ንዘኽኣልኩምኒ ኩሉኹም ልባዊ ምስጋናይ ኣቅርበልኩም’ እንክብሉ ነታ ከም ቀዳመይቲ ጠባይ ሓዎም ካህንን ሙዚቀኛን ትብል ጠቂሶም ናብቲ ወትሩ ሕጉስ ትብል ካልአይቲ ጠባይ ሓዎም ይሰግሩ።

ወትሩ ሕጉስ!

ቅዱስነቶም ከም ካልአይቲ ጠባይ መዋቲ ሓዎም ዝገልጽዋ ነፍሰኄር ግዮርግ ወትሩ ሕጉስ ከምዝነበሩ  እዚ ከኣ ዋሳኦምን ሰሓቆምን ንኩሉ ከሐጉሱ ምጽዓሮምን ብፍላይ ከምዝከሩ ይገልጹ እሞ ማዕረ ማዕረ እዚ ክዛረብ እንከሎ ክብሎ ንዝደለዮ ነገር ኣነጺሩ ብቀጥታ ዝዛረብ ንዝስምዖ ነገራት ብግህዶ ዝዛረብ ምንባሩ እውን ገሊጾም። ማለት ክልተ ዓበይቲ ተውህቦታት በታ ሓደ ወገን ብዋዛን ቊምነገርን ተሓጒሱ ዘሐጉስ ወትሩ ሕጉስ ክበሃል ንዘለዎ ሓቅን ንዝስምዖምን ከኣ ብግህዶ ዝገልጹን ዝዛረቡን ከምዝነበሩ ምስ ገለጹ ኣብ ሕይወቶም ቃልሲ ዘድልዮ ጉዳይ ከምዝነበረ እውን ኣይሓብኡን። ንኣብነት ይብሉ ምስ እዚ ኩሉ ኣብዘን መጨረሽታ ዕሥራ ዓመታት ዳርጋ ዑረት ዓይኒ ተጻዒዎም ከምዝነበረን ነዚ ከኣ ብዓቢ ትዕግሥቲ ተቀቢሉ ብውሽጡ ልቡ ከምዝሰዓሮ ተዓዚበ እንክብሉ ቃልሲ ሕይወት ከምዘየሸንፎም የመልክቱ ኣብታ ሳልሰይቲን ናይ መጨረሽታን ባህሪ ሓዎም ብምስጋን ንኩሉ ብዘጠቃልል መንገዲ ሓዎም ናይ እግዚኣአብሔር ሰብ ከምዝነበሩ መስኪሮም።

ናይ እግዚአብሔር ሰብ!

ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ምዝዛም ናይዛ ኣብ ቀብሪ ሓዎም ዝተነበት ናይ ሓዘን መልእኽቶም ቀንዲ ጠባያት ሓዎም ዓቅልን ህድኣትን ርእሲ ምግታእን ከምኡ እውን ቅንዕና ከምዝኾና እዚአን ኩለን ከኣ ወትሩ ናይ እግዚኣአብሔር ሰብ ከምዝነበረ ገሊጾም።

እታ ብዙሕ ግዜ ዝጠቀስናይ ናይ ኣፈርክቡ ጒዕዞኦም ብምዝካር ከኣ ዕለት 18 ሰነ ንክበጽሕዎ ከይዶም ምሳኡ ቀንዮም ዕለት 22 ሰነ 2020 ዓም ንመጨረሻ ግዜ ደሓን ኩን ሓውይ ኢሎም ዝተሰናበትዎ ብምዝካር ካብዚ ምድሪ እዚ ንመጨረሻ ደሓን ኩን እብሎ ከምዝነበርኩ ቆብ ኣቢሉ ተረዲእዋ ነበረ። እቲ ነዚ ሕውነትን ፍቅርን ዝጸገወና ሕያዋይ ኣምላኽ ኣብቲ ንየዋይ ዓለም እውን ዳግም ተራኺብና እዚ ውህንደትን ሓድነትን እዚ ንዘለዓለም ክነስተማቅሮ ምዃና ክልተና ተረዲእና ተፈላለና ኢሎም።

ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም ንኩሎም ምስ ኣመስግኑ ፍሉይ ምስጋና ግን ‘ኣብዘን መወዳእታ ዕለታት ሕይወቱ ኣብ ጐድኑ ክኸውን ንዘሓገዙኒ ኩሎም ኣመስግን’ ምስበሉ ‘ብጽሓኒ ኢሉ ኣይሓተተንን እንተኾነ ከይደ ክበጽሖ ግዜኡ ከምዝበጽሐ ስለ ዝተሰመዓኒ ነቲ ነዚ ውሳጣዊ ስምዒት ዝለኣኸል ጐይታ ልዕሊ ኩሉ ኣመስግን’ ኢሎም ነቲ መንፈሱ ሰዲዱ ዳርጋ ተንሥኡ ሓውኹም ይሸባሸብ ኣሎ እሞ ደሓን ኩን በልዎ ድምጺ ዘነቅለ ጐይታ ኣመስጊኖም።

ኣብ ሰማይ ኰይኑ ንክጽበዮምን ብሱታፌ ቅዱሳን ገና ንዝራድኦምን ዓቢ ሓዎም ብመንፈስ ከምዝሰምዖም ብምእማን ‘ ዝኸበርካ ሓወይ ግዮርግ ስለ ኣቲ ኩሉ ዝገበርካለይ ስለይ እተሳቀኻዮ ስለ እቲ ዝሃብካኒ የቀንየለይ’ ክብሉ ድሕሪ ምምስጋን ንክበጽሕዎ ምስ ከዱ ዝተራድእዎም ናይ ረገንስበርግ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሩዶልፍ ፎንደርሆልዘር ብምምስጋን መልእኽቶም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

09 July 2020, 13:04