ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ብኮቪድ-19 ንዝሳቐያ ኵለን ሃገራት ቅርበቶምን ጸሎቶምን የረጋግጹ

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ለብዒ ኮቪድ-19 ዝግ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ኣብ ካልኦት ብዙሓት ክልኦት ሃገራት ከኣ ብዙሓት ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጥሞምን፡ ኣብ መላእ ዓለም 6.9 ሚሊዮን ብኾሮና ተህዋስ ከምእተለኽፉን 400 ሺህ ከምዝዓረፉን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሰነ 2020 ዓ.ም. ብለብዒ ኮቪድ -19 ምኽንያት ድሕሪ ምፍንታትን ውሸባን ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ እቲ ከቢድን ኣዚዩ ዘሰክፍን ለብዒ ኮቪድ-19 ዝግ ይብል ከምዘሎ ዘኪሮም፡ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ንናይ ኢጣሊያን ካልኦት ሃገራትን ምእምናንን ሕዝብታትን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ቅርበቶምን ጸሎትም ምስ ኣረጋገጹ፡ ወርሒ ሰነ ወርሃ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምእመናን ኢጣሊያን ካልኦትን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምራኻቦም ኢጣሊያን ካልኦት ሃገራትን ነቲ ጽንኩር ለብዒ ኮቪድ ኣብ ምስጋሩ ከምዝርከባ ዝምስክር ከምዝኾነ እንክሕብሩ፥

ቅልጡፍ መዝምር ዓወት ምቕራብ ገና እዩ፡ ተቐላጢፍካ መዝሙር ዓወት ምቕራብ ኣየድልን እቲ ለብዒ ኮቪድ-19 ንምድራትን ንምብዳህን ዝተንደገጉ ውሳኔታት ብጥንቃቔ ሓደራ ነኽብር፡ ንዓና ክሕሸና እዩ፡ ንእግዚኣብሔር ምስጋና ይዅኖ ካብቲ ጽንኩር ለብዒ ንላቐቕ ዘለና ይመስል፡ ይኹን ደኣ እምበር ሰበ ስልጣናት ዝህብዎ መምርሒ ምኽባር የድሊ!

ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ቅዱስነቶም ሕጂ እውን ነተን ለብዒ ኮቪድ-19 ንምብዳህ ኣብ ጽንኩር ጻዕሪ ንዝርከባ ሃገራት እናሓሰቡ፥

ሕጂ እውን ነተን ብኮቪድ-19 ከቢድ መጉዳእቲ ንዘጋጥመን ዘለዋ ሃገራት እሓስብ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሓንቲ ሃገር ብለብዒ ኮቪድ ምኽንያት ኣብ ሓደ ደቒቕ ናይ ሓደ ዜጋ ሕይወት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጥሞ ብዛዕባ ዝንገረላ ሃገር ዝበጸሓኒ ሓበሬታ ብሓቒ ዘተሓሳስብ እዩ፡ ነዚ ኩነት’ዚ እትገጥም ዘላ ሃገርን ሕዝባን ቅርበተይን ጸሎተይን አረጋግጽ፡ ነቶም ዝዓረፉን በቲ ተህዋስ ዝተጠቕዑን ነቶም ዝኣልዩዎም ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን እጽልይ፡ ብጸሎትና ቀረባኦም ንዅን!

ልዕሊ 400 ሽሕ ብለብዒ ኮቪድ-19 ከምዝዓረፉ

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ለብዒ ኮቪድ-19 ዝግ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ኣብ ካልኦት ብዙሓት ክልኦት ሃገራት ከኣ ብዙሓት ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጥሞምን፡ ኣብ መላእ ዓለም 6.9 ሚሊዮን ብኾሮና ተህዋስ ከምእተለኽፉን 400 ሺህ ከምዝዓረፉን ካብዚኣቶም እቶም 109 ሽሕ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዝኾኑን ስዒባ እውን ዓባይ ብሪጣንያ 40 ሽሕ ዜጋታታ በቲ ተህዋስ ምኽንያት ከምዝዓረፉን ዕለት 6 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ብራዚልን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን እውን ናይ ብዙሓት ዜጋታት ሕይወት ንሞት ሓደጋ ከምእተቓልዔ ካፐሊ ሓቢረን።

ወርሒ ሰነ ወርሓ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ወርሒ ሰነ ንናይ ኢየሱስ ቅዱስ ልቢ ዝተወከፈ ወርሒ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም እዚ መንፈሳውነት እዚ ዓበይቲ መንፈሳውያን ኣበውን ተራ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ዘሰነየን ዘሰንይን ዘሎ መንፈሳውነት ከምዝኾነን ዘኪሮም፡ ዓባዮም ሮዛ ዝመሃረኦም ጸሎት ናብ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ብፍላይ ከኣ እታ ኢየሱስ “ልብና ንልብኻ ከምዝስል ግበሮ” እትብል ቃል ዘኪሮም፥

ሰብኣውን መለኮታውን ልበ ኢየሱስ ወትሩ ምሕረትን ሕድገትን ርህራሄን ሓልዮትን እግዚኣብሔር እንረኸብሉ እዩ! ኣብ ቃል ወንጌልን ኣብ ዝኾነ ወስታናን ኣብ ቃል ኢየሱስን ኩሉ ፍቕሪ ማእከል ምዃኑ ዘረጋግጸልና እዩ፡ እቲ እግዚኣብሔር ስለ ዘፍቀረና ወዱ ለኣኸልና ዝብልን ፍቕሪ መንፈስ ቅዱስን ኣብ ውሽጥናን ዘንበሮ እዩ፡ እዚ ፍቕሪ እዚ ኣብ ኣስተንትኖ ቅዱስ ቁርባንን ኣብቲ ህላዌኡ እንነብሮን፡ እዚ ፍቕሪ’ዚ ኣብ ምንባር . . .  ልብና ቀስ እናበለ ዓቃልን ለዋህን መሓርን ይኸውን ንናይ ኢየሱስ ልቢ ኣብ ምምሳል ይዓብይ!

ኣምልዀ ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ

“ልቢ ኢየሱስ ንኹላትና ኣብቲ ሶውራዊ ሓልዮቱ ይሓቑፍ”፡ እዚ ሓሳብ እዚ ቅዱስነቶም ንወርሒ ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ እነንብቦ እዩ፡ ኣምልኾ ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ ካብ ሩሕቕ ዝተበገሰን ፈረንሳዊት ሰቂለ ሕልና ጽግውቲ ቅድስቲ ማርገሪታ ማሪያ ኣሎኮኰ ኣብ 1673 ካሳብ 1675 ዓ.ም. ዘበገሰቶ መንፈሳውነት ከምዝኾነ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ተመልኪቱ ይርከብ፡ ምንጪ ምሕረትን ሓልዮትን ግብረ ሰናይን ፍቕርን ቢላ እውን ትገልጾ፡ ቅዱስ ዮሓንስ አውደስ ንፈለማ ግዜ ካብ ናይ ረነስ ሰበኻ ጳጳስ ፍቓድ ምስ ረኸቡ ብዝነበሮም ብርቱዕ ሃረርታን ድላይን በዓል ልቅዱስ ልቢ ብዝብል መጸውዕ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 17 ክፍል ዘመን መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን፡ . . .  ኣብ 1856 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ በዓል ኮይኑ ክዝከር ከምዝጀመረ ካፐሊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ጠቒሰም የዘኻኽራ።

ፍራንቸስኮ፥ ብኮቪድ-19 ንዝሳቐያ ኵለን ሃገራት ቅርበቶምን ጸሎቶምን የረጋግጹ

 

 

08 June 2020, 13:16