ድለ

ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ ዕለት 10 ሰነ 2020 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ ዕለት 10 ሰነ 2020 ዓ.ም. 

ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ሕይወትና እውን ከይተረፈ ወትሩ ምስ እግዚአብሔር ቆጸራን ርክብን ኣሎ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ብዛዕባ ጸሎት ዝጀመርዎ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ሎሚ ሮቡዕ ንግሆ ዕለት 10 ሰነ 2020 ዓም ‘ከምቲ ያዕቆብ ምስ እግዚአብሔር ተቃሊሱ ተባሪኹ ሓዲስ ስም ብምርካብ ጒዕዞ ሕይወቱ ዝተለወጠ ንሕና እውን ኣብቲ ዘጓንፈና ጸልማታት ሕይወትና ምስ እግዚኣአብሔር ቈጸራ ከምዘሎና ዘኪርና ከይባርኽካኒ ኣይሓድገካን ኢልና ክንጸንዕ የድሊ’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

“‘‘ያዕቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ ተቓለሶ። ንሱ ኸኣ ከም ዘይከአሎ ምስ ረኣየ፡ ምሕኩልቱ ተንከዮ፡ ኪቃለሶ ኸሎ፡ ምሕኩልቲ ያዕቆብ ተቘጸ። እቲ ሰብኣይ ድማ፡ ምድሪ ይወግሕ አሎ እሞ፡ ሕደገኒ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ከይባረኽካንስ ኣይሓድገካን እየ፡ በለ ሽዑ ንሱ፡ እንታይ እዩ ስምካ፧ በሎ። ያዕቆብ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሕሚቕካ ኢኻ እሞ፡ ደጊም ስምካ እስራኤል ደኣ እምበር፡ ያዕቆብ ኣይብሀልን፡ በሎ። ያዕቆብ ድማ፡ በጃኻ ስምካ ንገረኒ፡ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ ብዛዕባ ስመይ ትሐትት፧ በለ። ኣብኡ ድማ ባረኾ። ያዕቆብ ከኣ፡ ንኣምላኽ ገጽ ንገጽ ርእየዮ እየ እሞ ነፍሰይውን ድሒና እያ፡ ኢሉ ስም እታ ቦታ እቲኣ ጰኒኤል ኣውጽኣላ’’ (ዘፍ 32.24-30).”

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ብዛዕባ ጸሎት ዝጅመርናዮ ኣስተምህሮ ንቀጽል። መጽሓፈ ኦሪት ዘፍጥረት ብኩነታት ናይ ጥንቲ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ገቢሩ ንሕይወትና ክነመዛዝነሉ እንኽል ታሪኻት የዘንትወልና። ኣብ ዙርያ ኣበው ብጉርሑ ፍሉጥ ዝኾነ እታ ዝበለጸት ዕጫ ናባኡ ከም እትበጽሕ ዝገበረ ያዕቆብ ንረክብ። ኣብቲ ታሪኽ ያዕቆብ ምስ ሓው ኤሳው ዝነበሮ ከቢድ ጸገም ይትርኽ። ክልቲኦም መናቱ ነበሩ። ገና ብሕጻንነቶም ኣብ መንጎኦም ውድድር ነበረ። እዚ ከኣ ክሳብ መወዳእታ ኣይተሳዕረን። ያዕቆብ ካልኣይ ውሉድ ነሩ ኰይኑ ኣጠፋፊኡ ካብ ኣቦኡ ይስሓቅ ነታ ምርቃ ይወስድ እሞ ጸጋ ብዂርና ይወስድ (ዘፍ 25,19-34)። እዚኣ ፍጻሜ እዚኣ ካብቲ እዚ ጐራሕ ሰብ ዝፍጽሞ ብዙሕ ዝተሓላለኸ ሽርሕታት ሓደ እዩ። ያዕቆብ ዝብል ሽም ክትርጐም እንከሎ እውን ኣብ ኩሉ ምንቅስቃሳቱ ጐራሕ የስምዕ።

በቲ ዝገበሮ ካብ ሓው ኣርሒቁ ኪሃድም ይግደድ ኣብኡ እውን ብኩሉ ይዕወት። ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኢላ ነበረ። ብዙሕ ሃብቲ ይድልብ ብዙሕ መጓሰ ንምውናን ይበቅዕ። ብዓቢ ጽንዓትን ትዕግሥትን ካብ ደቂ ላባን ነታ ብልቡ ብዙሕ ዘፍቅራ ዝነበረት ዝጸበቀት ጓል ይምርዖ። ብቋንቋ ዘመንና ያዕቆብ ኩሉ ዝሰልጠሉ ብሕታዊ ሰብ ክንብሎ ንኽእል በዚ ከኣ ብዓቢ ብልሓት ንዘድልዮ ኩሉ ረኺቡ። እንተኾነ ሓደ ዝጐደሎ ዓቢ ነገር ኣሎ። ምስ መረበቱ ዓዱ ሰቡ ቅርዑይ ርክብ ይጐድሎ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ግን ናፍቆት መረበቱ ናይታ ናይ ጥንቲ ዓዱ እቲ ምሳኡ ብዙሕ ስምምዕ ዘይብሉ ኤሳው ሓው ገና ዝነበረላ ዘሎ ቤቶም ሃረርታ ይስምዖ። ድሕሪ ክንደይ ምስንዳው ብዙሕ ሰብን እንስሳን ንብረትን ሒዙ ንዓዱ ክምለስ ይነቅል ኣብ ሩባ ያቦቅ በጺሑ ከኣ በብሓደ ንኩሎም የሳግር። ኣብዚ መጽሓፍ ኦሪት ዘፍጥረት ዓቢ ዝኽሪ ዘለዎ ክፍሊ የቅርበልና። ኣቦና ያዕቆብ ንኩሎም እቶም ምሳኡ ዝነቀሉ ሰባትን እንስሳን ንብረትን ነቲ ሩባ ምስ ኣሳገረ በይኑ ኣብቲ ደንደስ መሬት ጓኖት ይተርፍ። ኣብየት ኣብ ቅድሚ ሓወይ ምስ ቀረብኩ ጽባሕ ዘሎ ዕግርግር እናበለ በይኑ ክሻቀል ይጅምር። ነቲ ብዂርናኡ ብምትላል ዝመንዘዖ ሓው ኤሳው እንክርእዮ እንታይ ኮን ይገብር ይኸውን! እናበ ለ ከደይብን ከውርድን ጸሓይ ትዓርብ ምድሪ ይጽልምት። ኣብቲ ጸልማት ከኣ ሓደ ዘይፍሉጥ ሰብ መጺኡ ምሳኡ ክቃለስ ይጅምር። ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያ ቊ.2573 ነዚ ፍጻሜ እዚ እንክገልጽ 'ኣቦ’ቶም ዓሠርተው ክልተ ነገደ-እስራኤል ንዝኾነ ያዕቆብ፣ እግዚኣብሔር ቃል-ተስፋኡ ኣሓደሰሉ። ምስ ዓቢይ ኃዉ ኤሳው ቅድሚ ምጥምማቱ፤ ያዕቆብ ምስ ሓደ ምሥጢራዊ ፍጡር ምሉእ ለይቲ ኪቃለስ ኣውጊሕዎ እዩ። እዚ ምሥጢራዊ ፍጡር፤ ስሙ ኪገልጸሉ ኣይደለየን፤ እንተኾነ ኣጋጽባሕ ቅድሚ ምፍልላዮም ንያዕቆብ ባረኾ። ካብ’ዚ ዛንታ’ዚ እቲ መንፈሳዊ ትውፊት ዝዓቀቦ ኣምሳል ኣሎ፥ ጸሎት ከም ናይ እምነት ውግእ፤ ከምኡ’ውን ናይ ጽንዓትን ትግሃትን ዓወት ኮይኑ ይምሰል።' እንክብል ይገልጾ።

ያዕቆብ ነቲ መቃልስቱ ከይለቀቀ ምሉእ ለይቲ ክቃለስ ሓዲሩ። ኣብ መወዳእታ እቲ መቃልስቱ ምሕዂልቱ ቈጸዮ እሞ ተሳዒረ። ካብታ ዕለት እቲኣ መዋዕሉ ምሉእ ሓንካስ ኮነ። እቲ ምሥጢራዊ መቃልስቱ ንኣቦና ያዕቆብ ሽሙ ይሓቶ እሞ ያዕቆብ፡ ምስ በሎ 'ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሕሚቕካ ኢኻ እሞ፡ ደጊም ስምካ እስራኤል ደኣ እምበር፡ ያእቆብ ኣይብሀልን፡ በሎ።' (ኁ.29) ድሕሪ ደጊም ከምዚ ኢሉ ዝጐዓዝ ሰብ ኣይክትከውንን ኢኻ እንክብል ሽሙ ይልወጠሉ ሕይወቱ ይልውጠሉ ዝምባሌኡን ኣካይዳኡን ይልውጠሉ እስራኤል ተባሂልካ ክትጽዋዕ ኢኻ ይብሎ ማለት እዩ።  ዕድል ዝረኸበ ያዕቆብ ካልእ ሕቶ የቅርብ 'ስምካ ንገረኒ' ከኣ ይብሎ። እቲ መቃልስቱ ግን ሽሙ ኣይነግሮን ኣብ ክንዳኡ ይባርኾ። ኣብዚ ግዜ እዚ ያዕቆብ ምስ እግዚአብሔር ግጽ ንገጽ ከምዝተራኸበ ይርዳእ።

ምስ እግዚአብሔር ምቅላስከስ ሓደ ምሳሌ ጸሎት እዩ። ኣብ ካልእ ቦታት ያዕቆብ ምስ እግዚአብሔር ከም ቀርባ ዓርኩ ክሰምዖን ምሳኡ እንክዛተ ዝትርኽ ኣሎ። እንተኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ድሕሪ ናይ ምሉእ ለይቲ ቃልሲ ኣቦና ያዕቆብ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ይልወጥ። ሽም ምልዋጥ ማለት ኣነባብራ ምልዋጥ መንነትካ እውን ምልዋጥ ስለዘስምዕ ኣቦና ያዕቆብ ብኩሉ ኩሉ ይልወጥ። ጉርሑን ሽርሑን ከምዘየዋጽኦ ይርዳእ። እቲ ሓደ ግዜ በሊሕን ንኩሉ ነገራት ዝቆጻጸርን ኣርሒቁ ዝጥምትን መጻኢ ዝእምትን ዝነበረ እግዚአብሔር ነቲ ሓቂ ይገልጸሉ መዋቲ ሰብ ምዃኑ የብርሃሉ እሞ የንቀጥቅጥ ይፈርህ። ከመይ ኣብ ግዜ እቲ ቃልሲ ፍርሂ ወሪርዎ ነበረ። ኣብዚ እንትርፊ ተኣፋፊ ምዃኑን ድኻምነቱን ሓጢኣቱን ናብ እግዚአብሔር ምቅራብ እምበር ካልእ ምርጫ ከምዘይብሉ ይርዳእ። ካብ እግዚአብሔር ቡራኬ ከምዝቅበል ዝገበሮ ከኣ እዚ ነበረ፣ ሳላ እዛ ቡራኬ እዚኣ ከኣ ኣብታ ዝትስፈዋ ዝነበረ ምድሩ ድኹም ኰይኑ እናሓንከሰ እንተኽዕነ ምስ ሓዲስ ልቢ ይኣቱ። ሓደ ግዜ ሓደ ሽማግለን ሕያዋይን ንፉዕ ክርስትያንን ዝኾነ ሰብ ኰይኑ ግን ኣብ እግዚአብሔር ዓቢ ምትእምማን ዝነበሮ ሓጢኣተኛ ሰብ ከምዚ ክብል ሰሚዔ። 'እግዚአብሔር ክሕግዘኒ እዩ በይነይ ኣይክሓድገንን እዩ። እናሓንከስኩ ናብ መንግሥተ ሰማይ ኪኣቱ እየ። እወ እናሓንከስኩ ናብ መንግሥተ ሰማይ ክኣቱ እዩ ይብል ነበረ።  ኣብ መጀመርያ ምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ዝነበሮ ብጉርሑ ዝተኣማመን ነበረ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ተሪር ልቢ ጸጋ ኪኣቱ ኣይክእልን። ምህረት እውን ኣይእንታዩን። ምሕረት እግዚአብሔር እንታይ ከምዝኾነ ይፈልጥ ኣይነበረን፣ ኣብ ልቡ ዝስምዖ ዝነበረ ኣብዚ ኣነ እየ ዋና ኣነ እየ ኣዛዚ ዝብል ሓሳብ ስለዝዓብለሎ ምሕረት ዘድልዮ ኰይኑ ይስምዖ ኣይነበረን።  እግዚኣአብሔር ግን ነዚ ጠፊኡ ዝነበረ ኣድሒንዎ። ብቀዳምነት ድሩትነቱ ንክርዳእ ይረድኦ ምሕረት ዘድልዮ ሓጢኣተኛ ከምዝነበረ የረድኦ እሞ የድሕኖ።

ንሕና ኩልና ኣብ ለይቲ ምስ እግዚኣአብሔር ሓደ ቆጸራ ኣሎና። ኣብዘን ዘይወግሓ ዝመስላ ለይትታት ጒዕዞ ሕይወትና ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት ኣብ እንርከበሉ ግዜ ብሓጢኣት ኣብ እንጽቀጠሉ ግዜ ኣንፈትና ኣብ እነጥፍኣሉ ግዜ ከም ማለት እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ሁመት ወትሩ ምስ እግዚአብሔር ቈጸራ ኣሎና። ንሕና ኣብ ዘይተጸበናሉ ግዜ ብሃንደበት ክመጸና እዩ ኣብኡ ንበይናና ምሳኡ ክንተርፍ ኢና። ኣብታ ለይቲ እቲኣ ምስ ዘይንፈልጦ ሓይሊ ክንቃለስ ምስ ሓደርና ጥራሕ ኢና ምንም ዘይብልና ድኻታት ምዃና ዝስቈረና። ይዋእ ዘደንግጹ ክብሎም ይፈቀደለይ እንተኾነ ኣብቲ ይዋእ ዘደንግጹ እንበሃለሉ ግዜ ክንፈርህ የብልናን። ከመይ ሽዑ እዩ እግዚአብሔር ሓዲስ ስም ዝህበና እዚ ከኣ ንሕይወትና ይልውጦ ልብናውን ክልውጠልና እዩ። ብኣኡ ክልወጥ ፍቃደኛ ንዝኾነ ኩሉ ከኣ ፍሉይ ቡራኬኡ ክህበና እዩ። እዚ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ዕደመ እዩ ማለት እግዚአብሔር ክልውጠና ምፍቃድ። ንሱ ከመይ ከምዝገብሮ ይፈልጦ እዩ ከመ ንነፍስወፍና ይፈልጠና እዩ። 'ጐይታየ ንስኻ ትፈልጠኒ ኢኻ እናበልና ነፍሲ ወከፍና ክንደግሞ እሞ ጐይታየ ትፈልጠኒ ኢኻ ለውጠኒ ንበሎ።

ብድምጺ ንምክትታል!
10 June 2020, 12:54