ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሊቢያ ዘሎ መዓት ከብቅዕ ጻውዒት የቕርቡ

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ክንክን ጥዕና ነቲ ዘሎ ስንኩፍ ኩነታት ኣዚዩ ጽንኩርን ናብ ዝገደደ ተኣፋፍነትን ዓመንጽ ምዝመዛን ንኸብሎ ይድርኽ

ፍራንቸስኮ ኣብ ሊቢያ ዘሎ መዓተይና ህልው ኩነታት ብዓቢይ ሻቕሎትን ሓዘንን ከምዝከትተልዎ ዕለት 15 ሰነ 2020 ዓ.ም. ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔረ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ እቲ ኣብ ሊቢያ ዘሎ ዓመጽን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ስደተይንታትን ተመዛበልትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተትን ንንናይ ውሽጢ እታ ሃገር ተመዘበልትን ጸሎቶም ኣረጋጊጾም ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዓመጽ ደው ክብል ኣበርቲዑ ክዓዪ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፋውስታ ስፐራንዛ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን ውድባትን ናይ ፖለቲካን ናይ ሓይሊ ምክልኻልን ላዕለዎት ኣካላት ብእምንቶን ጽንዓትን ዓመጽ ኵሉ ከብቅዕ ናብ ሰላምን ናብ ናይ ሊቢያ ሓድነትን ዘብጽሕ መገዲ ከናድዩን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ክላበዉ እንከለዉ፥

በሸሓት ንዝቑጸር ስደተይንታትን ተመዛበልትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተትን ናይ ሊቢያ ናይ ውሽጢ ተመዛበልትን እጽልይ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ክንክን ጥዕና ነቲ ዘሎ ስንኩፍ ኩነታት ኣዚዩ ጽንኩርን ናብ ዝገደደ ተኣፋፍነትን ዓመንጽ ምዝመዛን የቃልዖም ኣሎ፡ ጭካኔ ዝተመልኦ ኩነት፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኩነታቶም ብልቢ ቀሪቡን ካብቲ ዝርከቡሉ ጽንኩር ኩነት ክላቐቑ መገዲ ከናድይን እቲ ዘድልዮም ሓለዋን ክብረትን ትስፍው መጻእን ክረኽቡ ዘብቅዕ መገባርያ ከቕርብ እዕድም፡ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ናይ ኵላትና ሓላፍነት እዩ፡ ሓደ’ኳ ናጻ ኣይኮነን ኵላትና ብጽሞና ምእንቲ ሊቢያ ንጸልይ።

ከምዝበሉ ስፐራንዛ ኣፍሊጠን።

ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ

ዓለም ሓቆፍ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ማሕበር፡ ኣብ ሊቢያ ኣብ ዛውያ ገማግም ባሕሪ ኣሳታት ሰላሳ ስደተተይናታት ዝተሳተፈሩላ ንእሽተይ ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ክልተ ሕጻናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 12 ሰባት ሃላዋቶም ገና ከምዘይተረኽበን ካልኦት 20 ካብ ሞት ከምዝተረፉን ስፐራንዛ ሓቢረን፡ ኣብ ሊቢያ ዝርከቡ ስደተይተይናታ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ናብ ኤውሮጳ ንኽስደዱ ብጀላቡ ዘካይድዎ ጉዕዞ ንኸቀላጥፉ ይድርኾም እውን ከምዘሎን ካብ ከባቢ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ውግእን ጥሜትን ደሪኽዎም ከዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ናብ ኤውሮጳ ንኽስደዱ ኣብ ሊቢያ በሸሓት ዝቑጸሩ ስደተይናታት ከምዝርከቡን እቲ ኣብ ሊቢያ ዘጋጥሞም ከኣ እቲ ኣብ መንጐ መራሔ መንግስቲ ኣል ሰራጅን ተቓዋሚኦም ጀነራል ሃፍታር ዝካየድ ሕድ ሕድዊ ውግእ እዩ፡ ነዚ ኵሉ ርኢኻ ዘሕልፍዎ ዘለዉን ዘጋጥሞምን ዘሎ ሓደጋ ከቢድን ክትገልጾ ዘጸግም እውን ምዃኑ የመላኽታ።

ኣብ ሊቢያ ብዛዕባ ዝፍጸም ቅተልትን ጃምላ መቓብርን

ኣብዘን ዝሓለፋ ማዕልታት ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ሊቢያ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኢድ ዕጡቓት ሓይሊ ጀነራል ካሊፋ ሃፍታር ብናይ ሊቢያ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻል ዝተመንዘዔ ዞባ ታርሁና ናይ ብዙሓት ዓሰክሬት ብጃምላ ዝተቐበሩሉ ጉድጓድ ከምእተረኽበን እዚ ጉዳይ እዚ ጥንቑቕን ግልጽን መርመራ ክካየድ ሕቶ ከምዘቕረቡን ኣብቲ ዝተረኽበ ናይ ጃምላ መቓብር 200 ዝተቐትሉ ዜጋታት ኣብ ሓደ ዝተቐበሩሉ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር፡ ብጀነራል ሃፍታር ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ሊቢያ ንኽቆጻጸር ዘካይዶ ዝነበረ ውግእ ንኸቛርጽ ከምእተገደን፡ ካብ ትሪፖሊ 450 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኣብ እትርከብ ከተማ ሲርጠ ናይቲ ከባቢ ናይ ነዳዲ ማዕድን ንምቑጽጻር ዝግበር ውግእ ይቕጽል ከምዘሎን ናይ መንግስቲ ሊቢያ ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ፋቲ ባሻጋ፥ “ሲርጠ ኣብ ኢድ ናይ ሕጋዊ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻል  ኣትያ” እንክብሉ ከምዝገለጹ ስፐራንዛ ይሕብራ።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ለገስቲ ደም

ቅዱስነቶም ዕለት 14 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ለገስቲ ደም ምዃኑ ዘኪሮም ሕብረተሰብ ምስቶም ደም ዘድልዮም ዜጋታት ተሓባባርን ደጋፍን ለጋስን ኮይኑ ክርከብ ተማሕጺኖም፡ ደም ምልጓስ ተራን ቀሊልን ተግባር እውን እንተመሰለ ንዘድልዮ ብጻይካ ኣዚዩ ኣገዳስን መሰረታውን እዩ” ከምዝበሉ ስፐራንዛ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሊቢያ ዘሎ መዓት ከብቅዕ ጻውዒት የቕርቡ
15 June 2020, 15:22