ድለ

ንሰባት ዘይምዂናን እኳ ደኣ ስለ እቶም ዓበይቲ ሓጢኣተኛታት ከም ሙሴ ምምላድ የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ብዛዕባ ጸሎት ንዝጀምርዎ ትምህርተ ክርስቶስ ንምቅጻል ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 17 ሰነ 2020 ዓም ኣማላድነት ሙሴ ብምትንታን ሎሚ ዘለው ጓሶት እውን ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሕዝቦምን መራኸቢ ድልድል ብምዃን ኣብ መንጎ መጉሲኦም ጠቢቆም ይንበሩ እንክብሉ ተማሕጺኖም።

‘ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለ ምንታይ ኵራኻ ኣብዚ ብዓብዪ ሓይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ይነድድ፧ ከመይከ ግብጻውያን፡ ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎም፡ ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ኬጽንቶም ንመከራ ኣውጽኦም፡ ኢሎም ዚዛረቡ፧ ካብቲ ነዳዲ ዅራኻ ደኣ ተመለስ፡ ካብቲ ንህዝብኻ ኽትገብሮ ዝሐሰብካዮ ኽፋእ ድማ ተጠዐስ። ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንእስራኤልን፡ ንኣታቶም፡ ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። እታ እተዛረብኩላ ምድሪ ድማ ብዘላ ንዘርእኹም ክህቦ እየ፡ ንዘለኣለም ከኣ ኺርስተይዋ እዮም፡ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሐልካሎም፡ ንባሮትካ ዘክር። እግዚኣብሄር ድማ ካብቲ ንህዝቡ ኺገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኽፉእ ተጣዕሰ’ (ዘጸ 32.11-14)።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ብዛዕባ ጸሎት እንገብሮ ኣብ ዘሎና መደብ ትምህርተ ክርስቶስ እግዚአብሔር ጸሎቶም ዝሰምዖም ንማለቱ ቢሎም ጸሎት ምስ ዝፍትኑ ሰባት ከምዘይዋሳእ ተመልኪትና። ሙሴ እውን ካብታ ፋለመይቲ መዓልቲ ጸዋዕታኡ ኣትሒዙ ቀሊል ሰብ ኣይነበረን። እግዚአብሔር ክጽውዖ እንከሎ ሙሴ ብኣዛራርባ ደቂ ሰባት ምንም ዘይሰልጦ ዘይዕውት ሰብ ይመስል ነበረ። ኦሪት ዘጸኣት እንክትርኽ ብኩሉ ፈሺሉ ኣብ ምድሪ ሚድያም ዝሃደመ ሰብ እዩ ዘቅርበልና። መንእሰይ ኣብ ዝንበረሉ ግዜ ንሕዝቡ ሠናይ ነገር ንክገብርን ንጭቑናት ንክከላኸልን ፈተነ የካይድ። እንተኾነ ብኡ ንብኡ ተጻይ ናይዚ ሠናይ ተበግሶ እዚ ካብተን ክልተ ኣእዳው ምፍሳስ ደምን ዓመጽን እንተዘይኮይኑ ሠናይ ነገር ክፍጸም ኣይርእን። በዚ ከምዚኸስ እቲ ኣብ ቤተመንግሥቲ ብክብሪ ልዕል ክብልን ተስፋ ዘለዎ በዓል ሥልጣንን ናይ ምዃን ሕልሙ ይቁጸ። ዝተዋህቦ ዕድል ዘጥፍኤ ውርደተኛ ኰይኑ ካብ ቤተመንግሥቲ ኣርሒቁ ሸፊቱ ኣብ ጒስነት ይዋፈር። እተን ዝጓስየን ዝነበረ ጥሪት ናቱ ኣይነበራን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ብሕትውና ኣብ ምድረበዳ ሚድያም እናጓሰየ እንከሎኸስ ኣብታ ትቃጸል ዝነበረት ዕጸ ጳጦስ 'ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ይስሓቅ ኣምላኽ ያዕቆብ እየ' እንበለ ይግለጸሉ። ሙሴ ነዚ ምስ ሰምዔ ድምጺ እግዚአብሔር ምዃኑ የለሊ እሞ ፍርሃት ይወሮ ገጹ ኸኣ ይሽፍን (ዘጸ 3,6)።

ኣብ ቅድሚ እቲ ከም ብሓዲስ ሓላፍነት ጒስነት/ሓለዋ ሕዝቢ እግዚአብሔር ክስከም ዝዕድሞ እግዚአብሔር ፍርሁን ተቋውሞኡን ይገልስ። ነዚ ተልእኮ እዚ ብቊዕ ከምዘይኮነ! ሽም እቲ ዝልእኾ እግዚአብሔር ዘይፈልጥ! እስራኤላውያን ከምዘይኣምንዎ! ኰልታፍ መልሓስ ከምዘለዎን እናዘርዘረ በጃኻ ካልእ ሰብ ልኣኽ እምበር ኣነስ ኣይክእሎን ክብል ይቋወም። ሙሴ ምስ እግዚአብሔር እናኵዋሳእ እናክጽሊ ካብ ከንፍሩ ዘይትፍለ ቃል ስለምንታይ ትብል ነበረት። ስለምንታይ ንዓይ ትልእኽ! ስለምንታይከ ነዚ ሕዝቢ እዚ ሓራ ክተውጽኦ ደለኻ! ይብል። ኣብ ሓምስቱ ብሔረ ኦሪት ማለት ኦሪት ዘፍጥረት ዘጸኣት ዘሁልቊ ዘሌዋውያንን ዘዳግምን እዚ ኣብ መንጎ ሙሴን እግዚአብሔርን ዝተገብረ ምጒትን ክትዕን ጐሊሑ ይረኤ። ክሳብታ ዝለዓለት መቅጻዕቲ ሙሴ ማለት ናብ ምድሪ ተስፋ ንከይኣቱ ዝተኸልከለላ ተመዝጊቡ ኣሎ (ዘኁ 20.12)።

ሙሴኸስ ትጠራጠር ልብን ፍርህን ይወሮ! ኣብ ከምዚ ዝበለ ሁመት ሙሴ ከመይ ቢሉ ክጽሊ ይኽእል! ሓደ ከማና ሰብ ኰይኑ ይቀርብ።  እዚ ፍጻሜ ንዓና እውን የጋጥመና ምጥርጣር ንልብና ክዕፍኖ እንከሎ ከመይ ቢልና ክንጽሊ ንኽእል! ጸሊ ዝብል እውን ኣይመጸናን።  በዚ ድኻምነት እዚ እምበር ብሓይሉ ምንም ከምዘይብሉ እተመልክት ነጥቢ እያ ከኣ እተደንቀና። ታሪኹ እንተተመልከትና ግን ንሕዝቢ ሕጊ እግዚአብሔር ክህብ ዝተላእከ ሥርዓተ ኣምልኾ ከመይ ከምዝፍጸም ዝተኸለ ልዑል ምሥጢራት ዝተቀበለ እንተኾነ ምስዚ ኩሉ ምስ ሕዝቡ ንዝነበሮ ምትእስሳር እውን ኣይበተኸን ምናዳ ኣብ ግዜ ፈተናን ውድቀት ሕዝበ እስራኤልን ኣብ ክንዳኦም ካብ ምምላድ ዓዲ ኣይወዓለን። ወትሩ ኣብ መንጎ ሕዝቡ ምስ ሕዝቡ ምስ ጠበቀ እዩ። ሙሴ ዝኽሪ ሕዝቡ ፈጺሙ ኣይረሰዔን። እዚ ከኣ ዕብየት ጓሶት ነፍሳት እዩ! ንሕዝብኻ ፈጺምካ ዘይምርሳዕ! ሱር መሠረትካ ዘይምዝንጋዕ! ነዚ ከኣ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ፍቊር መንእሰይ ጳጳስ ጢመቴዎስ 'ሡር መሠረትካ ዝኾና ኣደኻን ኣደ ዓባይካን ዘክር! ሕዝብኻ ዘክር' እናበለ ዝምሕጸኖ። ምስ እግዚአብሔር ዝነበሮ ዕርክነት ገጽ ንገጽ ምሳኡ ክሳብ ምዝራብ ኣኽኢልዎ (ዘጸ 33,11) ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ምስቲ ሕዝቢ ብዝነበሮ ዕርክነት ኣብ ሓጢኣት ኵወድቁ እንከለው ምእንታኣቶም ምሕረት እግዚአብሔር ይምህለል። እቲ ፈተነን ሓጢኣትን እስራኤላውን ካብ ክሕደት ጀሚርካ ናፍቆት ሽጒርቲ ግብጺ ደሚርካ ስለምንታይከ ኣብዚ ክንመውት ኣውጻእኩምና ክሳብ ምባል ዝበጽሕ ነቲ ዝተገብረ ዓበይቲ ተኣምራታት ነናሻዕ ምርሳዕ ዝተሓወሶ ነበረ።

ሙሴ ንእግዚአብሔር ኣይክሕድን ሕዝቡ እውን ኣይክሕድን። ምስቲ ብደም ዝተኣሳሰሮ ሕዝቢ ብቅንዕና ይተኣሳሰር ምስ ድምጺ እግዚአብሔር እውን ብቅንዕና ይተኣሳሰር። ምስ እዚ ኩሉ ግን ሙሴ መን ከማይ በሃሊ በዓል ሥልጣን ወይውን ጨቋኒ ኣይነበረን እኳ ደኣ ኦሪት ዘኁልቊ 'ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ' (12.3) እንክብል ይገልጾ። ምስቲ ዝነበሮ ክቡር ቦታን ልዑል ተልእኮን ሙሴ ብዛዕባ እቶም ብመንፈስ ድኻታት ካብ ምግዳስ ዓዲ ኣይወዓለን። እዞም ብመንፈስ ድኻታት ዝበሃሉ ኣብ እግዚአብሔር ብምትእምማን ዕለታዊ ጒዕዞኦም ዝፍጽሙ ዝነበሩ እዮም። ናይ ሕዝብኻ ሰብ ምዃን ማለትከስ እዚ እዩ።

በዚ ከምዚኸስ ቀንዲ ጸሎት ሙሴ ኣማልድነት ይኸውን (ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን 2574)። ኣብ እግዚኣአብሔር ዝነበሮ እምነት ከኣ ነቲ ህዝቡ ዘናብር ዝነበረ ኣባታዊ ሓልዮት ይገልጽ። ቅዱስ መጽሓፍ እንክገልጾ ኣኣዳው ንላዕሊ ንጸሎት ናብ እግዚአብሔር ሓፍ ዘበለ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን መራኸቢ ድልድል ገሩ ይገልጾ። ኣብ ዝኸበደ ግዝያት ውን ከይተረፈ ማለት ንሱ ትእዛዛት ንክኽቅበል ደብረሲና ኣብ ዝኸደሉ እቲ ሕዝቢ ንኣሮን ንዓ ጣዖት ስርሓልና ኢሎም ብወርቂ ምራኽ ሰሪሖም ክሕደት ክፍጽሙ እንከለው ሽሕ'ኳ በቲ ግብሮም እንተሓረቀ! ሕዝበይ እዮም! ሕዝብኻ እውን እዮም! እንክብል እግዚኣአብሔር ሕዝቡ ከምዘይሓድግ ስለዝተእእማመነ ብግምባሩ ተደፊኡ ናብ እግዚአብሔር 'ኣየ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ዓብዪ ሓጢያኣት ገበረ፡ ንኣታቶም ከኣ ኣማልክቲ ወርቂ ገበረ። ሕጂ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፡ እንተ ዘይኰነስ ካብቲ ዝጸሐፍካዮ መጽሓፍካ ሕከኸኒ' (ዘጸ 32,31) ክብል ተማሕጸነ። ሙሴ ንሕዝቡ ብዝርኢ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይኣቱን። ድልድል እዩ! ኣማላዲ እዩ! ኣብ ማእከል ሕዝብን እግዚአብሔርን ኣብ መንጎኦም ይቀውም። ሥልጣን ክረክብ ወይውን ዓቢ ሕዝቢ ክኸውን ሕዝቡ ኣይሸይጥን። ናብ ሥልጣን ዝመጣጠር ኣይኮነን እንታይ ደኣ ኣማላዲ! ስለዝሕዝቡ ስለ ኣዝማድ ሥጋ ስለ ታሪኽ ስለሕዝቡ ናብቲ ዝጸውዖ እግዚአብሔር የማልድ። መራኸቢ ድልድል ይኸውን። ስለዚ ከኣ እዮም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ፖንቶፊክስ ዝበሃሉ ፖንተ ካብ ዝብል ቋንቋ ላቲን ድልድል ቢንቶ መራኸቢ ማለት እዩ። ጓሶት ነፍስት ከስ ኣብ መንጎ ሕዝቦምን ጸዋዒዖም እግዚአብሔር መራኸቢ ድልድል እዮም። ልክዕ ከምቲ ሙሴ ስለ ሕዝቡ ዝጸለየ 'ኦ ጐይታ ሓጢኣት ሕዝብኻ ይቅረ በል ዘይትምሕሮም እንተኾንካ ካብ መጽሓፍ ስመይ ሕኸኽ። ኣነ ሥልጣን ኣይደልን ሕዝበይ እየ ዝደሊ` ክብሉ ኣለዎም።

ሓቀኛታት ኣመንቲ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወቶም ዘዘውትርዋ ጸሎትከስ እዚኣ እያ። ዋላውን ጉድለታት ሕዝቦም እንተዓዘዘ ካብ እግዚአብሔር እውን እንተረሓቀ ከምዚኦም ዓይነት ጸለይቲ ኣይኩንኑን ኣይገድፍዎምን እውን። ዝንባሌ ጸሎት ኣምላድነትከስ ብኣምሳል ኢየሱስ ናይ ቅዱሳን እዩ። ኣብ መንጎ እግዚአብሔር ሕዝቡን ከም መራኸቢ ድልድል እዮም። በዚ ከምዚኸስ ሙሴ ዓቢ ነቢይ ናይቲ ጠበቃናን ኣማላዲና ዝኾነ ኢየሱስ ኰይኑ ክንብሎ ንኽእል (ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን 2577)። ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ መንጎናን መንጎ እግዚአብሔር ኣቦናን ፖንቲፈክስ ኢየሱስ እዩ። ኢየሱስ ስለና የማልድ ንእግዚአብሔር ኣቦኡ ነቲ ስለና ዝቈሰሎ እናኣርኣየ ዝኸፈልኵዎ ዋጋ እዚ እዩ ኣቦየ መሓሮም እናበለ ስለና የማልድ። ናይዚ ሎሚ ስለና ዝጽሊ ኢየሱስ ኣምሳል ከኣ ሙሴ እዩ።

ሎሚ ሙሴ ንዓና ዘቅርበልና ጻዊዒት እንተልዩ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ገርና ስለ መላእ ዓለም ክነማልድ እዩ። ኩሎም ደቂ እግዚአብሔር እዮም! እቶም ዝሓሰሙ ሓጢተኛታትስ ይኹኑ ልዕሊኦም ክፍኣተ ግብሪ ዝፍጸም ዘየለ ከምኡ እውን እቶም ብብልሽውና ዝተቆማጥዑ ኣመሓደርቲ ኩሎም ደቂ እግዚአብሔር እዮም ኢየሱስ ከኣ እዚ ስለዝስምዖ ስለኩሎም የማልድ። እዚ ዓለምና ምስቲ ኩሉ ድኻምነት ወትሩ ናይ እግዚአብሔር ምዃኑ ክነዘኻኽር ክነማልድ ይደፋፍኣና። ዓልመን ዝነብረሉን ዝምዕብለሉን ቀንዲ ምኽንያት ምስጋና ነቲ ጻድቅ ቡራኬ ከምኡ እውን ኣብ ነፍሲወከፍ ቦታን ኣብ ነፍሲወከፍ ክፍሊ ታሪኽን ስለ እቲ ጻድቃን ስለደቂሰባ ዘቅርብዎ ኣማላድነት እዩ። እዚ ንዓለምና ሒዙ ዘሎ ናይ ልመና ጸሎት ቅዱሳን ጻድቃን ኣማለድቲ ከምኡ እውን ካህን ኣቡን ር.ሊ.ጳ ዝተጠምቀ ማንም ምእመን ኩሉ የማልድ።ሃየ እምበር ብዛዕባ ኣማላድነት ሙሴ ነስተንትን። ሓደ ሰብ ኣቈጢዑና ኣብ ውሽጢ ልብና ናይ ኩነኔ ሓሳብ እንክመጸና ስለኡ ነማልድ። ምቁጣዕ ጽቡቅ እዩ የበራብር ኩነኔ ግን ኣይፋል! እዚ ብዙሕ ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 June 2020, 11:13