ድለ

ጳጳሳዊ ማሕበር ምትሕጋግዝ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኦት ትርጉም ሕይወት ንክረኽቡ ይደግፍ! ር.ሊ.ጳ

ብፖንቲፊካል እስኮላስ ኦኩረንትስ ዝፍለጥ ንምሕጋዝ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝቆመ ጳጳሳዊ ማሕበር ደገፍ ንዓለምለኸ ዕለት ኣከባቢ ምኽንያት ብምግባር ብመራኸቢ ብዙሓን ጉባኤ ከምዘካየደን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ መተባብዒ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ከምዝሰደዱሎምን ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን

ዓለምለኸ ዕለት ኣከባቢ ዓመት ዓመት ዕለት ሓሙሽተ ሰነ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጉባኤታትን ኮንፈረንስታትን ብምክያድ ይዝከር ነሩ። ሎምዘመን ግን ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ምንም ከምኡ ክግበር ስለዘይተኻእለ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ጳጳሳዊ ማሕበር ኣብ ዓለም ምሉእ ንዝርከቡ መንእሰያትን ወለዶምን መማህራኖምን ዘሳትፍ ብመራኸቢ ብዙሓን ጉባኤ ኣብ ዕለቱ ኣካዩዱ።  ቅዱስነቶም እውን ንጉባኤኛታት ዝኸውን  ምትብባዖም ዝገልጽን ደገፎም ከምዘይፍለዮም ዘመልክትን መልእኽቲ ብቪድዮ ከምዚ ክብሉ ኣመሓላሊፎም።

ሎሚ ነቲ ነዚ ክንገብር ዝደፋፍኣና ነገር ካብ ንግንዘብ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ነዛ ማሕበር ሕውነት ማሕበር ኣሕዋትን ኣሓትን ዝኾነት ማሕበርኩም ሰላምታ ከቅርብ ዓቢ ሓጐስ ይፈጥረለይ። እዚ መደብ እዚ ዳርጋ ብዘይመደብ ዝተጀመረ መደብ ክብሎ እደፍን። ከመይ ብክልተ ኣብ ቅልውላው ዝነበሩ መማህራን እዩ ጀሚሩ። ሽሕ’ኳ እቲ ቅልውላው ገለ ጸገማት እንተገደፈ ኲሰኰሳን ትምህርትን ንሕዝብታት ከምዝተሓባበሩ ብምግባር ትርጉም ሕይወት ከምዝርድኡ ገሩ ጽባቄ ሕይወት ገሊጹ። ስለዚ ቅልውላውን ጽባቄን ኢልና ክነወዳድሮ ንኽእል ኢሎም።

ቅልውላውን ጽባቄን!

ቅዱስነቶም ወትሩ ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ መልእኽታት ከምዝገብርዎ ነቲ መልእኽቶም ዝሰምዑን ብቪድዮ ዝከታተልዎምን ሠለስተ ነገራት ክሕዙ የዘኻክሩ። ኣብ ናይ ፈደሪኮ ፈሊኒ ዝበሃል ፊልም ዝርከብ ዓሻ ሥነ ጥበባዊ ቅብዓ ካርቫጆ ዝሰኣሎ ጸዋዕታ ማቴዎስ ወንጌላውን ኣብ ድርሰት ዶስቶቭሽኪ ዝርከብ ደንቆሮ ወይ በሃም ብቋንቋ እንግሊዝ ዘ ኢድዮት ዝብላን ዘክሩ ድሕሪ ቢሎም ሠለስቲአኤን እዘን ታሪኻት እዚአን ብዝተፈላለየ መንገዲ ደኣ ይገለጻ እምበር ታሪኽ ቅልውላው እየን። ሠለስቲኤን ደቂሰባት ብሃንደበት ንቅልውላው ዝህብዎ መልሲ የመልክታ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ብምቅጻል ቅልውላው ወትሩ ንኩሉ ሓማሺሹ ከምዘዕነወና ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ንካልእ ሓዲስ መንገዲ ክፉታት ከምእንኸውን ይግበረና። ስለዚ ከኣ እዩ ቅልውላው ጥዑይ ምእላይ እንተዘይተገሩሎም ከዕንውና ይኽእሉ ሓደገኛታት ይኾኑ ከመይ ደቂሰባት ሃንደበታዊ ቅልውላው እንከጋጥሞም ማኣዝኖም ይስሕቱ። ስለዚ ማንም ወዲሰብ በይኑ ንቅልውላው ክገጥሞ ከይፍትን ወላውን ንኣሽቱን ግላዊ ጉዳያትን እንተመሰሉ ብውልቂ ወይ በይኖም ናብ ቅልውላው ኪኣትው ኣይክእሉን ኣዮም።

ኣብ ቅልውላው ፍርሒ ይወረና። ንገዛእ ርእስና ኣብ ብሕትውና ንዓጹ። ባዶሽ ይስመዓና ትርጉም ሕይወትና ነጥፍእ ንሕባእ ነቲ ዘሎ ዝኾነ ጽቡቅ ነገር ክንርእዮ ኣይንኽእልን። ዳርጋ እቲ ቅልውላው የዕውረና። በዚ ከኣ ዶስቶይቭስክይ `ጽባቄ ንዓለም ከድሕን እዩ` ዝብለና። እዚ እስኮላስ ዝብል ጳጳሳዊ ማሕበር ካብ ቅልውላው እዩ ተወሊዱ። እንተኾነ ጸላኢ ፈጢሩ ተጻይ ዘሎ ኩነታትን ባህልን ኪቃለስ ቅልጽሙ ኣይኣልዓለን ኢዱ ኣጣሚሩ እውን ኰፍ ኣይበለን እንታይ ደኣ እጅገኡ ሰብሲቡ ኣብ ልቢ መንእሰያት እንታይ ከምዘሎ ንክሰምዕ እዝኑ ጸልዩ ጽን ክብል ጀመረ። ከመይ ኲስኰሳ ወይውን ትምህርቲ ብዛዕባ ነገራት ምፍላጥ ጥራይ ኣይኮነን ኣንታይ ደኣ ጽን ምባል ከምኡ እውን ባህልታት ፈጢርካ ሥርዓታት ኣበዓዕላ ምፍጣር እዩ።

ኲስኰሳ - ትምህርቲ!

ቅዱስነቶም ቀንዲ ትርጉም ኲስኰሳ እንክገልጹ ኲስኰሳ ወይውን ትምህርቲ ብዛዕባ ነገራት ምፍላጥ ጥራይ ኣይኮነን ኣንታይ ደኣ ጽን ምባል ከምኡ እውን ባህልታት ፈጢርካ ሥርዓታት ኣበዓዕላ ምፍጣር እዩ። እንተደኣ ኲስኰሳ ወይ ምምህርና ጽን ክብል እንተዘይክኢሉ ምንም ክምህር ምንም ክኲስኲስ ኣይክእልን። ሓቀኛ ኲስኰሳ ቋንቋ ሓሳብን ቋንቋ ስምዒትን ቋንቋ ተግባር ኣወሃሂዱ ክኽእል ኣለዎ በዚ ከኣ ቋን ቋ ኣእምሮ ቋንቋ ልብን ቋንቋ ኣእዳውን ክዛረብ ይኽእል። ነዚ ክገብር እንተኽኢሉ ዓለምለኸ ቋንቋ ስለዝመለኸ ዓለምለኸ ርክብ ማሕበራት ዝመለልይኡ ዓለምለኸ ማሕበር ርክብ ክፈጥር ይኽእል ኢሎም።

ዓለምለኸ ማሕበር ርክብ!

ቅዱስነቶም እዚ ጳጳሳዊ ማሕበር እዚ ካብ ዝምሥረት ዝተዓዘብዎ ሓደ ክልተ ነገራት ይጠቅሱ እሞ ልዕሊ ኩሉ ዝመሰጦም ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዝተራኸበኡ ተማህሮን መማህራንን ኣብዚ ማሕበር እዚ ብሓባር ክመሃሩን ክጻወቱን ክስዕስዑን እንክብዕዘብ ከም ኦም ኣውሊዕ ኰይኖም ይረኣዩኒ። ነዚ ከኣ ኣብ መንጎ ምሥራቅን ምዕራብን ክፍልታት ዓለምና ናይ ርክብ ባህሊ ብምፍጣር እዮም ዝገብርዎ ኢሎም። ከመይ ሕጻናትን መንእሰያትን ነንሕድሕዶም ሕልምታቶምን ተመኲሮትቶምን ክለዋወጡ እንከለው ዓቢ ዓወት እዩ። ምናልባት እዚ ነገር እዚ እንተዘይተፈጺሙ ሡር መሠረት ኣይክህሉን እዩ ታሪኽ ኣይክህሉን እዩ ተስፋን መብጽዓን ኣይክህሉን እዩ ብሓጺሩ ዕብየትን ግስጋሴን መጻእን ትንቢትን የለን ማለት እዩ ኢሎም። ስለዚኸስ ይብሉ ነፍሲወከፍ ተመሃራይ ናይ ኩሉ ነገራትን ናይ ኩሉ ቋንቋታትን እምነታትን ባህልታትን ኰይኖም እቲ ዘጽንዕዎ ሓደ ነገር ዘይኮነ ሕይወት ብዓንዲ ርእሱ ምዃኑ ክርድኡ ኣዘኻኺሮም።

ቃላት ምትብባዕ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ከምቲ ኣብ ቀንዲ መልእኽቶም ዝገበርዎ ነተን ሠለስተ ቃላት ምስጋና ትርጉም ጽባቄ እንክብሉ ደጊሞም ከይርስዕወን ብምዝኽኻር ከምቶም መሥረቲ ናይቲ ማሕበር ንኩሉ ብነጻ ዝዓደሉ ንሕናው እውን ምዝራእናን ምዕጻድናን ብምቅጻል ንዝኾነ ቅልውላው ክንምክት ስንድዋት ብምዃን ብሓባር ንገስግስ ብሓባር ንስሓቅ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።

እዚ ጳጳሳዊ ማሕበር እዚ ብዓለም ለኸ ደረጃ ንተመሃሮ ብተክኖሎጂን ብእስፖርትን ብናይ ሥነ ጥበብ ተበግሶን ብምውህሃድን ምትእስሳራት ብምፍጣርን ኲስኰሳን ትምህርትን ንምድንፋዕን ባህሊ ርክብ ንምፍጣርን ዝዓለም ኰይኑ 190 ሃገራት ዝሓቈፈ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኣብያተ ትምህርቲ ብዙሕ መርባባት ኩስኰሳን ዝሓዘ ምዃኑ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

06 June 2020, 12:15