ቤተክርስትያን ንነፍሲወከፍ ሰብ ኣብ ጉዕዞ እተስኒ መሓዛ እያ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ካብ ማቴ 28,16-29 ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሓዋርያቱ ንክሰናበት ከምቲ ኣብ ዕለተ ትንሣኤኡ ኢልዎም ዝነበረ ናብ ገሊላ ንክረኽቦም ምስ ተኣከቡ ንኩሉ ዓለም ንክምህሩን ብስም ኣብን ወልድን መፈስቅ ቅዱስን እናኣጠመቁ ደቂመዛሙርቱ ክገብርዎም ነዚ ከኣ በይኖም ከምዘይኮኑ ንሱ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምስኦም ከምዝኾነ የረጋግጸሎም፣ እዛ ኣቀዲሙ ዘመልከቶም ናይ ርክብ ቦታ ጎቦ ብምንባራ ጎቦ ገሊላ ወይውን ኩርባ ገሊላ ትበሃል። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ከኣ ኩርባ ወይ ጎቦ ክንብል እንከሎና ትርጉም ኣለዎ።
ትርጉም ጎቦ/እምባ/ኩርባ ወይውን ሓፍ ዝበለ ቦታ!
ቅዱስነቶም ናይ እምባ ትርጉም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ንምግላጽ ዝመርጽዋ ጥቅሲ እቲ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 5 ዘላ ትምህርቲ ብፅዕናን ካልእ ፍጻሜታትን ብምዝካር `ኢየሱስ ንትምህርቲ ብፅዕና ኣብ እምባ መሃረ ከምኡ ኣውን ክጽሊ ምስ ዝደሊ ለይቲ ምሉእ ኣብ እምባር ይሓደር ነበረ ብድሕር'ዚ ነቲ ዝስዕቦ ዝነበረ ሕዝቢ ዝቅበለሉን ንሕሙማቶም ዘሕውየሉን እውን ኣብ እምባታት ነበረ` ኢሎም።
ምስክርነት ንምሃብ ተስፋ ዘይምቊራጽ!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ነታ ንሱ ዝሃቦም ሓደራ ማለት ወንጌል ክሰብኩን ክምህሩን ንኩሎም ከኣ እናኣጠመቁ ተኸተልቱ ክገብርዎም ነዚ ከኣ ከምታ ንሱ ዝገበራ መንገዱ እናሰዓቡ ክጐዓዙ ተልእኮ ሃቦም። እዚ ተልእኮ እዚ ሎሚ ንዓናውን ይምልከቱ።
ሎሚ እውን ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ኣብ ማእከልና ኣሎ!
ኢየሱስ ኣብ ማእከልና ምህላው ዘረጋገጸልና ከኣ በቲ ወትሩ ንቤተክርስትያን ዝመርሕ ኣብ ሕድገት ሓጢኣት ዝነጥፍ ነቶም ዝተነሥሑ ዝቅድስ ብምስዳድ ንሓዲስ ምትእምማን ልባትና ይኸፍት። ብምሥጢረ ዕርገት ገሩኸስ ኢየሱስ ብሓዲስ መልክዕ ወትሩ ኣብ ማእከልና ከምዘሎ የረጋግጸልና። እዚ ከኣ ብሕያው ቃለ ወንጌሉ ብምሥጢረታ ቤተክርስትያኑን በቲ ወትሩ ኣብ ውሽጢ ነፍሳትና ኰይኑ ብዝሠርሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ።
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ነዚ ጒዕዞና ብእናታዊ ሓለዋኣ ክተሰንዮ ካብኣ ኸኣ ነቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ጐይታ ብለውሃትን ትብዓትን መሰኻኽሩ ንምዃን ንመሃር ምስ በሉ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም።