ሽሕ'ኳ ቅልውላው ዘመንና ክንምብርከኽ እንተፈተነና ዓቢ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣሎና! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ዘመኑ ከምዝእዝዞ ማለት ድሕረ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ኩሉ ሕዝባዊ ርክባት ዝግበረሉ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ከይተረፈ ተረሓሓቂካን ብዙሕ መከላኸሊ ገርካን ስለዝብል ኣብ ሜዳ ዝመስል ቤተክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ሓምሳ ዝኾኑ ምእመናን ተራሓሒቆም ከምኡ እውን ቅዱስነቶም ምሳኦም ዝቅድሱን ዘገልግሉን መዘምራን ብውሑድ ቁጽሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝዓረገሉ በዓለ ጰራቅሊጦስ ካብ ዘዘኻኽረና ቀንዲ ኣብ ብዙሕነት ዘሎ ሓድነት ምዃኑ ዝገልጹ ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ኣብ ጽርሓ ጽዮን መንፈስ ዝሃቦ ጸጋ በብሓደ ተንቲኖም።
ብዙሓት ግን ሓደ (ዝተወሃሃደ)
ከምቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ተገሊጹ ዘሎ እቶም ስብከት ቅዱስ ጴጥሮስ በብቋንቋኦም ክሰምዑን ክርድኡን ዝኸኣሉ ንሕና ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዝመጻእና ቋንቋናን ባህልናን ዝተፈላለየ ከመይ ቢልና ኢና ብሓደ ክንርድኦም ንኽእል ዘሎና ኢሎም ዝተገረምዎ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ብዙሕነት ዝፈጥሮ ሓድነት ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ኣብዚ ዘመንና ወሪዱና ካብ ዘሎ ዓበይቲ ፈተናታት ሓደ ነፍሲወከፍና ብሞትን ሕየትን ሓሳበይ ርእይቶይ እንተዘይኮኑ ክቃለስ እየ ብዝዓይነቱ ኣብ ቤተክርስትያን ምክፍፋል ክፈጥሩ ካብ ዝፈታተኑን ካም መንፈስ ዓለምን መንፈስ ቅዱስ ክረድኣና ከምቲ ናይ ሽዑ ሎሚ እውን ሓድነት ውህደት ክህበና ከመይ መንፈስ ቅዱስ ሥራሑ እዚ እዩ ኢሎም።
ብመንፈስ ቅዱስ ዝተለሰነ ሕዝቢ
ብኣምሳል ሕዝበ እስራኤል ከም ቅዱስ ሕዝብን ከም ሕዝበ እግዚአብሔርን ካህናትን ዝቆመት ቤተክርስትያን ቀንዲ መለለዪኣ ኩልና ደቂ እግዚአብሔር ኩልና ማዕረ ኩልና ሓደ ኰይኑ ግን ነፍሲወከፍ ነናቱ መንነት ዝሓዘ ኢና። ነዚ ፍልልይ እዚ ኣወሃሂዱ እዩ መንፈስ ቅዱስ ሓድነት ቤተክርስትያን ዝፈጥር ነዚ ከኣ ኣብታ ኣብ ጽርሓ ጽዮን ድሕሪ ርደተ መንፈስ ቅዱስ ዝተመሥረተት ቤተክርስትያን ንዕዝቦ። ከካብ ከባቢኡ ዝመጹ ገርሀይናታት ሕዝቢ ንኩሎም ናብ ሓደ ጨፍሊቁ ኣይለወጠዎምን ነፍሲወከፍ ከከም ዘለዎ ተቀቢሉ ኣዋሃሂድዎም እዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ቀቢእዎም ንኩሉ ለሲንዎ ለኽይዎ። ቅብዓ መንፈስ ቅዱስከስ ከም ዘሎኻዮ ኰንካ ምስቲከምዘለዎ ዘሎን ዘላን ኣሕዋትን ኣሓትን ሓደ ንኸውን። ብዕለተ ጰራቅሊጦስ ሓዋርያት ዝተረድእዋ ቀንዲ ነገር እንተላ ሓደ ዝገብር ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ነበረ። ኩሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዝተፈላለየ ቋንቋታት እናተዛረቡ ሓደ ሕዝቢ ክቀውም ሕዝበ እግዚኣብሔር ክፍጠር ብመንፈስ ቅዱስ ክልሰን ኣብ ብዙሕነት ሓድነትን ውህደትን ክፍጠር ብዓይኖም ርእዮሞ። ከመይ መንፈስ ቅዱስ ውህደት እዩ።