ድለ

ፍራንቸስኮ፡ ናይ ሕልና ናጽነት መዓዝን ኣበይን ወትሩ ይከበር

ኣሪስቲደስ በቲ ዝገብርዎ ዝነበር ንኹሉ ናይ መእተዊ ፍቓድ ምዕዳል ተግባር ካብ መንግስቶም መጠንቐቕታ ከምዝተመሓላለፎም፥ “ኣይእዘዝን ክብል እንተድኣ ኮይኑ ካብ ንናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝ ንናይ ሰብ ትእዛዝ ኣይዘዝን ምባል እመርጽ” ከምዝበሉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ሰነ 2020 ዓ.ም.  ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ዕለት 17 ሰነ ዓለም ሓቆፍ “ናይ ሕልና ናጽነት” መዓልት ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ እዛ መዓልቲ’ዚኣ ፖርቱገዛዊ ናይ ስነ ረኪበ መንግስታት ኣካል ዝነበሩ  ኣሪስቲደስ ደ ሱሳ መንደዝ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ዕለት ምዃኑን ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን “ብቕኑዕን ብቃለ እግዚኣብሔር ብዝተኾልዔ ሕልና ኣብነት ኮይኑ ክርከብ” ከምእተላበዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሕልና ናጽነት ዝምስክር፥ ናይ ሕልና ናጽነት “ወትሩ ኣበይን መዓስን ክኽበር ከምዘለዎ ዘነቓቕሕ እዩ”፡ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብዛ ዕለት እዚኣ ንጹር ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ዘቕረበዎ ጻውዒት፥

ሎሚ ኣብ ናይ ስነ ረኪበ ኣካል ተወላዲ ፖርቱጋል ኣሪስቲደስ ደ ሶዛ መንደዝ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ዓለም ሓቆፍ መዓልት ‘ናይ ሕልና ናጽነት’ እንዝክረሉ ዕለት እዩ፡ ቅድሚ ሰማንያ ዓመታት ኣቢሉ ኣሪስቲደስ ደ ሶዛ መንደዝ ንናይ ሕልና ድምጺ ምእዙዝ ኮይኖም ናይ ብዙሓት ማእለያ ዘይብሎም ዝሳደዱ ንዝነበሩ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ሕይወት ዘድሓኑ እዮም፡ ናይ ሕልና ናጽነት መዓዝን ኣበይን ወትሩ ክኽበርን ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ብቕንዕናን ብቓል እግዚኣብሔር ብዝተኾልዔ ኣገባብ መስካሪ ኮይኑ ክርከብ

እንክብሉ ከም እተለበዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ምስክርነት ኣሪስቲደስ ደ ሱሳ መንደዝ

ቃል ቅዱስነቶም ምስ ታሪኽ እቶም ኣብ 1885 ዓ.ም. ኣብ ፖርቱጋል ከተማ ካባናስ ደ ቪሪያቶ ካብ መኳንንት ስድራ ቤት ዝተወልዱ፡ ኣብ 1940 ዓ.ም. ቅድሚ ቁሩብ እዋን ምብራዕ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ፈረንሳ ቦርዱውክስ ቆንስል ኮይኖም ብመንግስቶም ምስ ተላእኩ ዝርእይዎም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ዝርከብዎም ኣእላፍ ስደተይናታት ካብ ናይ ናዚ ንዱር ቀታሊ ስርዓት ገዛእ ርእሶም ንምድሓን መገዲ ንዘናድዩ ዝነበሩ ክሕግዙ ድላይ ምስ ሓደሮም ናይ ሃገሮም ብኣንቶኒዮ ደ ኦሊቪየራ ሳላዛር ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ዜግነቶም “ንዘይፍሉጥ ስደተይናታት ወይ ዜግነቶም ኣብ ሕቶ ንዝኣተወን ዜግነቶም ንዝተሓደጉን ኣይሁዳውያንን ብጠቕላላ ካብ መበቆል ሃገራቶም ወይ ከኣ በቲ ዜጋ ዝኾኑሉ መንግስቲ ዝተሰጉን ” ኵሎም ናብ ፖርቱጋል መእተዊ ፍቓድ ከይህቡ ዝተሓበሮም እውን እንተነበረ፡ ነቲ ኩነታት ኣመዛዚኖም ነቶም ሕይወቶም ኣዚዩ ንሓደጋ ንዝተቓልዐ ናብታ ገለልተይና ሃገረ ፖርቱጋል ንኽኣትዉ ናይ መእተው ፍቓድ ከምዝሃቡ ይንገር።

ብዘይ ኣፋላላይ ኣብ ጸገም ንዝርከብ ናይ ምእተዉ ፍቓድ

ኣብ 1940 ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ናይ ፈረንሳ ደቡባዊ ዞባ ዝነበረ ብልሙድ ቨክይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብዝነበረ ናይ ፈረንሳ ሃገረ ግዝኣት ናይ ስርዓት ናዚ ተሓባባሪ ብምንባሩ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ዝነበረ ናይ ፖርቱጋል ልኡከ መንግስቲ ርእሰ ኣደብ ክገብር መጠንቀቕታ ከምዝተወሃቦን ማእለያ ዘይብሎም ስደተይናታት ናብ ፖርቱጋል ናይ መእተዉ ፍቓድ ክሓትቱ ኣብ ፊት ሕንጻ ልኡከ መንግስቲ ፖርቱጋል ተጨናኒቖም ይረኣዩ ከምዝነበሩን ኣብ ናይ ታሪኽ ማህደር ተመልኪቱ ከምዘሎን ካብቶ ብኣሪስቲደስ ዝደሓኑ ናይ ኣቨርሳ ራባይ ዝነበሩ ጃኮብ ክሩንገር ከም ኣብነት ንምጥቃስ ይከኣል።

ዕለት 16 ሰነ 1940 ዓ.ም. ኣሪስቲደስ ንዅሎም ነቶም ናብ ፖርቱጋል ንኽኣትዉ ንዝሓትቱ ንዝነበሩ ስደተይናታት ናብ ፖርቱጋል ናይ መእተዊ ፍቓድ “ብዘይ ሃይማኖትን ዓሌትን ዜግነትን” ኣፈላላይ፡ ንዅሎም ናብ ፖርቱጋል ናይ መእተዊ ፍቓድ ከምዝሃቡ ታሪኽ ይምስክሮ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ከተማ ፊላደልፊያ ምስቶም ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ስፓይናዊ ማሕበረሰብ ብጠቕላላ ምስ ደተይናታት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝተመርሔ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ናይ ሕልናን ናይ ሃይማኖትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋን ናይ ዝኾነ ይኹን ስድራን ሕዝብን ነቲ ናይ ኵሉ መሰልን ክብርን ቅርጺ ዝህብ ናይ ሕልና ናጽነት ክኽበር፡ ናጽነት ንከናኸን፡

ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ሎሞናኮ የዘኻኽሩ።

ቅኑዕ ኣብ መንጐ ሃገራት

ኣሪስቲደስ በቲ ዝገብርዎ ዝነበር ንኹሉ ናይ መእተዊ ፍቓድ ምዕዳል ተግባር ካብ መንግስቶም መጠንቐቕታ ከምዝተመሓላለፎም፥ “ኣይእዘዝን ክብል እንተድኣ ኮይነ ካብ ንናይ እግዚኣብሔር ንናይ ሰብ ትእዛዝ ኣይዘዝን ምባል እመርጽ” ከምዝበሉን ዕለት 8 ሰነ 1940 ዓ.ም. ናብ ፖርቱጋል ምስ ተመልሱ ብመንግስቲ ሳላዛር መቕጻዕቲ ከምእተበየኖምን ካብ ዝነበሮም ሓላፍነት ክእለዩን ወርሓዊ ደመዞም ካብቲ ዝነበሮ ብፍርቂ ክንክይን ተወሲንዎም፥ ኣብ ወጻኢ ዝተረከብዎ ናይ መኪና ምዝዋር ፍቓዶም እውን ከይተረፈ ከምእተሓድጉን ታሪኽ ዝዝክሮ ሓቒ  እዩ።

ካብቶም 14 ደቃቶም ክልተ ኣብ ኖርማንዲያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ዝኸተቱ ከምዝነበሩን ኣሪስቲደስ ዕለት 3 ሚያዝያ 1954 ዓ.ም. ኣብ ሊስቦና ኣብ ናይ ፍራንቸስካውያን ቤት ሕክምና ከምዝዓረፉን ኣብ 1966 ዓ.ም. “ያድ ቫሸም” ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ተቕዋም ዝኽሪ ሕልቂት ሾዋህ፡ ቅኑዕ ኣብ መንጐ ሃገራት ዝብል ነቶም ኣብ ምድሓን ኣይሁዳውያን ዓቢይ ግደ ንዘበርከቱ ዝህቦ ኣርእስቲ ብቑዕ ከምዝበሎም ሎሞናኮ ታሪኽ ጠቒሶም የዘኻኽሩ።

ፍራንቸስኮ፡ ናይ ሕልና ናጽነት መዓስን ኣበይን ወትሩ ይከበር
18 June 2020, 00:38