ድለ

እግዚአብሔር ሓቀኛ ነቢያትን ሓነጽቲ ሓድነትን ክንከውን ይዕድም! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓል ኣዕኑድ ቤተክርስትያን ዝኾኑ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን እንክትዝክር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ 'ኩሎም ምእመናን ብወንጌል ክትንከፉን ሓቀኛ ተዋሳእቲ ትንቢቱ ክኸውን ከፍቅዱ ጽውዓት ምዃኖም ይዘክሩ፣ እዚ ከኣ ብዘረባ ዘይኮነ ብኣገልግሎት እዩ። ንዘለካ ኩሉ ብምውፋይ ሃንጺ ሓድነት ቤተክርስትያን ምዃን እዩ ጸዋዕታና` ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ግዜኡ ብዝፈቀዶ እቲ ሰዓቱ እኳ ናይ ወትሩ ሰዓት እንተኾነ ሎሚ ሰኑይ ዕለት 29 ሰን 2020 ዓም በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ንምዝካር ሰዓት 9.30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ውሱናት ውሉደ ክህነትን ምእመናንን መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉ ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ ኣብ ምጅማር ቅዳሴ ናይ ካርዲናላት ጉባኤ ዋና ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ሰላምታ ቀሪቡ። ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዙሕ ጸገማት እኳ እንተፈጠረ ቅዱስነቶም ፍሉይ ቅርበቶም ምስ ምእመናን መላእ ዓለም ምናዳ እቲ ካብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ንግሆ ንግሆ ከይተሓለሉ ብመሳዂቲ መራኸቢ ብዙሓንን ተለቪዥንን ነፍሲወከፍ ገዛ ክርስትያን ቤተመቅደስ ኣምላኽ ብምግባር ብጸሎትምን መጻናንዒ ቃላቶምን ንዘሰነይዎ ብምምስጋን ነቲ ብተግባር ንጽጉማት ንምሕጋዝ ዘቆሙዎ ናይ ደገፍ ተቊዋም እውን ብምዝካር ከምቲ ልሙድ ንሎምዘመን ኣክሚም ናይ ሊቀ ጵጵስና ክቅበሉ ንዝተወሰነሎም ንዝኸውን ክባርኹ እዚ ከኣ ምልክት ሓድነት ኣባግዕን ጓሳን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ወንጌል ምስ ተነበ ቅዱስነቶም እዞም ኣዕኑድ ቤተክርስትያን ዝኾነ ጴጥሮስ ጳውሎስን ሽሕ'ኳ ዝተፈላለየ ጠባይ እንተነበሮም ኣሕዋት ኰይኖም ምልክት ሓድነትን ትንቢትን ኰይኖም ወትሩ ንቤተክርስትያን ከምዝመርሑ ገሊጾም።

ጴጥሮስን ጳውሎስን ዝተፈላለየ ጠባይ ዘለዎም ኣሕዋት!

ቅዱስነቶም ናይዞም ክልተ ሓዋርያት ክልተ ጠባያት ንምግላጽ ሓድነትን ትንቢትን ክብሉ ኣብ ፍልልያቶምን ሕውነቶምን ዘሎ ጸጋ ንክልቲኦም እናኣወዳደሩ ሰቢኾም። ቅዱስ ጴጥሮስ ማንም ገፋፍ ዓሳ እንክኸውን ቅዱስ ጳውሎስ ግን ሊቀ ሊቃውንቲ ኰይኑ ካብ ፈሪሳውያን ፈሪሳዊ ምንባሮም ኣብ መንጎኦም ከኣ ዘካትዑ ነገራት ከምዘይተሳእኑ ገሊጾም። ከም ኣሕዋት እንክጐዓዙ ከም ጥምርቲ ሥድራኢበት ከኣ ክመያየጡን ክካትዑን ወትሩ ግን ንፍቅርን ሓድነትን እናኣደንፍዑ ነቲ ደስ ዝብለና ነገር ዘይኮነ ክነፍቅር ዝእዝዝ ጐይታ ትእዛዝ ተቀቢሎም ኣብ ፍልልያትና ሓድነት ንዘልብስ ፍቅሩ ንዘክር' ምስ በሉ እዚ ፍቅሪ እዚ ካበይ እዩ ዝውለድ ኢሎም ይሓቱ እሞ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀድማይ ንባብ ንስደት ቤተክርስትያንን ጸሎታን ዝገልጽ ጠቂሶም ነዚ ዚስዕብ ኢሎም።

“እታ ማሕበረክርስትያን ዳርጋ ርእሳ ዝትቆርጸት ትመስል ንሕይወታ ትፈርህ። ኣብ ሕሱም ግዜ ስደት ማንም ካብኦም ህይወቱ ከድሕን ኣይሃድምን እኳ ደኣ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ብምድግጋፍ ኣብ ጸሎት ይጽመዱ። ካብቲ ጸሎት ከኣ ትብዓት ይረኽቡ። ካብ ጸሎት ክንዮ ማንም ተጻብኦ ንሓደነት ዘደልድል ሓይሊ ይረኸቡ። እዚ ብሓቂ ዓቢ ትምህርቲ እዩ። ነቲ ስደትን መከራን ዘስዓበ ሄሮዱስ ይኹን ካልእ ጸገማት ማንም ኣይዝክሮን።”

ንዝኾነ ምጉርምራም ሰጊርካ ምኽኣል!

 ናይዛ ቀዳመይቲ ማሕበር ኣዎንታዊ ጒዕዞ ብዛዕባ እቲ ብርቱዕ ስደት ዘልዓለ ሄሮዱስስ ይኹን ካልእ ጸገማት ዘጉረምርም ወይውን ዝራገም ዝይምርኣይ እዩ። ኣባና ምልስ እንተበልና ኣብ ቊጽሪ ብዘይኣቱ ነገር ክንደይ ነጒረምርም ንጻረፍ ንራገም እንተ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያን ግን እዚ ኩሉ መጥፍኢ ግዜ ነበረ። ብዛዕባ ሕሉፍ ነገር ምጉርምራም ምንም ዓስቢ የብሉን እቲ ዝሓሸ ንቅድሚት ምግስጋስ እዩ። ብዙሕ ግዜ ምጒርምራም ዘምጽኦ ለውጢ የብሉን። ምጉርምራም እታ ንመንፈስ ቅዱስ ዕጽውቲ ዝኾነት ካልኣይቲ ዓንቀጽ ምዃና ንዘክር። እታ ቀዳመይቲ ከንቱነት መን ከማይ በሃልነት ወይውን ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቖል ዝብል ዝንባሌ ንመንፈስ ቅዱስ ከይመርሓካ መዓጾኻ ምርጋጥ ኰይኑ ካልአይታ ተስፋ ምቁራጽ ሳልሰይቲ ከኣ ንገዛእ ርእስኻ ኣትሒትካ ብምርኣይ ኣነ ኣይጠቅምን ዚዓይነቱ መንፈስ እዚ ከኣ ንምጒርምራም ማዕጾ ከፊቱ ኣብ ጸልማት ዓጽዩ ንመንፈስ ቅዱስ ከምዘይትኽፈት ይገብር። እዞም ዕውታት ክርስትያን ግን ነዚ ኢዶም ከይሃቡ ከየጉረምረሙ ከይተራገሙ ኣብ ጸሎት ይጽመዱ። ከመይ ንጴጥሮስ ካብቲ ዝሰብኮ ዝነበረ ኣሲሮሞ ስደት ኣልዒሎም ሕሱም ግዜ ነበረ። እቶም ዝተረፉ ምናልባት ጴጥሮስ ተጠንቂቁ እንተዝኸውን እምበይተኣስረን ንዓና ኸኣ እዚ ኩሉ መከራ እምበርይ ምወረደናን እናበሉ ከጉረምርሙ ይኽእሉ ነሮም እንተኾነ ምስ እግዚኣአብሔር ምዝራብ መረጹ ንሓድነታ ብጸሎት ንዓቅብ በሉ። ስለ ነንሕድሕድና ንጸሊ በሉ። መልሲ ናቱ ከኣ ነቲ ኣንቀጥቀጠ ንጴጥሮስ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኤ። በዚኸስ ጸሎት መንገዲ ሓድነት ይጸርግ እንክብሉ ስብከቶም ምስ ዛዘሙ ትርጉም ኣክሚምን ቅርበት ፓትርያርክ ቊስጥንጥንያን ኣዝኻኺሮም ሓቀኛ ትንቢት ከምዘድልየናን ንሓድነት ክንሓንጽን ብምዕዳም ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

29 June 2020, 17:48