ድለ

አብ ኣገልግሎት ኣኅዋት ከይተጸመድካ ቅዱስ ቊርባን ክትሳተፍ ዘይከኣል እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ጳ.ፍራንቸስኮስ ሥርዓተ በዓል ጥቀ ቅዱስ ሥጋሁ ወቅዱስ ደሙ ምስ ፈጸሙ ልክዕ ፍርቂ መዓለቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ግዜኡ ከምዝእዝዞ ርሕቀቶም ሓልዮምን ተሸፋፊኖምን ዝጽበይዎም ዝነበሩ ምእመናን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም 'ናይ ውህደትና ሓዳሲ ሓይሊ ኢየሱስ እዩ። እንተኾነ ንፈተናታት ውድድር ሰጊርና ንክልውጠና ክንፈቅደሉ የድሊ' እንክብሉ ካብ ብልማድ ዝግበር ሱታፌ ቅዳሴን ቊርባንን ክነስተውዕልን ንቅዱስ ቊርባን ትሰርሕ ቤተክርስትያን ምዃና ምፍላጥ መሠረታዊ ጉዳይ እምነት ከምዝኾነን ገሊጾም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ውዒልኩም! ሎሚ ኣብ ሃገር ጣልያንን ካልኦት ሃገረኣት ብዓለ ጥቀ ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ብላቲን ኮርፑስ ዶሚኒ ሥጋ ጐይታ ዝፍለጥ ይበዓል። ኣብ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ንባብ ቅዱስ ጳውሎስ (1ቆሮ 10.16) 'እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧' እንክብል ኣብ ምሥጢራዊ ቊርባን ዘሎና እምነት የበራብረልና። ኣብቲ እንካፈሎ ጽዋዕን እንቈርሶ እንጌራን ዘሎ ምሥጢራዊ ሳዕቤንን ሕብረትን ኣጥቢቁ የዘኻክረና። እዘን ቃላት እዚአን ኣንይ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን መንፈሳዊ ሳዕቤን ውህደት ይገልጻ፡ እዚ ውህደት እዚ ቅድሚ ዝኣገረ ብኅብስትን ወይንን ንድሕነት ኩልና ምስ ዝስዋዕ ክርስቶ ዘሎና ሓድነት እዩ። ኢየሱስ መግብና ምእንቲ ክኸውን ኣብ ቅዱስ ቊርባን ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ንሕና ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ውድቀት ወይውን ዕረፍቲ እንደገና ተንሲእና ጒዕዞና ንምቅጻል ሃረርታና ዳግም እናኣበራበርን እናፈጠረን ሓይሊ ዳግም ንክህበና መግብና ክኸውን ብኣና ክብላዕ ወትሩ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ኣሎ። እዚ ግን ናትና ላይን ውሳኔን ይሓትት ማለት ኣታሕሳስባናን ኣሰራርሓናን ብኣኡ ክንልወጥ ፍቃደኛታት ክንከውን የድሊ እንተዘየለ እንገብሮም ሥርዓታት ቅዱስ ቊርባን ባዶሽ ዝኾነ ንማለቱ ዝፍጸሙ ሥርዓታት ይኾኑ። እቲ ዘሕዝን ብዙሕ ግዜ ሰባት ናብ ቅዳሴ ይኸዱ እንተኾነ ብልማድ ዝግበር ሓደ ክፍጸም ዘለዎ ሓደ ማሕበራዊ ግድነት ብምዃኑ ክገብርዎ ትዕዘብ። እንተኾነ ምሥጢር ቤተክርስትያን ካልእ ጉዳይ እዩ። ኢየሱስ እዩ ኣብኡ ዘሎ! ቀለብና ክኸውን ንሕና ክንምገቦ ዝመጽእ ህልው ዝኸውን ኢየሱስ እዩ ኣብኡ ዘሎ።

 ካልኣይ ሳዕቤን ናይ ቅዱስ ቊርባን እቲ ቅዱስ ጳውሎስ (1ቆሮ 10.17) 'ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና' እንክብል ዝገልጻ ንማሕበርና እትምልከት እያ። ኣብ መንጎ እቶም ቅዱስ ቊርባን ዝቅበሉ ክህሉ ዘለዎ ኅብረትን ውህደትን የመልክት። እዚ ከኣ ማንም ኅብረት ዘይኮነ ከምቲ ሓደ እንጌራ እንከሎ ተቈሪሱ ናብ ኩሉ ዝባጻሕ እቶም ኣባላት ሓደ ኣካል ሓደ ሥጋ ኣብ ናይ ምዃን ደረጃ ውህደት ክበጽሑ የድሊ። ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን እንቅለብ ሓንቲ ማሕበር ኢና። ኣብ ሥጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስታፍ ምልክት ሓድነትን ውህደትን ምድግጋፍን ዘሎካ ምክፋልን እዩ። ኣብ ማሕበረ ሕውነት ብንጹሕ ዝኾነ ርክብ ኣብ ምትሕግጋዝ ከይነጠፍካ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ክትሳተፍ ዘይከኣል እዩ። ጐይታና ሓይልታትና በይነን ነዚ ብቁዓት ከምዝይኮና ኣጸቢቁ ይፈልጥ እዩ። ከም ሓቁ ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ተኸተልቱ ወትሩ ፈተና ውድድርን ቅንዕን ሕሜታን ቅድመ ፍርዳዊ ኩነታትን ምምቅቃልን ከምዝህሉ ኣጸቢቁ ይፈልጥ እዩ። ነዝስ ንሕና እውን ንፈልጦ ኢና። እዚ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ወትሩ ኣብ ማእከልና ንክህሉ ነዚ ናይ ህላዌኡ ምሥጢር ዝገደፈልና። ከምቲ ኣብ ዮሓ 15,9 `ኣብ ፍቅረይ ንበሩ' ኢሉ ሓደራ ዝገደፈልና በዚ ናቱ ሓቀኛን ዝጭበጥን ቀጻልን ህላዌ ኣብ ማእከልና ገቢሩ ኩሉ ግዜ ምስኡ ሓደ ብምዃን ንውህበት ሕውነታዊ ፍቅሪ ክንቅበል ከም እንኽእል ኣረጋጊጹልና። ምስጋና ንጥቀ ቅዱስ ቊርባን ይኹን ኣብ ዕርክነትን ፍቅርን ክንነብር ንኽእል።  

እዚ ድርብ ፍረ ቅዱስ ቊርባን ማለት እቲ ቀዳማይ ውህደት ምስ ክርስቶስ እቲ ካልኣይ ከኣ ውህደት ኣብ መንጎ እቶም ሥጋኡን ደሙን ዝቅለቡ ብቀጻሊ ንማሕበረ ክርስትያን ውህደት ሂቡ የሐድሰን። ንቅዱስ ቊርባን እትሰርዕ ቤተክርስትያን እያ እዚ መሠረታዊ ነገር እዩ ቅዱስ ቊርባን እትሰርዕ ቤተከታያን እያ ከመይ ገና ከየቆማ እንከሎ እዚ ዓቢ ጉዳይ እዚ ተልእኯኣ ምዃኑ ሓላፍነት ሂብዋ። ምሥጢር ውህደት ጥቀ ቅዱስ ቊርባንከስ እዚ እዩ። ንኢየሱስ እንክንቅበል ብቀዳምነት ውሳጣዊ ለውጢ ናይ ነፍሲወከፍ ኣካዩዱ ምሳኡ ከምእንወሃሃድ ይገብረና ቀጺሉ ከኣ ነንሕድሕድና ሓደ ክንከውን እምበር ከይንመቃቀል ንቅበሎ። ነዚ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሥጢረ ቅዱስ ሥጋኡን ደሙን ኣብ መንጎና ብምግዳፍ ዝገበረልና ዓቢ ጸጋ እዚ ብዓቢ ኣድናቆቶን ምስጋናን ክንቅበሎ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ትደግፈና።

14 June 2020, 16:03