ድለ

ቤተክርስትያን ንነፍሲወከፍ ሰብ ኣብ ጉዕዞ እተስኒ መሓዛ እያ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንበዓለ ዕርገት ካብ ሓሙስ ናብ ሎሚ ሰንበት ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓም ብምስግጋር ቅ.ኣ.ር.ኢ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ልሙድ ናይ ዕለተሰንበት ጉባኤ ኣስተምህሮ ንግሥተ ሰማያት ምስ ዕርገት ብምትእስሳር እቲ ንሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ዝሃቦ ተልእኮ `ብሥራት ወንጌል ጥምቀትን ብመንገዲ ወንጌል እንዳተመላለስካ ምስክርነት ምሃብ ነበረ።' ሎሚ እውን እንተኾነ ንሕና ክርስትያን ብብርሃን ትንሣኤ ክንምልከቶ እንተኾና ተልእኮና እዚ እዩ እንክብሉ ነዚ ከኣ በይንና ከምዘይንገብሮ እንታይ ደኣ ንሱ ክሳብ ፍጻሜ ዓለም ወትሩ ምሳና ከምዝኾነ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ካብ ማቴ 28,16-29 ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሓዋርያቱ ንክሰናበት ከምቲ ኣብ ዕለተ ትንሣኤኡ ኢልዎም ዝነበረ ናብ ገሊላ ንክረኽቦም ምስ ተኣከቡ ንኩሉ ዓለም ንክምህሩን ብስም ኣብን ወልድን መፈስቅ ቅዱስን እናኣጠመቁ ደቂመዛሙርቱ ክገብርዎም ነዚ ከኣ በይኖም ከምዘይኮኑ ንሱ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምስኦም ከምዝኾነ የረጋግጸሎም፣ እዛ ኣቀዲሙ ዘመልከቶም ናይ ርክብ ቦታ ጎቦ ብምንባራ ጎቦ ገሊላ ወይውን ኩርባ ገሊላ ትበሃል። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ከኣ ኩርባ ወይ ጎቦ ክንብል እንከሎና ትርጉም ኣለዎ።

ትርጉም ጎቦ/እምባ/ኩርባ ወይውን ሓፍ ዝበለ ቦታ!

ቅዱስነቶም ናይ እምባ ትርጉም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ንምግላጽ ዝመርጽዋ ጥቅሲ እቲ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 5 ዘላ ትምህርቲ ብፅዕናን ካልእ ፍጻሜታትን ብምዝካር `ኢየሱስ ንትምህርቲ ብፅዕና ኣብ እምባ መሃረ ከምኡ ኣውን ክጽሊ ምስ ዝደሊ ለይቲ ምሉእ ኣብ እምባር ይሓደር ነበረ ብድሕር'ዚ ነቲ ዝስዕቦ ዝነበረ ሕዝቢ ዝቅበለሉን ንሕሙማቶም ዘሕውየሉን እውን ኣብ እምባታት ነበረ` ኢሎም።

“እንተኾነ እዛ ናይ ሎሚ ጎቦ መምህር ኰይኑ ዝምህረለላ ዘሕውየላ ዘይኮነትስ እቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ወንጌል ከመሥሩ ሓደራ ብማለት ነቲ ተልእኮኡ ክቅጽሉ ሥልጣን ይቦም። በዚ ከምዚ ንዓና እውን ንተግባር ድሕነቱ ክንቅጽል ኣብዚ ዝኽረ ዕለተ ዕርገቱ ኣጆኹም ምስክርነት ንምሃብ ኣይትሰልችው ተስፋ ኣይትቊረጹ ይብለና ኣሎ።”

ምስክርነት ንምሃብ ተስፋ ዘይምቊራጽ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ነታ ንሱ ዝሃቦም ሓደራ ማለት ወንጌል ክሰብኩን ክምህሩን ንኩሎም ከኣ እናኣጠመቁ ተኸተልቱ ክገብርዎም ነዚ ከኣ ከምታ ንሱ ዝገበራ መንገዱ እናሰዓቡ ክጐዓዙ ተልእኮ ሃቦም። እዚ ተልእኮ እዚ ሎሚ ንዓናውን ይምልከቱ።

“እዚ መልእኽቲ ድሕነት እዚ ቅድሚ ዝኣገረ ምስክርነት ግዲ ይብል ከመይ ብዘይ ምስክርነት ወንጌል ክነበስር ኣይንኽእልን እዚ ከኣ ንዓና ንደቀ መዛሙርቲ ናይ ሎሚ እውን ይምልከት። በዚ ከኣ ንእምነትና ትርጉም ንህብ። ኣብ ቅድሚ ክንድዙይ ዓቢይ ዝኾነ ተልእኮ ዘሰከሞ ሓላፍነትን ድኻምነትናን እንክነነጻጽር ዘይብቚዓት ኰይኑ ይስመዓኒ እቶም ናይ ሽዑ ሓዋርያት እውን ከምኡ እዩ ተሰሚዕዎም። እንተኾነ ተስፋ ክንቈርጽ የብልናን ነተን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ንሰማይ ምዕራጉ ንሓዋርያቱ ዝበለን ቃላት ንዘክር ንዘን ከኣ `ኣነ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም ኣሎኹ` ዝብሉ ዘጸናንዓ ቃላት እየን። ሰለዚ ኢየሱስ ከም ቃሉ ገና ኣብ ማእከልና እይ ዘሎ ወትሩ ምሳና እዩ።”

ሎሚ እውን ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ኣብ ማእከልና ኣሎ!

ኢየሱስ ኣብ ማእከልና ምህላው ዘረጋገጸልና ከኣ በቲ ወትሩ ንቤተክርስትያን ዝመርሕ ኣብ ሕድገት ሓጢኣት ዝነጥፍ ነቶም ዝተነሥሑ ዝቅድስ ብምስዳድ ንሓዲስ ምትእምማን ልባትና ይኸፍት። ብምሥጢረ ዕርገት ገሩኸስ ኢየሱስ ብሓዲስ መልክዕ ወትሩ ኣብ ማእከልና ከምዘሎ የረጋግጸልና። እዚ ከኣ ብሕያው ቃለ ወንጌሉ ብምሥጢረታ ቤተክርስትያኑን በቲ ወትሩ ኣብ ውሽጢ ነፍሳትና ኰይኑ ብዝሠርሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

“በዓለ ዕርገት ዘረጋግጸልና ነገረከስ ሽሕ`ኳ ኢየሱስ ናብ ሰማይ ዓሪጉ ብክብሪ ኣብ የማን ኣቦኡ እንተተቐመጠ ወትሩ ኣብ ጐድንና ኣብ ማእከልና ከምዘሎ እዚ ከኣ ሓይልናን ጽንዓትናን ተሓጓስናን ኰይኑ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ይግለጽ።”

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ነዚ ጒዕዞና ብእናታዊ ሓለዋኣ ክተሰንዮ ካብኣ ኸኣ ነቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ጐይታ ብለውሃትን ትብዓትን መሰኻኽሩ ንምዃን ንመሃር ምስ በሉ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 May 2020, 23:53