ድለ

እንብሎን እንገብሮን በበይኑ ብምዃኑ ኩልና ንሓጥእ! ክብርና ዝመልሰና ጸሎት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ሎሚ ዕለት 24 ሰነ 2020 ዓም ነቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ጸሎት ንዝጀምርዎ ዙር ብምቅጻል ንልቢ ኣምላኽ ዝኾነ ዳዊት ከም ኣብነት ወሲድና ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ብጸሎት ክብርና ክነምልስ ከም እንኽእል ብሰፊሑ ቅድሚ ምትንታኖም ብትእምርተ መስቀል ነቲ መደም ጀሚሮም ካብ መዝሙረ ዳዊት 28 ተነቢቡ ነዚ ዝስዕብ ትምህርተ ክርስቶስ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም።

‘‘ዎ እግዚኣብሄር ሓይለይ፣ አፍቅረካ እየ። እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ፣ ዕርደይ፣ መናገፍየይ፣ ኣምላኸይ፣ ዝሀድመሉ ጸግዔይ፣ ዋልታይ፣ ቀርኒ ምድሓነይ፣ ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ። . . . ንመብራህተይ ተድምቖ ኢኻ እሞ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ንጸልማተይ የብርሆ እዩ። . . . እቲ ሓይሊ ዜዕጥቐኒ፣ ንመገደይ ከኣ ዜቕንዓ ኣምላኽ’’ (መዝ 28.2-3,28,32)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ብዛዕባ ጸሎት ኣብ እንገብሮ ዘሎና ዙርያ ትምህርተ ክርስቶስ ሎሚ ምስ ቅዱስ ዳዊት ክንራኸብ ኢና። ካብ ሕጻንነቱ ጀሚሩ ብእግዚአብሔር ዝተሓርየ ኰይኑ ንፍሉይ ተልእኮ ይጽዋዕ። እዚ ተልእኮ እዚ ኣብ ታሪኽ ሕዝበ እግዚአብሔርን ኣብ ታሪኽ ድሕነትን ቀንዲ ኣበርክቶ ይገብር። ኣብ ወንጌል ኢየሱስ ብዙሕ ግዜ 'ወዲ ዳዊት' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከም ቅዱስ ዳዊት ከኣ ኣብ ቤተልሔም ይውለድ። ከምቲ ኪዳን ተኣትዩሉ ዝነበረ እቲ መሲሕ ካብቲ ልቡ ከም ልቢ እግዚአብሔር ዝኾነ ዘርኢ ዳዊት ይውለድ። ንመደብ ድሕነት ብተኣማንነት ንምፍጻም ከኣ ንሰማያዊ ኣቦኡ ብፍጹም ተኣዝዞ ይውፈ (ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን 2579)።

ታሪኽ ዳዊት ኣብ ኩርባታት ቤተልሔም ኣባጊዕ ኣቦኡ እሰይ ኪጓሲ እንከሎ ይጅምር። ሕሳስ ልደ ብዙሓት ኣሕዋት ሕጻን ቈልዓ ነበረ። ነቢይ ሳሙኤል ብትእዛዝ እግዜብሔር ንጉሥ ዝኸውን ክቀብእ ምስ ከደ ንኩሎም ደቂ እሰይ ክቀብእ ፈቲኑ ኣብ መወዳእታ ኣቦኡ ዳርጋ ንእሽቶ ሕጻን እዩ ኢሉ ረሲዕዎ ዝነበረ (1ሳሙ 16) ሰብ እዩ። ኣብ በረኻ ኣብ ቃልዕ ይሰርሕ ነበረ። ዓርኪ ንፋስ ድምጽታት ተፈጥሮን ጩራታት ጸሓይን ክንብሎ ንኽእል። ንነፍሱ ንምጽንናዕ ሓንቲ ብጸይቲ ነበረቶ ንሳ ከኣ መሰንቆ ኰይና ኣብቲ በይኑ ዝኾነሉ ነዊሕ ሰዓታት ዕለት ብኣኣ ገሩ ንእግዚአብሔር ይዝምር ነበር። ብወንጭፍ ገሩ እውን ይጻወት ነበረ።

ዳዊትከስ ቅድሚ ዝኣገረ ጓሳ ነበረ። ብዛዕባ እንስሳ ዝግደት ኣብ ግዜ ሓደጋ ዝከላኸለለን መግብን ማይን ከይጐድለን ዝሓሊ ነበረ። ብፍቃድ እግዚአብሔር ንጉሥ ናይ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ክኸውን ምስ ተመርጸ እውን ካብዚ ዝፍለ ጉዳይ ኣይክገብርን እዩ ሓልዮት እዩ ዘቀድም። ስለዚ ኸኣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብነት ጓሳ ብዙሕ ግዜ ይደጋገም። ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ንባዕሉ 'ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ' እንክብል ጠባዩ ካብ ናይ ዝተዓስበ ጓስ ፍልይ ዝበለ ምዃኑን ሕይወቱ ስለ መጓሰኡ ከምዘወፊ ከምኡ እውን ነተን ኣባጊዑ ከምዝመርሐን በብሽመን ከምዝፈልጠን ይገልጽ (ዮሓ 10.11)።

በዚ ከምዚኸስ ዳዊት ካብቲ ቀዳማይ ሥራሕ ጒስነቱ ብዙሕ ነገራት ተማሂሩ። በዛዕባ እቲ ዝገበሮ ዓቢ ሓጢኣት ክገልጸሉ ብእግዚኣአብሔር ምስ ተላእከ ናታን ነቢይ እውን በዚ ኣብነት እዚ ገሩ እዩ ዘረድኦ (2ሳሙ 12)። ዳዊት ሽዑ ንሽዑ ሕማቅ ጓሳ ከምዝኾነ ይስቈሮ፣ ናይቲ ድኻ ዓርኩ እንኮ በግዕ ከምዝሓረደ ትሑት ኣገልጋሊ ንፉዕ ጓ ጓሳ ከምዘይኮነ እንታይ ደኣ ብጽምኢ ሥልጣን ዝሓመመ ሓደ ዕሱብ ዝቀትልን ፋሕ ብትን ዘብልን ምዃኑ ይግንዘብ።

ኣብ ጸዋዕታ ዳዊት ዝነበረ ካልኣይ ባህሪ ዝነበሮ ተውህቦ ሥነ ጥበብ ግጥምን ዜማን ነበረ። ካብዚ እንርድኦ ከምቶም ነዊሕ ግዜ ካብ ሕዝቢ ተፈልዮም በረኻ በረኻ ዝኸዱ ሃገርሰብ ብምባል ምንም ከምዘተማህረ እንግምቶ ከምዘይኮነ ንግንዘብ። ብዙሕ ዘውርድን ዘደይብን መዚቃን መዝሙርን ዝፈቱ ምዃኑ ንዕዘብ። መሰንቆኡ ወትሩ ካብ ኢዱ ኣይትፍለን ሓንሳእ ሓንሳእ እውን ጥዑም ማህሌት ምስጋናን ሓጐስን ንእግዚአብሔር ይዝምር ነበረ (2 ሳሙ 6.16)። ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ንዝስምዖ ሰቆቃው ወይውን ሓጢኣቱ ንክናዘዝ ይቁዝም ነበረ (መዝ 51,3)።

እቲ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዝነበረ ዓለምን ኩነታቱንከስ ትርጉም ኣልቦ ትርኢት ኣይነበረን። ክንዮ እቲ ፍጻሜታት ሓደ ዓቢ ምሥጢር ከምዘሎ ቆብ የብሎ። እቲ ጸሎታቱ ከኣ ካብዚ ይውለድ። ሕይወትን ትርጉማን እቲ ሸርታሕታሕ ክብ ዚሓልፍ ፍጻሜታት ዘይኮነስ ሓደ ዘደንቅ ምሥጢር ኰይኑ ኣብ ውሽጥኻ ሥን ጥበብ ግጥምን ዜማን ዝቅስቅስ ዘምር ዘምር ዝብል ኣመስግን ኣመስግን ዝብል ወይውን ቈዝም ቈዝም ምሕረት ለምን ዝብል ይመጸካ። ንሓደ ሰብ እዚ ክፍሊ ሥነ ጥበብ ግጥምን ዜማን ክጐድሎ እንከሎ ነፍሲ ወትሩ ምስ ሓንከሰት እያ። ስለዝኾነ ከኣ ትውፊት ንዳዊት ከም ደራሲ ናይተን ብመዝሙረ ዳዊት ዝፍለጣ መዝሙር ገሩ ይወስዶ። እዘን መዛሙር እዚኣን ኣብ ምጅማረን ብዛዕባ ንጉሥ እስራኤል ዝዛረባን ብዛዕባቲ ፍጻሜታት ሕይወቱ ማለት ዝነኣድን ዘይንኣድን ክፍልታት ዚዛረባ ይመስላ ነበራ።

ዳዊትከስ ሓደ ሕልሚ ነበሮ። ሕያዋይ ጓሳ ናይ ምዃን ሕልሚ ነበሮ። ነዚ ዓቢ ተልእኾ እዚ ሓንሳእ ሓንሳእ ይዕወተሉ ነበረ ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ይወድቅ ነበረ። እንተኾነ ኣብ ታሪኽ ድሕነት ኣገዳሲ ዝነበረ ንሱ ናይቲ ንሱ ጥራይ ዘበስሮን ኣምሳሉ ኸኣ ንሱ ጥራይ ዝኾነን ካልእ ትንቢታዊ ንጉሥ ከምዘሎን ነበረ።

እስኪ ንዳዊት ንጠምት! ብዛዕባኡ ነስተንትን! ሕይወቱ ቅርሕንቲ ዝመልኦ ነንሕድሕዱ ብዝጋጮ ኩነታት ዝተኸበት ነራ ማለት ዳዊት ከም ኩሎም ደቂ ሰባት ጻድቅን ሓጥእን ስደተኛን ኣሳዳድን ግዳይን ዓማጽን ነበረ። ዳዊትከስ እኩብ ድምር ናይዚ ኩሉ ኰይኑ እዚ ኩሉ ውዒልዎ እዩ። ንሕና እውን ኣብታ እንነብረላ ጉዕዞ ሕይወትና ነዘን ነገራት እዚአን ንውዕለን ኢና። ኩሎም ደቂሰባት ዝብልዎን ዝገብርዎን ብዘይምስምማዑ ይሓጥኡ። ኣብዚ ኩሉ ፍጻሜታት ኣብ ሕይወት ቅዱስ ዳዊት ንኩሉ ኣንጠልጢላ ካብ ምብትታን ትሕሉ ዝነበረት ሓንቲ ቀጣን ፈትሊ ነበረት እዚኣ ከኣ ጸሎት ነበረት። እዚኣ ድምጺ እዚ ፈጺማ ዘይትቅህም ድምጺ እያ። እቲ ጻድቅ ዳዊት ይጽሊ! እቲ ሓጥእ ዳዊት ይጽሊ! እቲ ዝስደድ ዳዊት ይጽሊ! እቲ ዘሳድድ ዳዊት ይጽሊ! እቲ ግዳይ ዓመጽ ዝኾነ ዳዊት ይጽሊ! እቲ ዓማጽን ቀታልን ዳዊት ይጽሊ! ጒዕዞ ሕይወቱኸስ እዚ ነበረ! ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ ናይ ጸሎት ሰብ ነበረ። እዛ ድምጺ እዚኣ ፈጺማ ክትቅህም ኣይትኽእልን እያ! ሓንሳእ ሓንሳእ ቃና ናይ ምስጋናን በዓልን ትወስድ ካልእ እዋን ናይ ሰቆቃውን ቊዘማን ኰይኑ ግን ወትሩ ሓንቲ ዓይነት ጸሎት ነበረት እቲ ቅኒት ጥራይ እዩ ዝልወጥ ዝነበረ። በዚ ከምዚኸስ ዳዊት ንኩሉ ጉዳያት ሕይውት ምስ እግዚኣአብሔር እናተዛተና ክንገብሮ ሓጐስ ይኹን በደል ፍቅሪ ይኹን ሥቃይ ዕርክነትን ምሕዝነትን ይኹን ሕማምን ቃንዛን ንኩሉ ኩሉ ምስ እግዚአብሔር ከም ቀረባ ዓርኪ 'ኣታ ኣምላኽ' እናበልካ ክትቀርቦ ንሱ ከኣ ወትሩ ከምዝሰምዕ ይምህረና።

ንብሕውትውና ካብ ምንም ንላዕሊ ዝፈልጥ ዝነበረ ዳዊት ፈጺሙ በይኑ ኰይኑ ከምዘይፈልት ይገልጸልና። ጸሎት ክብሪ ተልብሰካ ግርማ ሞጎስ ትህበካ! ዳዊት ከኣ ይጽሊ ስለዝነበረ ክብሪ ተዓደለ። እንተኾነ እቲ ዝጽሊ ዝነበረ ዳዊት ዓማጺ ቀታል ሰብ እኮ እየ ዝነበረ እንተበልኩም ይንሳሕ እቲ ዝነበሮ ክብሪ ኸኣ ሳላ ጸሎት ይምለሰሉ። ጸሎትከስ ክብሪ ተልብሰና።እዚ ከኣ ብሕያሊ ጸሎት ከምዝኾነ ኩሎም እቶም ነዚ ኣብነት እዚ ተኸቲሎም ኣብ ሕይወቶም ንእግዚአብሔር ቁሩብ ግዜ ዝህቡ ኣብቲ ዝግበር ሓርጐጽጐጽ ዝመልእኮ ጉዕዞ ሕይወት እግዚአብሔር ሓቀኛ ብጻይ ምዃኑ የረጋግጹ። ኣብዚ ሕሱማት ክነከውን ንኽእል ሕያዎት ክነከውን ንኽእል እንተኾነ ምንም ብዘየግድስ ከም ዳዊት ተነሲሕና ክንምለሰሉ እንኽእል እንኮ መንገዲ ጸሎት እዩ። በዚ ንጐይታ ወትሩ ክነመስግን የድሊ። ንዝኾነ ኣብ ሕይወትና ዝስመዓና ነገር ኣብ መነባብሮና ንዘጓንፈና ነገር ብጸሎት መፍትሒ ክንረኽበሉ ንኽእል። ፍርሂዶ ይወረካ ኣሎ 'ኦ ጐይታ ፍርህን ራዕድን ሒዙኑ ሓግዘኒ ጐይታየ' ቢልካ ጸሊ። ሓጢኣትዶ ወሪሩካ 'ኦ ጐይታ መሓረኒ ይቅረ በለልይ' እናበልካ ብሓጢኣትካ ተጣዒስካ ተነሲሕካ ጸሊ። ዳዊት እምነቱ ዓቢ ነበረ። ብተግባር ዝምህረና እነተሎ ኣብ ስደትን መከራን ኰይኑ ኪሃድንዎ እንከለው ሕይወቱ ከድሕን ክሃድም እንከሎ ማንም ክከላኸለሉ ኣይደለየን ነቲ ውርደትን መከራን ጽኑዕ እምነት ተኣንጊቡ ብትሕትና ክቅበሎ እንተሓሰመ ከኣ ነቶም ክከላኸሉ ዝፍትኑ ግደፉ ደኣ እግዚአብሔር ከምዚ ቢሉ ከትሕተንን ከዋርደንን ዝደለየሉ ምኽንያት ኣለዎ ንሱ ይፈልጥ` እናበለ በቲ ብጸሎት ዝረኸቦ ክብሪ ንኩሉ ኣብ ኢድ እግዚኣአብሔር ክገድፍ ጸጋን ሓይልን ረኺቡ። እዘን ኣኣዳው እዚአን ከኣ እተን ብፍቅሪ ዝሽንከራ ኣኣዳው ኢየሱስ ኰይነን ንዓና እውን ዘለዋና ብርግጽነት ንሓገዝና ተዘርጊሐን ዝጽበያና እዚአን ኣእዳው እዚኤን እየን እሞ ከም ዳዊት ንኩሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ንምግዳፍ እምነትን ትሕትናን ለቢስና ናይ ጸሎት ሰባት ንኹን።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 June 2020, 13:23