ድለ

ርእደ መሬት ኣብ መክሲኮ ርእደ መሬት ኣብ መክሲኮ 

ፍራንቸስኮ ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዐ ሕዝቢ መክሲኮ ጸሎቶምን ቅርበቶምን የረጋግጹ

ዕለት 24 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮ ማእከላውን ደቡባውን ዞባ ዝጥቀዔን ከተማ ክሩሲታ ማእከል ዝገበረ 7. 4 ማግኒቲዩድ ዝተዓቀነ ዘጋጠመ ርእደ መሬት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ሰነ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ንምእመናን ተጠቐምቲ ቋንቋ ስፓኒሽ ሰላምታኦም ምስ ኣቕረቡ፡ ኣብ መክሲኮ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ምኽንያት ንሕዝቢ እታ ሃገር ቅርበቶምን ጸሎትምን ከምዘረጋገጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ንኹሎም ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ኣብ መክሲኮ ዝተኸስተ ርእደ መሬት እናሓሰቡ ንሕዝብን ሃገረ መክሲኮን ጸሎትምን ቅርበቶምን ኣረጋጊጾም፡ ኣደዳ ንዝኹኑ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ዝተሃስዩ ቅልጡፍ ፈውሲ ካብ ፈጣርን ተማሕጺኖም እግዚኣብሔር ሓገዙን ጽንዓቱ ከይፈልዮም ንጸልይ ከምዝበሉ ዝሓበራ ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥ “ፍቱዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ቀረባኹም እየ፡ ኣብ ጸሎተይ ህልዋት ምዃንኩም ኣረጋግጸልኩም” ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ግዳያትን ዕንወትን

ዕለት 24 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮ ማእከላውን ደቡባውን ዞባ ዘጥቀዔን ከተማ ክሩሲታ ማእከል ዝገበረ 7. 4 ማግኒቲዩድ ዝተዓቀነ ዘጋጠመ ርእደ መሬት፡ ነቲ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ኮቪድ - 19 ዝፈጠሮ ዘሎ ቅልውላዊ ኣገልግሎ ትክንክን ጥዕና ብዝገደደ ከምዝሓላለኾን ክሳብ እዛ ሰዓት ኣዚኣ በቲ ርእደ መሬት ኣብ ግዝኣት ኦኣክሳካ 6 ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋን ክልተ ማህሰይቲ ከምዘጋጠሞምን ልዕሊ 30 ዝግመቱ ሕንጻታት ንመጠነይና ውድመት ከምዘቃልዔን ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ብዝነበረ ርእደ መሬት 353 ዜጋታት ንሞት ከምዝዳረገ እውን ሳባቲነሊ ኣዘኻኺረን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ስነ መሬት ተዓዛቢ ማእከል፥ ናይ መክሲኮን ኤኳዶርን ፓናማን ኮስታ ሪካን ኤል ሳልቫዶርን ጓተማላን ሆንዱራስን ኒካራጉዋን ፐሩን ሃዋይን ወሰናስን ዶባት ባሕሪ ክትንክፍ ዝኽእል ርእደ ትሕተ መሬት ማያት ባሕሪ ክስኽሰት እንክብል ሂብዎ ዝነበረ ሓበሬታ ውድቂ ከምዝበሎ እውን ኣፍሊጠን፡ ኣብ መክሲኮ ሕጂ እውን ኣስታት ሚእቲ ዝቑጸር ኣብ ዝተፈላለዩ ሰዓታት መጠነይና ርእደ መሬት ከምእተሰምዔ ይግለጻ።

ፍራንቸስኮ ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዐ ሕዝቢ መክሲኮ ጸሎቶምን ቅርበቶምን የረጋግጹ
24 June 2020, 18:13