ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣድልዎ ብዘርኢ ከም ቅቡል ክሕለፍ የብሉን፡ ዓመጽ ኣይሀሉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ንናይ ጆርጅ ፍሎይድ መቕተልቲ ስዒቡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማታት ተኣታቲዩ ዘሎ ሕዝባዊ ናይዕቢ እናሓሰቡ፥ ዝፍጸም ዓመጽ ኣድልዎ ብዘርእን ምንጻልን ኣናረኣና ከምዘይረኣና እናኾንና ናይ ሕይወት ክቡርነትን ቅዱስነትን ክንከላኸል ዘይሕሰብ ኣዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 25 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ሚነኣፖሊስ ኣብ ልዕሊ 46 ዓመት ዝዕድመኦም ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ብኣባል ሓይሊ ጸጥታ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለትን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣድልዎ ብዘርእን ዓሌታውነትን ነዚ መቕተልቲ ስዒቡ ዝረአይ ዘሎ ዓመጽ ኩሉ ውጉዝ ምዃን ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብቋንቋ እንግሊዘይና ከስምዑ እንከለዉ፥

ፍቱዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣመሪካውያን፥ እቲ ኣብ ሃገርኩም ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ንመቕተልቲ ጆርጅ ፍልይድ ስዒቢ ዝተኣታተው ዘሰክፍ ኩነትን፡ ዝፈጥሮ ዘሎ ስቓይን ብቐረባ ዝከታተሎ እዩ፡ ፍቱዋት አዕሩኽ፡ ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ዓይነተ ኣድልዎ ብዘርእን ዓሌታውነትን ምንጻልን የዕንትና ከዲንና እናረኣና ከምዘይረኣና እናኾንና ሕይወት ክቡርን ቅዱስን እዩ ቢልና ክንከላኸል ዘይከኣል እዩ፡ ብተመሳሳሊ መልክዕ እውን፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዝርአይ ዘሎ ዓመጽ ርእሰ ዕንወትን ርእሰ መጉዳእትን ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሳይንት ፖውልን ምኒኣፖሊስን ብጠቕላላ ኣብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ጆርጆ ፍሎይንድ ምእንቲ ኩሎም ብምኽንያት ኣድልዎ ብዘርኢ ዝተቐትሉን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋተሞምን ኣብ እተቕርቦ ጸሎት እሓብር፡ ምእንቲ ምጽንናዕ ኣባይቲ ስድራ ጆርጅ ፍሎይድን መሓዙትን ምእንቲ ብሔራዊ ዕርቅን ሃረር እንብሎ ሰላምን ንጸልይ፡ ኣብታ ሃገር ምእንቲ ፍትሕን ምእንቲ እቲ ሃረር እንብሎ ሰላም ዝዓዩ ኩሎም ዜጋታት ቅድስቲ ድንግልማርያም ዘጓዳሉፐ እመ ኣመሪካ ተማልድ!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅድም ክብል ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ብዘይ ምቁጽራጽ ፍትሒ ብምንቕቓሕ ጽልእን ኣድልዎ ብዘርእን ፈጺሙ ክጥፍእ፡ ቅድም ቀዳድም ካብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ልቢ ክውገድ ከምዘለዎ ጻውዒት ኣቕሪቦምን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፍሎይድ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት ኮኒኖም ኣብቲ ናይ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ማሕበረሰብ ስቓይን ሓዘንን ከምዝሓብሩን ኣተሓሒዞም እውን እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ናብ ዓመጽን ካልእ ህልቂትን ዝመርሕ ክኸውን ከምዘይብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ኣዘኻኪሩ፡ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ኣብ ብዙሓት ናይታ ሃገር ከተማታት ዝረአይ ዘሎ ንሓይሊ ጸጥታ ዝቃወም ሕዝባዊ ናዕብን ዕግርግርን ጐነጻዊ ብምዃኑ ምኽንያት ካልእ ሞትን ማእሰርትን ይኸውን ከምዘሎን ኣብ ኣርብዓ ከተማታት ኣዋጅ እቶ እቶ ከምእተደንገገ የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣድልዎ ብዘርኢ ከም ቅቡል ክሕለፍ የብሉን፡ ዓመጽ ኣይሀሉ
03 June 2020, 13:43