ድለ

2020.05.29 መብጽዓ ደናግል 2020.05.29 መብጽዓ ደናግል 

ሕገ ምንኲሰና ደቂኣንስትዮ ብተነጽሎን ጽሞናን ተዋሒጡ ኣብ ዘሎ ዓለምና ፍቅሪ የውሕዝ! ር.ሊ.ጳ

ብኦርዶ ቪርጂኑም ዝፍለጥ ኣብቲ ጥንታዊ ልማድ ቅዱሳት ውፉያት ኣንስቲ ልማድ ተመርኲሱ ሕገ ምንኲሰናን ወፈያን ደቂ ኣንስትዮ ብምሥራዕ ኣብ ዓለም እናነበርካ ናይ ዓለም ከይኮንካ ንዓለም ብርሃንን ጨውን ንምዃን ዝተመስረተ ማሕበር ኰይኑ ንካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተኸቲሉ ኣብ ሰነድ ሥርዓተ ኣምልኾ ፍሉይ ናይ ወፈይ ሥርዓትን ጸሎትን ዝተገብረሉ ኰይኑ ቤተክርስትያን ነቲ ሥርዓት ካብ ትእውጅ ድሮ ሓምሳ ዓመት ሓሊፉ ብኣሽሓት ዝቊጸራ ደቂኣንስትዮ ንርእሰን ተቀዲሰን ናይ ቅድስና መጋበሪ ኰይነን ይርከባ። ኣብዚ ዝኽሪ እዚ ቅዱስነቶም ነቲ ክርስቶስ ምስ ቤተክርስትያኑ ከም መርዓውን መርዓትን ዘለዎ ምትእስሳር ብምዝካ እዘን ደቂኣንስትዮ እዚኤን ናይ ምሕረትን ብስለት ሰብኣውነትን ኰይነን ንኩሉ ሥቃይ ክሳገራ ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም መሠረት ሓዋርያነት ዝኾነት እታ መጀመርያ ኣብ ልባ ጸኒሓ ኣብ ከርሣ ንቃል ኣምላኽ ዝጸነሰት ኣብ ሃገረ ናዝሬት ዝበቈለት ቅድስት ድንግል ማርያም መሠረትን ኣብነትን ናይዘን በዚ ሕገምንኲስና እዚ ርእሰን ንጐይታ ብምሉኡ ብምውፋይ ዝነብራ እውን ንሳ ምዃና እንክገልጹ እቲ ምኽንያታት ብዙሕ እኳ እንተኾነ እቲ ትምህርቲ ዝኸውን ግሁድ ጒዳያት ግን በታ ድሕሪ ብሥራት ናብ ቤት ዘካርያስ ምስ ከደት ብመንፈስ ቅዱስ መሊኣ ዝደረሰቶ ነባሪ ጸሎት ማለት 'ተዐብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ` ብዝብል ትሑትና ዝተላበሰ እምነትን ኣገልግሎትን ጀሚሩ ንምሉእ ቃለ ወንጌል ብሱቊታ ዝነበረትን ዝመስከረትን ገና እውን ሕያው ኣደ ቃለ ወንጌል ዝኾነት ነዘን ውፉያት ኣሕዋትን ኣደታትን እውን ምንጪ ሓጐስን ስለዝኾነት ናብኣ ከተኩሩ ሓደራ ኢሎም። እዘን ውፉያት ኣደታትን ኣሕዋትን እዚአኤን ንቤተክርስትያን ብተግባር ክምህሮኦ ዘለወን ከምቲ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ትሕትና ተላቢሰን ድኻታት ምፍቃር ንተኣፈፍቲ ወገና ረድኤት ምብርካት ንኩሉ ነገር ግልጽነት ብዝዓሰሎ መንፈስ ምግባር ካብ ሕሜት ርሒቀን ንዝኾነ ናይ ሥልጣን ዓመጽ ክከላኸላ ኣለወን ኢሎም።

ከምቲ ኣብ መባእታ ዝበልናዮ እዚ ብኦርዶ ቪርጂኑም ዝፍለጥ ኣዋጅ እዚ ንካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ሰነድ ሥርዓተ ኣምልኾን ለበዋ ኣበውን ተኸቲሉ ብሠናይ ድሌት ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ሎሚ ሓምሳ ዓመት ይገብር በታ የማነይቲ ኢድ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጉዳይ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኾነ ንመለኮታዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትከታተል ማሕበር ተኣወጀ። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ፍጻሜን ንቤተክርስትያን ዘበርከቶ ዓቢ ትዕድልትን እንክዝክሩ `እቲ ንኩሉ ነገራት ወትሩ ዘሐድስ መንፈስ ቅዱስ ነታ እምንቲ መርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ዓቢ ጸጋ ዓዲልዋ' እንክብሉ ነቲ ቅድሚኦም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብ2008 ነዚአን ሰብውፉይ ሕይወት ኣመልኪቶም `ጒዕዞ ዓለም ብትኽክል ዝሕብራ ከዋኽብቲ' ንዝበልዎ ብምድጋም ብሓቂ ኣብዚ ኩሉ ተሓዋዊሱ ቀውጢ ኰይኑሉ ዘሎ ዘመን እዘን ሰብ ውፉይ ሕይወት ከምተን ምስ እኖና ድንግል ማርያም ኰይነን ንኢየሱስ ዝስዕባን ዘገልግላን ዝነበራ ቅዱሳት ኣንስቲ ሎሚ እውን ንዓለምና ምልክት ተስፋን ምንጪ ሓጐስን እየን ኢሎም።

ምልክት ተስፋ!

ጉዳይ እምነትን ነገር መስቀልን ዕሽነት ኣብ ዝመስለሉ ዘመንና ብዙሓት ንውፍይ ሕይወት ከም ጸዋዕታ ክቅበላ ምምልካት ብሓቂ ምልክት ተስፋ ኰይኑ ናይቲ ኪዳኑ ዘይጠልም እግዚአብሔር እሙን ኣብ ቃሉ ምዃኑ ዘመልክት ኰይኑ ኣብዚ ዝተገልጸ ዘመንና እውን ኣብ ልቢ ገሊኤን ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ሃረርታ እዚ ማለት ኣብ ዓለም እናንበርካ ብድንግልናን ብንጽሕናን እናነበርካ ነቲ ጥንታዊ ጣዕሚ ቤተክርስትያን ኣብ ዘመንና ብሓዲስ መንገዲ ክነብራ ክመርጻ ዝኽእላሉ ጸጋ ምዕዳሉ ዓቢ ነገር እዩ እንክብሉ ከም ኩሉ ጸዋዕታታት ቤተክርስትያን እዚ ጸዋዕታ እዚ እውን ንሕሹዂታ መንፈስ ቅድሱ ተኸቲልካ ኣብ ከርሲ ቤተ ክርስትያን ንምዕንባብን ንምዕባይን ንምፍራይን ዝወሃብ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ብውህደት መንፈስ ቅዱስ ዝነብራሉ ጸጋ ማሕበር ሕውነት ደቂ ኣንስትዮ ከም ግቡእ ክነብራኦ ተማሕጺኖም። እዘን ኣደታትን ኣሕዋትን እዚኤን ነጸብራቅ ናይ ቤተክርስትያን ኰይነን ክነብራ እውን ጸዊዖም።

ነጸብራቅ ገጽታ ቤተክርስትያን!

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ክሓድር እንከሎ ከምቲ ጐይታ ዘተስፈዎ ብቀዳምነት ነቲ ንሱ ኣብ ልብና ዘንበሮ የዘኻኽረና ምስኡ ከኣ ንመጻኢ ዝኸውን ኩሉ እውን ብመንፈስ ትንቢት ስለዝዕድለና ቅዱስነቶም እውን ነዚ ብምድጋም ነዘን እዚ ጸጋ እዚ ዝተቀበላ 'ንብርሃን ትንቢት ጸዋዕታኹም ከይተጥፍኣ! ብመንፈዓትክን ወይውን ካብ ካልኦት ዝበለጽክን ኰንክን ኣይኮነን ዝተጸዋዕክን እንታይ ደኣ ብምሕረት እግዚአብሔር ብነጻ ዝዕደል ኣብ ሕይወትክን ገጽታ እግዚአብሔር ኣብታ መርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ከንጸባራቅ ከመይ ሽሕ`ኳ ብሓጢኣተኛታት ዝቆመት እንተኾነት ንእምነት ብሓድነት ዓቂባ ሓዲስ ሰብኣውነት ወትሩ ጸኒሳ እትወልድን እተዕብን ኢያ። ነዚ ተረዲኦም ከኣ እዮም ንመጽሓፍ ሥርዓተ ሕገ ምንኲስና ኣበው እንከሰናድው ነቲ ንሓጢኣተኛታት ናብ ጻድቃን ክልውጥ ዝኽእል ሓይሊ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኩሎም ከስተማቅርዎምን ክምስክርዎምን ዝተዓደለ እዩ ኢሎም።

ኣተኲሮ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት መነባብሮ!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ዝተማሕጸንዋ ነፍሲወከፍ ውፍይቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ብኣካል ክሳተፉ ኣብ ዘዘለዋኦ ኣከባቢ ከይተጋየሻ ብመነባብሮአን ምኽርታት ወንጌል ክምስክራ ከመይ ናይ ምሕረት ኣምላኽ ሰባት ኰይነን ኣብቲ ዝልውጥ ናይ ርሕራሔን ፍቅርን ሓይሊ መሰኻኽር ክኾና ከምዘለወን ኣዘኻኺሮም። ድንግልናዊ ምንኲስናኽን ቤተክርስትያን ንድኻታት ክተፍቅርን ንዋታውን መንፈሳውን ድኽነት ፈልያ ከተለሊ ነቶም ተኣፈፍትን ዝከላኸል ዘይብሎምን ክትረድእ ይሓግዛ። እዚኦም ተኣፈፍትን ዝከላኸል ዘይብሎምን እንብሎም ብሥጋውን ሥነ ኣእምሮኣውን ሕማም ዘሳቅዮም ናኣሽቱን ሽማግለታትን ኰይኖም ዓለምና ከም ዝውገንን ዘይጠቅምን ነገር ከጓንዮም ዝደናደን ሰባት እዮም ኢሎም። ኣብዚ ዘሎና ህልው ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ንብዙሓት ኣናዊጹ ኣሕዚኑ ብሕማምን ሳዕቤናቱን ንዝሳቀ ነቲ ሕይወት ዝመልኦ ቃል ወንጌል እናሰበኻ ንኩሉ ከጸናንዓ ናይ ታሕጓስ ምንጪ ኰይነን ክምስክራ እሞ ምልክት እታ መርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ኰይነን ጠመተአን ወትሩ ናብ ድንግል ማርያም ክገብራ ኣዘኻኺሮም። ምስዚ ኩሉ ከኣ ካብ ሓሜትን ቤላበለውን ርሒቀን ብቅንዕና ንኩሉ ብግሉጽነት ከገልግላ ተማሕጺኖም።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 June 2020, 12:49