ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ጽሎት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ጽሎት 

ለበዳ ንኽንቅንጠጥ ር.ሊ.ጳ ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መካነ ንግደታት ጸሎተ መቚጸርያ ክደግሙ እዮም!

ንዝመጽእ ዕለት 30 ግንቦት 2020 ዓም ቀዳም ምሸት ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሰዓት 17,30 (ሓሙሽተን ፈረቃን ድሕሪ ቀትሪ) ኣብ ዓጸድ ኣታኽልቲ ቫቲካን ዝርከብ ንዝኽሪ በዓቲ ሉርድ ኣብ ዝተሰርሔ በዓቲ ጸሎት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መካነ ንግደታት ብቀጥታ ብመራኸቢ ብዙሓን ብዝተኣሳሰረ መንገዲ ካብዚ ወሪዱና ዘሎና ለበዳ ረድኤትን ሓገዝን እኖና ድንግል ማርያም ንምልማን ጸሎተ መቚጸርያ ክደግሙ ምዃኖምን ኣብ ዓለም ምሉእ ንዝርከቡ መካነ ንግደታት ክሓብርዎም ከምዝዓደሙን ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን

ንዝኾነ ተበግሶ ወትሩ ብቃል ኣምላኽ ስለዝኸፍቱ ነዚ ፍሉይ ናይ ምህለላ ግዜ ዝመርጽዎ ቃል ኣምላኽ ካብ ግሐ 1.14 'እዚኣቶም ኲሎም (ሓዋርያት) ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ ኢየሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሐቢሮም ይጽልዩ ነበሩ` ዝብል እዩ። እዚ ንዝመጽእ ቀዳም ዕለት 30 ግንቦት 2020 ዓም ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝምራሕ ጸሎተ ምህለላ መቚጸርያ ብቀንዱ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ጸገም ክቕንጥጠልና ስለዝኾነ ኩለን መካነ ንግደታት ነቲ ልሙድ ተግባራተን ኣቋሪጸን ኣብዛ ሁመት እዚኣ ኩሎም ሓቢሮም ምስኦም ክጽልዩ ተማሕጺኖም። ካብተን መራኸቢ ብዙሓን ብቀንዲ ከም ናይ ኤውሮጳን መላእ ዓለምን መተሓባበሪ ተለቪዥን ሞንዶቪዝዮነ ዝበሃል ንብዙሕ ናይ ፍሉይ ፍጻሜታት ዘመሓላልፍ ክፍሊ ኰይኑ እዚ ለበዳ እዚ ካብ ዝወርድ እዚ ንካልኣይ ግዜ ብዓለም ለኸ ደረጃ ዝግበር ፍሉይ ምህለላ እዩ።

ከምዝዝከር ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ንዓለም ምሉእ ዘንቀጥቀጠ ምህለላ ንተኣምራዊ መስቀል ኢየሱስ ስእሊ እኖና ድንግል ማርያምን ሰቂሎም ስግደት ቅዱስ ቊርባን ብምግባር ንመላእ ዓለም ከምዝባረኹን ክንዲ ኩልና ኰይኖም ነታ ሓዋርያት ብማዕበል ኪወሓጡን ክጥሕሉን ምስ ቀረቡ `ጐይታ ጠፋእና ኣድሕነና` ክብሉ ንዝተማሕጸንዎ ናቶም ብምግባር ክንዲ ኩልና ኰይኖም ዝተመህለልዎን መላእ ዓለም ብመራኸቢ ብዙሓን ዝተኸታተሎን ይዝከር።

ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ጭንቂ ወርሓት ብዙሓት መካነ ንግደታት ብመራኸቢ ብዙሓ ምስ ሕዝቢ ጸሎተ መቚጸርያ ብምዕራግ ብዙሕ ምጽናንዕ ከምዝተረኽበ እንክግለጸ ሓደ ካብዚ ኣብ ፖምፐይ ሃገር ጣልያን ዝግበር ዝነበረ እዩ። ብፁዕ ኣቡነ ካፑቶ ብዛዕባ ምጽንናዕ መቊጸርያ ኣብ ግዜ ለበዳ ሓደ ካብ ፖምፐይ ከምዝነበረ ይምስክሩ። እቲ ተበግሶ ብጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ንሓዲስ ስብከተ ወንጌል እዩ ተወሲዱ። እዚ ተበግሶ እዚ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብዙሓት ሥድራቤታትን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት በዚ ለበዳ ካብ ዝተጠቅዑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተቀባልነት ረኺቡ ስለ እቶም ሕሙማት ዝዓርጉ መቊጸርያታት ብኣሽሓት ነበረ። ነዚ መደብ እዚ ሓካይምስ ይኹኑ ኣለይቲ ሕሙማት ጋዜጠኛታትስ ይኹን ወለንታውያን ኣገልገልቲ ሕዝቢ ዝተፈላለየ ምስክርነታት እንክህቡ ኩሉ በዚ ጸሎት እዚ ንዝርከብ ዘይነጽፍ ተስፋ ይገልጽ። ኣብ ፍጻሜ እዚ ንእኖና ድንግል ማርያም ዝተወፈየ ወርሒ ሓለዋን ረድኤትን እኖና ድንግል ንምርካብ ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ሓዲስ ስብከተወንጌል ብዝመደቦ እንደገና ንሥቃይን ጸገምን መላእ ዘመደ ኣዳም ኣብ እግሪ እኖና ድንግል ማርያም ንምቅራብ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራቸስኮስ መቊጸርያ ክመርሑና እዮም ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅርብዎ ሓሳብ ምስ እኖና ድንግል ማርያም ሓቢና ንመላእ ዓለምና ሰላም ከምኡ እውን ነዚ ወሪዱና ዘሎ ለበዳ ሕማም ክቅንጥጠልና ንጸሊ ምስ በሉ ኣብዚ ጸሎተ ምህለላ እዚ ካብ ሓሙሽተ ክፍላተ ዓለማት ካብ ሉርድ ፋጢማ ኩኻን ሚላግሮ ጓዳሉፐ ሳን ጆቫኒ ሮቶንዶን ፖምፐይን ቀጥታዊ ርክብ ክግበር ምዃኑን እቲ ጸሎተ መቚጸርያ ብሓደ ከምዝዓርግን ሓላፊ ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ብፁዕ ኣብነ ሪኖ ፊዚከላ ናብ ሓለፍቲ እዘን መካነ ንግደታት ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ከም እትገልጽ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 May 2020, 09:03