ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንካህናት ሮማ፥ ኣብዚ ብርቱዕ እዋናዊ ማዕበል ንመጓሰ ዘይጠንጠንኩም ኢኻትኩም! ር.ሊ.ጳ. ንካህናት ሮማ፥ ኣብዚ ብርቱዕ እዋናዊ ማዕበል ንመጓሰ ዘይጠንጠንኩም ኢኻትኩም! 

ር.ሊ.ጳ. ንካህናት ሮማ፥ ኣብዚ ብርቱዕ እዋናዊ ማዕበል ንመጓሰ ዘይጠንጠንኩም ኢኻትኩም!

“ጭቡጥ ኩነት ጽንኩርን ዘይቅኑዕን ፍርዲ ምኽንያት ጎድኑ ዝቆሰለ ኣንሕና እውን ኣብ ቅድሚ ናይ ኣሕዋትና ከበድን ስቓይን ሕቖና ንኸይንህብ የብቅዓና፡ ናይ ሕዝብና ኣቑሳል ብፍርሒ ዘይኮነ ብትብዓትን ኽንፍውስን ፍድፋደ ወንጌል ክንዕንግልን፡ ንሱ ይምሃረና፡ ብትብዓትን ሓልዮትን ሓላፍነትን ሳምራዊ ብሓሴት ናይቶም ዝጠፍኤት በግዖም ዝረኸቡ ጓሶትን ብናይቲ ምሕረት ዝህብ ሕቕፎ ኣቦን ብምሕረትን ትኩር ጥንቃቔን ቡባቔን ናይ ቤታኒያ ማርያምን ብህድኣትን ዓቕልን ብልሓትን ናይ ጐይታ ልኡካንን ንክናኸኖም

ዕለት 30 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብዚ እዋን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘስዓቦን ዘስዕቦን ዘሎ ቅልውላው ዘኪሮም ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ማዕበል ንሰበኻ ሮማ ካህናት፥ “ከም ማሕበረሰብ ካህናት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነት ወጻእተይናን ብርሕቐት ብመስኮት እንርእይ ብዘይምዃን እቲ ምፍንታት ኣካል ናይ ሕዝብን ወገኑን ምዃንና ተሰምዖና ዘሐየልና ኢና” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ምስጋና ቃል ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንናይ ሰበኻኦም ሮማ ጳጳሳትን ካህናትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ጓሶት ሕዝበ እግዚኣብሔር እቲ ዝተፈጥረ ቅልውላው ክንክን ጥዕና ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ንዘስዓቦ ስቓይ ብኢዶም ዝተንከፉን ንሕዝቢ ቀረባ ምዃኖም ገሊጾም፡ በቲ በቢ ዕለቱ በቲ ለብዒ ንሕማምን ስቓይን ሞትን ዝተቓልዐ ሕዝቢ ቀረባ ብምዃን ከም ካህናት ኣብ ጎድኑ ኮይኖም፡ “ከም ማሕበረሰብ ካህናት - ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም - ናይቲ ሕዝቢ ኣካል እምበር ነቲ ኣብ ከቢድ ማዕበል ተኣሊኹ ንዘለሉ ጽንኩር ኩነት ወጻእተይናን ብመስኮት ኮይኖም ዝዕዘቡ ዘይኮንና ኣብቲ ዘለሉ ተረኺብኩም ህልዋት ኮይንኩም ንማሕብረሰብኵም እተሰንዩን እቲ ተዅላ ክመጽእ ርኢኹም ንመጓሰ ጠንጢንኩም ዝሃደምኩም ኣይኮንኵምን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ክፍለ ኣካል ናይ ምዃን ቀልቢ ምሕያል

ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ቅድመ በዓለ ፋሲካ ጸሎተ ሓሙስ ምስ ናይ ሰበኻኦም ሮማ ካህናት ምስጢረ ቅዱስ ቁርባንን ክህነትን ዝተሰረዓሉ ዝክረ ዕለት ብሓባር ኮይኖም ዘብዕልዎ ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፡ እቲ መደብ እውን ዝነበረ እንተኾነ ብምኽንያት እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለብዒ ክፍጸም ከምዘይተኻእለ ክፍክለጥ እንከሎ፡ ንካህናቶም ቅርበቶምን ኣብ ጉዕዞኦም ዘጽንዕዎምን ምዃኖም በታ ዘመሓላለፍዋ መልእኽቲ ከምዘረጋገጹን፡ ኣብዚ እዋን ለብዒ’ዚ ካብ ብዙሓት ካህናት ብስልኪ ድዩ ብኢጦማርን መልእኽትን ምስክርነትን ከምዝበጽሖምን “እቲ ለብዒ ንምድራት ማሕበራዊ ምፍንታት ኣገዳሲ እውን እንተኾነ ነቲ ሱታፌን ናይ ሕዝቢ ኣካል ምዃንን ተልእኾን ዘተዓናቐፈ ዘይኮነ፡ ኣዚዩ ህልው ገይሩዎ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ከምቶም ቀዳሞት ሓዋርያት

እቲ ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ናይቶም ቀዳሞት ሓዋርያት ተመክሮ ድሕሪ ባይታ ዝገበረ ኮይኑ፥ ደቀ መዝሙርቲ ኣብተን ሓምሳ መዓልታት ተሓሪጐምን ተነጺሎምን ኣብ ዘይርጉጽነትን ተዋሒጦምን ተዓጽዮምን ተዓኒዶምን ምስ ኣሕለፍዎ እቲ ሕይወቶም ዝለወጠ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ዘስርጸሎም ኩነት ኮነሎም” ኢየሱስ ደቀ መዛሙርቲ ከይሓሰብዎ ኣድናቖት ብዝፈጠረሎም ኣገባብ ድማ “ሰላም ምሳኻትኩም” እንክብል ኣብቲ ዝተዓጸውሉ ቤት ኣተወ፡ ስለዚህ ድማ - ይብሉ - ሓሴትን ተስፋን ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ጠቒሶም፥ ናይ ኩሎም ብፍላይ ናይ ሕዙናትን ድኹማንት ድኻታትን ሓሴትን ተስፋን ጓህን ስቓይን ናይ ሓዋርያት ሓሴትን ተስፋን ጓህን ስቓይን እውን ዝነበረ” ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ኣብ ልባቶም ዝተቓልሔ ቅኑዕ ናይ ሰብኣዊ ኩነት እዩ፡

ማሕበራዊ ምፍንታት ግድንን ምሕላው ዘድልን ኣገዳስን እውን እንተዀነ እዚ ናይ ሕዝቢ ወገንን ክፍለ ኣካሉን ምዃንን ሱታፌን ተልእኾን ንኸይሕይል ኣይገበረን፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ መንጐ ዘይርጉጽነትን ፍርሕን

ድሕሪ እዚ ጽንኩር መዓተይና ተመክሮ’ዚ ሓድሽ ጥበብን ርሑቕ ዘማዕድውን ናይ ሓባር ጻዕሪ የድሊ፡ ስለምንታይ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝተፈጸሙ ዕዮታትን ዝተዋህለለን ተመክሮ በኺኑ ከይተርፍ መታን”፡ ዘይተጸበናዮ ከቢድ ስቓይን ብዙሓት ኣባላት ኣባይቲ ስድራናን ቁምስናታትን ኣበ ነፍሳትን ንናይ እምነትና መወከሲ ዝኾኑናን ንኽንስእኖም ገይሩና እዩ፡ ድሕሪ እዚ ናይ ስቓይን ዘይርግጹነትን ተመክሮ ሓድሽ ምዕራፍ ነበግስ፡ . . . ናይቶም ፍቱዋቶም ዝተፈለይዎምን ንኽሰናብትዎም ብዘይምኽኣሎም ዘይተጸናንዔ ልብን ወጅህን ዝተሰከሙን . . . ስቓይን ዘይብቑዕነትናን ረኣና . . . ኩላትና ናይ ኵላትናን ናይ ሰራሕተይናታትን ናይ ወለንተይናታትን ፍርሕን ዘይርጉጽነትን ረኣና”፡ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ጽሞናን ደሴታውነትን

እቲ ለብዒ ኣካላዊ ስቓይ ጥራሕ ዘይኮነ “ማሕበራዊ ምፍንታትን ምርሕሓቕን ጽሞናን ደሴታውነትን ብፍላይ ናይ ኣረጋውያንን ስቓይ እውን ፈጢሩልና እዩ”፡ ጭንቀትን ሻቕሎትን ኣልቦ ውሕስነት ስራሕን ርጉጽነት ኣልቦ መሕደሪ ቤትን ዝኣመሰሉ ተደራራቢ ስቓያት . . .  ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ኣብ ጠረጴዛ ዝቐርብ መግቢ ዘይብሎም ኮይኖም ዝተረፉን እዚ ኩሉ ስቓይ’ዚ ክንበር ገይሩ እዩ”።

ኵሉ ተሓዋሲሱናን ኣልቦ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ተሰመዓና

“ምስ ተኣፋፍነትናን ድኻምነትናን ኣራኸበናን በቲ ዝኸውን ዝነበረ ኩሉ ደንጺዩናን ናይ ሕይወትናን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መደባትናን ዘይርጉጽነቱን ተኣፋፍነቱን፡ እቲ ዘይተሓስበ ኩነት ምስቲ  ክነመሓድሮ ወይ ክንቆጻጸሮ ምስ ዘይከኣለና ዘይፍሉጥ፡ ብሓባር ንምንባርን ንምቁጽጻሩን ብቑዓት ዘይምዃንና ኣግሃደ፡ ከም ኵሎም ምድንጋራትን ፍርሕን ኣልቦ ተኸላኻሊ ኮይንና ተሰመዓና”፡ኣብ ቅድሚ ኢፍትሓውነት ኣእዳውና ኣጣሚርና ኮፍ ከይንብል ኣገዳሲ ብምዃኑ ጥዑይ ዝኾነ ሕርቃንን ቍጥዓን ንነብር”።

ናይ ጐይታ ሰዓታት ሕማማት ተመክሮና ኮነ

እቲ ለብዒ ጓሶትን ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ቅድሚ ሓድሽ ብድሆ ፊት ኣንበሮ፡ “እቲ ዝተሓላለኸ ክንገጥሞ ዝግብኣና - ይብሉ ቅዱስነትም ኣብ መልእኽቶም - ትእዛዝ ወይ ናይ መቆጻጸርን መምርሕን ሰነድ ዘይጻወርን ካብ ተራ ዝኾነ ምዕዳናትን ወይ ተራ ሓናጺ መደረታትን ንላዕሊ ብዙሕ ዝሓትት ኣብቲ ሕይወት ካባና ኣብ ዝጠልቦ ኩሉ ንኽንስረትን ብምስትውዓል ሓላፍነትና ንኽንለብስ ብቕዓት ዘይብልና”።

ኵሉ ኣብ ሓንቲ መርከብ

ኣብ ከምዚ ዓይነት ጽንኩር እዋን እትስዕቦ መገዲ ምልላይ ወይ ምርካብ ኣጸጋሚ ይገብሮ፡ እቲ ለብዒ ዕላማን ዶባትን ዝፈልጥ ኣይኮነን፡ ሓደ’ኳ በይነይ ክወጾ እየ ዘይብሎ እዩ፡ ንዅላትና ኣጥቒዑናን ንኹላትን ዘጥሕል እዩ”፡ “እቲ ኩሉ ስሩዕ ብዝነደፎ ዝጓዓዝን ዘይሽበርን ንኽትገልጾ ዘጸግም ማእለያ ንዘይብሉ ኣህላኽነት ወትሩ ድልው ዝኾነ ዝብል ትረኻ ዛዕባ ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ሕቶ ክኣትው ገይሩ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ዓመጽን ግጭትን ባህላውን መንፈሳውን ጉድለት ከምዘሎ ዝሓበረ እዩ”።

ሓደስቲ ፍኖት ምቕናዕ

ንመጻኢ ብምምዕዳው ከምዘድሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከዘኻኽሩ እንከለዉ፡ “ተስፋ ዝተመልኦ ትኩር ዝኾነ ህዱእን ግና ተባዕ ዝኾነ ዘላቕን ዘይርቡጽን እግዚኣብሔር ንኽንስጉመሉ ዝጽውዓና ሓደስቲ ፍኖት ንምቕናዕ ዘኽእል ምስማዕን ጽን ምባልን ኣገዳሲ እዩ”፡ “ካብቲ ሃውጽን ካብቲ ከቢድ ናይ ስቓይ ተመክሮ ልክዕ ከምቲ እቲ ቅድም ዝነበርናዮ ኮይና ክንተርፍ ከምዘይከኣል ንፈልጥ ኢና፡ ስለዚህ ንቑሓትን ትኵራትን ክንከውን ይግብኣና”፡ እቲ ክንስዕቦ ዝግብኣና መገዲ ኣልቦ ስግኣት ክኸውን ዘይከኣል እዩ፡ “ብውልቅን ብማሕበረሰብነትን እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንተኣፋፍነትናን ተነቃፍነትናን ውስንነትናን ማህረምቲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንኽንጸልን ኣብ ኩምሳዐ ጓሂ ንኸነብል ዝድርኽ ብድመትን ጽምዋን ወይ ከኣ መጠን ኣልቦ ንዝዀነ ትስፍውና ዝብል ስግኣት ከሀልው ዝከኣል እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ሓዋርያዊ ማሕበረሰብ

ብኻልእ መዳይ እቲ ለብዒ ናይ ሕዳሴ ኩነት እውን እዩ።  ብርግጽ ይብሉ ቅዱስነቶም “እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘየጋጠመ ነይሩ እንተዝኸውን ምመረጽና” ይኹን ደኣ እምበር ነፍሲ ወከፍ ኩነት ንብስራት ሰላም ልዙብ እዩ፡ ጸጋ ቡኹር ዝኾነሉ ኩነት የልቦን”፡ ጐይታ “ዝኾነ ይኹን ኣመክንዮን መርትዖን ዝቕይርን ንታሪኽን ንኩነት ሓድሽ ትርጉም ዝህብን እዩ”፡ ኣብ ተኣልዮን ኣብቲ ብሓይሊ ንኽትቦክር ኣብ ዘገድድ ኩነትን፡ ከምቲ ኣብቲ ናይ ትማሊ ናይ ሓዋርያት ምዝሕታልን ምርኰን ብማሕበረሰብ ንምግልጋል ዘብቅዕ ጸጋኡ ክጽግዎም ህልው ዝኾኖ ህልው እዩ”፡ ምስ ህላዌኡ እቲ ተኣልዮ ንሓድሽ ማሕበረሰብ ሓዋርያት ሕይወት ዝህብን ፍርያምን  ይኸውን”።

ናይ ጐይታ ግዜ

እምነት - ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መልእኽቶም - ጭቡጥን መሃዝን ስእለ ኣእምሮ ክህልወና ይገብር”፡ ሓድሽ ግዜ ንኸንሓንጽ ይዕድመና፡ ናይ ጐይታ ግዜ”። ንካህናት በቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክምርሑ ገዛእ ርእሱም ክፈቕዱ ይላበዉ፡ ህላዌ ክትጭብጦ ዘይከኣል ነቲ ነቕ ዘይብል ዝመስል ማሕበረሰብናን ሓብትና መሬትን ትንፋስ ዝዓብስን ዘባድምን ዓለም ሓቆፋዊ ዝክረ ነገራት ቀዳምነት ዝህቦን ኩሉ ፋሕ ጭንግራሕ ካብ ኣእተወሉ፡ እቲ ትንሱእ ሃላዌ ዘመላኸቶ ጥማቶናን እዚ ታሪኻውን ብፍሉይ ኩነትን ብትብዓትን ንኽንነብሮ ትብዓት ዝጽግው ከፍርሓና የብሉን”፡ እቶም ዕማኾ ዘይኾኑ ፈራሓት ዝነበሩ ስብከትን ብስራትን ሕያው እግዚኣብሔር ዝብል ሓድሽ መስርሕ ንምብጋስ ብቕዓት ክምዝሃለዎም፥ ንስኻትኩም ከኣ ኣይትፍርሑ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብትንሱእ ንምድናቕ ፍቓደይናታት ንኹን

ፍራንቸስኮ ንካህናት ደጊሞም ብትንስኡ ኢየሱስ ንምድናቕ ፍቓደይናታት ንኽኾኑ ተላብዮም፥ “ጭቡጥ ኩነት ጽንኩርን ዘይቅኑዕን ፍርዲ ምኽንያት ጎድኑ ዝቆሰለ ኣንሕና እውን ኣብ ቅድሚ ናይ ኣሕዋትና ከበድን ስቓይን ሕቖና ንኸይንህብ የብቅዓና፡ ናይ ሕዝብና ኣቑሳል ብፍርሒ ዘይኮነ ብትብዓትን ክንፍውስን ፍድፋደ ወንጌል ክንዕንግልን፡ ንሱ ይምሃረና፡ ብትብዓትን ሓልዮትን ሓላፍነትን ሳምራዊ ብሓሴት ናይቶም ዝጠፍኤት በግዖም ዝረኸቡ ጓሶትን ብናይቲ ምሕረት ዝህብ ሕቕፎ ኣቦን ብምሕረትን ትኩር ጥንቃቔን ቡባቔን ናይ ቤታኒያ ማርያምን ብህድኣትን ዓቕልን ብልሓትን ናይ ጐይታ ልኡካንን ንክናኸኖም”።

ተኣፋፍነት ኣብ ኢድ ጐይታ ነንብሮ

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ሮማ ሰበኻኦም ካህናት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ - “እቲ ዶብ ዘይፈልጥ ፋሲካ ናብቲ ተስፋን ሕይወትን ዝቃለስሉ፡ ኣብቲ ስቓይን ቁስልን ንምግባረ ብልሽውናን ንምጽንጻን መኽሰብን ቦታ ናብ ዝኾነሉን፡ ናብቲ ዓመጽ እንኰ መፍትሕ ኮይኑ ናብ ዝረኣየሉን ስፍራ፡ ብመሃዝነት ንኽመርሓና ንፍቀደሉ”፡ ኣብ ልዕሊ እተን ዝቖሰላ ኣእዳዉ - ይብሉ ቅዱስነቶም - ተኣፋፍነትናን ናይ ሕዝብና ተኣፋፍነትን ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ተኣፋፍነትን ከም መስዋእቲ ኣብ ኢዱ ነንብሮ” እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ንካህናት ሮማ፥ ኣብዚ ብርቱዕ እዋናዊ ማዕበል ንመጓሰ ዘይጠንጠንኩም ኢኻትኩም!
31 May 2020, 00:50