ድለ

ቅዱስ ቊርባን ንቊስሊ ዝኽሪ ኣሕውዩ ሃረርታ ኣገልግሎት የጐሃህር! ር.ሊ.ጳ

ተኸሲቱ ብዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ከምቲ ዝተለምደ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንሰ ተቀዲሱ ክሳብ ቅድስ ማርያም ዓባይ ዑደትን ስግደትን ኣምልኾን ክንዲ ምግባር ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ውሱናት ሰባት ክበዓል ንዝተወሰነ ዝኽሪ ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ንምብዓል ኣብ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ቁርባን ብዝተፈላለየ ጸገማት ንዝቈሰሉን ዝዘኽተሙን ዝኽርታትና ፈዊሱ ብኣገልግሎት ኣሕዋት ንቅድሚት ከም እንግስግስ ይገብረና! ፈውሲ ኩሉ ጸገማትናን ዝተጓነፉና ጥልመታትን ኣብኡ እዮም ዘለው ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግዜኡ በጺሑ ምስቶም ናቱ ክሰናበት ኣብ ዝቀራረበሉ ዝነበረ ግዜ ንዝኽረይ ግበርዎ እንክብል ነታ ድሕሪ ትንሣኤኡ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ኩሉ ግዜ ምሳኹም ኣሎኹ ንዝበላ እተረጋግጽ ብምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ወትሩ ምዃኑ ኣረጋገጸልና። ዝኽርን ተዝካርን ክንብል ከሎና ኣሉታውን እወታውን ክኸውን ይኽእል። እቲ ኣዎንታዊ ንኩሉ ፈውሲ ተስፋ ኣስኒቁ እዚ እውን ኪሓልፍ እዩ ክንደይ ዘይሓለፈ ኢልካ ምናዳ ከምዚ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋ ዘስንቅ እሙን ቃልን ኪዳንን እንተለዎ ኸኣ ዝበለጸ ይኸውን ከምኡ እውን ከምቲ ናይ እስራኤላውያን ሙሴ ዝእዝዞ ነቲ እግዚአብሔር ዝገበረልካ ሠናይ ነገር እናዘከርካ ነዚ ካብ ገበረለይ ሕጂ እውን ዝገብረለይ ኣይስእንን እናበልካ ትጐዓዝ። እንተ ኣቲ ኣሉታዊ ግን ወግሔ ጸብሔ ቊስልታትካ እናሓኸኽካ ብሓዘን ተጐቢእካ ናብ ተነጽሎን ጓህን ተስፋ ቊርጸት ዝመርሕ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገደፈልና ዝኽሪ ኣዎንታውን ርግጸኛን ኰይኑ ነቲ ብዝተፈላለየ ቊስልታትን ጓህን ተረሚሱ ንዘሎ ዝኽርና እውን ዘሕዊ ንኩሉ ናብ ታሕጓስ ለዊጡ መንፈሳዊ ጥምየትናን ጽምእናን ዝዕንግል ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ኰይኑ ነዚ ዝኽሪ እዚ ብመልክዕ መሥዋዕተ ቅዳሴ እትሰርዖ ከኣ እት ሕድሪ ዝተቀበለት ቤተ ክርስትያን ስለዝኾነት ነዚ ወርቃዊ መዝገብ ኣብ ቤተክርስትያንን ግላዊ ሕይወትናን ቀዳምነት ሂብና ክንዕቅቦ ሓደራ ይብሉ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ።

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ዘዳ 8.2 ኰይኑ 'እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ዝመርሓካ ዅሉ መገዲ፡ ትእዛዛቱ እትሕሉ እንተ ዄንካ ወይ ዘይትሕሉ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኪፍትነካ ኢሉ ኸም ዘዋረደካ፡ ዘክር። ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር፡ ብእጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኼፍልጠካ፡ ንሱ ኣዋረደካ፡ ኣጥመየካ፡ ንስኻ ዘይፈለጥካዮ ኣቦታትካውን ዘይፈለጥዎ ማና ኸኣ ኣብልዓካ' ብማለት ንኩሉ እቲ እግዚአብሔር ዝገበረሎም ሠናይ ነገር እናዘከሩ ንእግዚአብሔር ካብ ምሕዛን ክቚጠብን ንውሉድ ወለዶ ነቲ ዝኽሪ እናኣመሓለለፉ በቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ተስፋን ዝኣተወሎም ኪዳንን ኪመላለሱ ይምሕጸኖም። ዝኽሪ ወይ ተዝካር ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ቅዱሰንቶም ካብዚ ናይ ብሉይ ኪዳን ዝኽሪ ናብቲ ዓቢ ዝኽሪ ናይ መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገደፈልና ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ዝፍጸም ዓቢ ተዝካር በዚ ዓቢ በዓል እዚ ብምዝኽኻር ምስ ዘሎና ኩነታት ብምግንዛብ ሽሕ'ኳ ለበዳ ኮቪድ 19 ነቲ ልሙድ ሥርዓታት ቅዳሴን ዑደትን ስግደት ቅዱስ ቊርባንን እንተከልከለ ከም ዝተኻእለና ብውሱን ክነብዕሎ ከሎና ክንዝክሮም ዘሎና ቀንዲ ነጥብታት ጠቂሶም። ብቀንዱ ከኣ ሰንሰለታት ምድግጋፍ ክነደፍዕ የድሊ ኢሎም።

ሰንሰለታት ምድግጋፍ!

ከም ሕዝበ እግዚአብሔር ሓድነትና ንምድንፋዕ ከምቲ ንባባት ዕለቱ ዘዘኻኽሮ ከም ሕዝበ እግዚአብሔር ዝተገብረልና ሠናይ ነገራት እንክንዝክር ንዘኽታም ዝኽርታትና ኣሉታዊ ዝኽርታትና ከምኡ እውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተዓጽዩ ዘሎ ዝኽርታትና ይፍውስ። ብዘይካዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ቅዱስ ቊርባን ብዘይካዚ ናይ ነገራት ጥሜትና ኣልዩ ናይ ኣገልግሎት ሃረርታ የጐሃህረልና።

“እዚ ዝኽሪ እዚ ካብቲ ደስኪልናሉ ዘሎና የበራብረና ክቅለቡ ዘለዎም ክፉታት ኣፋት ጥራይ ዘይኮና ንጥሙያት ብጾትና ክንቅልብ ኣኣዳው ከምዝኾና የዘኻኽረና። ሕጂ ህጹጽ ጉዳይ ኰይኑ ዝቀርበና ጥሜት መግብን ክብረት ደቂሰባት ዘጥቅዖም ስራሕ ብምስእን ዝጭንቁን ዕለት ዕለት ንቅድሚት ንክስጉሙ ዝጽገሙን ኣለው። ነዚ ጥሜታት እዚ ከምቲ ናይ ኢየሱስ እንጌራ ጭቡጥ ግብራዊ መልሲ ንሃብ። ሓቀኛ ቅርበት እየ እቲ ዘድሊ ቅኑዕ ሰንሰለት ደገፍን ምትሕግጋዝን የድሊ። ኢየሱስ ብቅዱስ ቁርባን ቅርበቱ ብተግባር ይገልጸልና ንሕና እውን ንጐረባብትና በይኖም ክንገድፎም የብልናን ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
14 June 2020, 22:23