ድለ

2019.10.20 ዝሓለፈ ዓመት 2019 ር.ሊ.ጳ ስለ ስብከተ ወንጌል እንክቅድሱ 2019.10.20 ዝሓለፈ ዓመት 2019 ር.ሊ.ጳ ስለ ስብከተ ወንጌል እንክቅድሱ 

ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ጸጋ መንፈስ ቅዱስ እምበር መሕብእን መህደምን ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ

ብፖንቲፊካል ሚሽን ሶሳይትይስ ዝፍለጥ ጳጳሳዊ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ናብ ዓለም ምሉእ ወንጌል ንምዝርጋሕ ዝነጥፍ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ኰይኑ ር.ሊ.ጳ በብግዜኡ መልእኽታት ብምጽሓፍስ ይኹን መምርሒ ብምሃብ ኣብ ዝግበር ሓፈሻዊ ጉባኤታቱ ክስዕቦ ዘለዎ መንገዲ ይሕብሩ። ንሎምዘመን ኣብዚ ግዜ'ዚ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ከካይድ እኳ እንተነበሮ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ንዘይተወሰነ ግዜ ብምትሕልላፉ ቅዱስነቶም ግን ናብ ኩሎም ኣባላት እቲ ማሕበር መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን

ኣብ ኩሉ ሥሩዕ መደባት ዓለምና ዘጋጥም ዘሎ ጳጳሳዊ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል እውን ንዕለት 21 ግንቦት 2020 ዓም ክጅምሮ መዲብዎ ንዝነበረ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ንዘይተወሰነ ግዜ ንከመሓላልፍ ስለዝተገደደ ቅዱስነቶም ኣብዚ ጉባኤ ብኣካል ተረኺቦም ቃለ ምዕዳኖምን ምርሒቶምን ክህቡ ትጽቢት ከምዝነበሮም ብምግላጽ ንኩሎም ኣብ መላእ ዓለም ወፊሮም ነዚ ተልእኮ ንጽፍጽሙ ስፍሕ ዝበለ መልእኽቲ ጽሒፎም።

ቅዱስነቶም ከም ልማዶም ንመልእኽቶም ዝኸውን መኽፈቲ ነቲ ጐይታ ቀቅድሚ ንሰማይ ምዕራጉ ንሓዋርያቱ ዝሃቦም ሓደራ ተልእኮ ስብከተ ወንጌልን ናይ ሓዋርያት ኩነተ ኣእምሮን ትጽቢትን ዝምልከት ካብ ግሐ 1.6 'ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጐይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን። መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡'ዝብል ክፍሊ ብምጥቃስ ቀንዲ ተልእኮ ናይዚ ማሕበር ገሊጾም።

ተልእኮ ስብከተ ወንጌል በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተመልከተ ጥቅሲ ንጹር ከምዝኾነ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ድሩትርነት ዓለምናን ጸገማት ደቂሰባትን ንብሥራት ወንጌል ክጅልሖ ስለዝኽእል ንምጥንቃቅ ዚኣክል ካብ ከቢቡና ዘሎ 'ፖሎቲካውን ባህላውን ሥነ ሓሳባውን ሃይማኖታውን ኣኽራርነትን ክትሰድዕ ካብ ምቅላስን ፍለይዎ` እንክብሉ ቀንዲ ትርጉምን ሥራሕን ተልእኮ ስብከተ ወንጌል 'ነጻ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ ንማንም ጉጅለ ናይ ግሉ ግንዖ ኰይኑ ነቲ ሓደ ብፍላይ ዝብጽሖ ነቲ ሓደ ከኣ ዘይምልከቶ ጉዳይ ገርና ክንወስዶ ኣይንኽእልን` እንክብሉ ካብ ዝኾነ ርእስኻ ዝበለጽካ ሰባኬ ወንጌል ገርካ ምግማትን ዓለማዊ ምግዋሕን ክርሕቁ ተማሕጺኖም። ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ካበይ ከምዝብገስን መሠረቱን ከኣ በብሓደ ዘርዚሮም።

መሥረታት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል!

ቅዱስነቶም ንኣባላት እዚ ማሕበር እዝን ንኩልና ክርስትያንን ከም መሠረታዊ ነገር ክንሕዞ ዘዘኻኽርዎ ብቀዳምነት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል መንነት ቤተክርስትያን ዝገልጽ ጥቡቅ ርክብ ምስ ቤተክርስትያን ዘለዎ ኰይኑ ኩሉ ተግባር መንፈስ ቅዱስ ብምዃኑ ናይ ማንም ኣስተንትኖን ጽቡቅ ሓሳብን ተበግሶን ውጽኢት ከምዝኾነ ክንግንዘብ ተማሕጺኖም። ታሕጓስ መንፈስ ምቅባል ጸጋ ኰይኑ እታ እንኮ መጋበሪት ስብከተ ወንጌል ከኣ እዚኣ እያ። ቀንዲ ክንጥቀቀሉ ዘሎና ከኣ ተበግሶ ስብከተ ወንጌል ብመንፈዓትና ወይ ብተበግሶና ዝነቅል ኣይኮነን ከምኡ እውን ሃነን ዘብል ስብከታትናን ዘረባናን ኣይኮነን ዘዐውቶ እንታይ ደኣ በቲ ንኩሉ ናብ ድሕነት ዝጽውዕ ጐይታ ርክብ ምስ ክርስቶስ ብምርኻብ እዩ ዝብገስ ስለዚ ሰባኬ ወንጌል ክንብል እንከሎና ናትና ዘይኮነ ናይ ጐይታ ሥራሕ ኢና እንምስክር እንክብሉ ቀንዲ ተዋሳኢ ስብከተ ወንጌል ባዕሉ ጐይታን ሓዋርያት ክጽበይዎ ዘተስፍዎም ካብ ላዕሊ ዝልበስ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስን እዩ ኢሎም። ናይ ሓቀኛ ስብከተ ወንጌል ምልክታት ሃሰስ ኢልና ክንረኽቦም ከም እንኽእል እውን ገሊጾም።

ምልክታት ሓቀኛ ስብከተ ወንጌል!

ቅዱስነቶም ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓሴት ወንጌል እትብል ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳኖም ከም ምልክታት ሓቀኛ ስብከተ ወንጌል ንዘመልክተወን ነጥብታት ብምዝኽኻር ከም ቀዳመይቲ ነጥቢ ዘቅረብዎ ስብከተ ወንጌል ሰሓቢ ማራኺ ደኣ ክኸውን ኣለዎ እምበር ከምቲ ዓለም ዝገብሮ ናባኻ ክትሰድዕ ኢልካ ምቅላስ ክኸውን የብሉን። ቤተክርስትያንከስ ምስክርነታ ሰሓቢ ማራኺ ምስ ዝኸውን እያ እትዓቢ እምበር ብምስዳዕ ኣይኮነትን ኢሎም። ንኢየሱስ ብፍቅሩ ተሳሒብካ ደስ ኢሉካ ከምእትስዕቦ ምስ ረኣዩ ካልኦት በዚ ይሰሓቡ። እዚ እቲ መሠረታዊ ምልክት እዩ። ነዚ ስዒቡ ካልእ ምልክት ሓቀኛ ስብከተ ወንጌል ስለቲ ብነጻ ዝተቀበልካዮ ምምስጋናን ብነጻ ነቲ ዝተቀበልካዮ ብነጻ ንካልኦት ክትህቦ ስንድው ምዃንን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ስብከተ ወንጌል ኣብ ምንም ዓይነት ዋጋ ዕዳጋን መኽሰብ ምጽብጻብን ክኸውን ኣይክእልን። ብነጻ ዝተቀብልኩምዎ ብነጻ ሃቡ ዝብሎ ከኣ እዚ እዩ። ነዚአን ምልክታት ስዒባ እትመጽእ ሓንቲ ካልእ ዓባይ ምልክት ከኣ ትሕትና እያ። ከመይ ታሕጓስ ወንጌልን ድሕነትን ብነጻ ዝተቀበልናዮም ኰይኖም ክንውንኖም ናትና ክንብሎም ዘይንኽእል ምዃና ምስ ተሰቆረና ወንጌል ብትሕትና ጥራይ ብዘይ ምንም ምፍርራህ ከምዝስበኽ ይበርሃልና። ነዚ ስዒቡ ዝመጽእ ካልእ ምልክት እውን ኣሎ እዚ ከኣ ነቲ ጐይታ ኣነጺሩ ዝበሎን ዝሃቦን ነገራት ሕንፍሽፍሽ ከይነእትወሉ ክንውሕልል ክንብል ዘይመልክዑ ከይነልብሶ ዘየድሊ ኣርዑት ኣብ ተቀበልቲ ከይንጽዕን ምጥንቃቅ የድሊ። ከመይ ሕይወት ብዓንዲ ርእሳ ሕልኽላኽትን ድኻምን ዝመልኣ ክንሳ ንሕና ነቲ ገርሀይናን ቀሊልን ዝኾነ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ሕልኽላኻት እንተኣብዚሕናሉ ነቶም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ እንኲስኲሶም ዓቅሎም ክሳብ ዝጸቦም እንተኣጨኒቅናሎም እቲ ጐይታ ዝህቦ ታሕጓስ ከስተማቅርዎ ኣይክእሉን ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ካልኦት ክልተ ምልክታት ሓቀኛ ስብከተ ወንጌል ሕይወትና ብተግባር ኣብ ጐድኒ እቶም ዝስበኹ ክኸውን ኣብቲ ንሶም ዘለውዎ ከምቲ ዘለውዎ ኰይኑ ክስበኸሎም ከምኡ እውን ድምጺ ሕዝበ እግዚአብሔር ሰሚዕካ ንንኡሳንን ድኻታትን እንክትመርጽ ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ስብከተ ወንጌል ከምዘሎኻ ሓቀኛ ምልክታት ይኾና ኢሎም። በዚ ከኣ ነቲ ዝተዋህበና መክሊት ክነብዝሕ ክነማዕብል ንኽእል ምስ በሉ ጳጳሳዊ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ከብዝሖም ዘለዎም መክሊታትከ ኣየኖት ኮን ይኾኑ ኢሎም ይሓቱ እሞ ልደቱን ተልእኮኡን ይትንትኑ።

 ክፈርያን ኪዓብያን ዘለወን ምክሊታት!

 

እዘን ምንቅስቃሳት ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ካብ ዝተጠምቁ ኣባላት ቤተክርስትያን ካብ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ዝተወልዳ ምዃነን ብምግንዛብ ኣብ ኩለን ክፍላተ ዓለማት በብወገኑ ዓቢ ሃብቲ ብዙሕነት ስለዘሎ ነዚ ክትጭፍልቆ ወይውን ሓደ ክትገብሮ ካብ ዝፍትን ዕብለላ ክንሕልዎ እዚ ብዙሕነት እዚ ካብተን ክፈርያን ኪዓብያን ዘለወን ምክሊታት ምዃና ተገንዚብና ኣብ ኩሉ ሕይወት ኣብያተ ክርስትያናት ነናይ ክልለን ሃብቲ ከደንፍዓ ምሕጋዝ የድሊ። ምስዚ ክነወግዶ ዘሎና ሓደጋታት እውን ከምዝሎ ክንዝንግዕ ከምዘይብልና ዝተማሕጸኑ ቅዱሰንቶም ብቀንዱ ካብ ኣነነት ክንርሕቅ እዚ ከኣ እቲ ኣተኩሮ ክንዲ ኣብ ስብከተወንጌል ዝኸውን ኣብ ኣነነት ከይወድቅ እሞ ጽምኢ ትእዛዝ ከይርከብ ከምኡ እውን ኣነ እሓይሽ ኣነ ምሁር እየ ዝብል ሓደጋ ከምኡ እውን ካብ ሕዝብኻ ተፈሊኻ ብማዕዶ ከም ሓደ ኣመሓዳሪ ወይውን ሥልጣን ዓለም ዝሓዝካ መሲሉካ እቲ መንፈስ ኣገልግሎትን ትሕትናን ከይሃስስ ምጥንቃ የድሊ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ካብ ማሕጸን ማሕበረሰብ ከይወጻእካ ኣብ መንጎ እግዚአብሔር ኰንካ ተልእኮኻ ምቅጻል መጻኢኻ ዘረጋግጽ ምዃኑ ብምዝኽኻር እቲ ዝሕተት መባእ እውን ካብቲ ማንም ዘይመንግሥታውያን ናይ ረድኤት ድርጅታት ዝገብርዎ ተፈልዩ መንፈስ መባእን ኣበክቶን ነቲ ጐይታ የማንካ እትህቦ ጸጋምካ ኣይትፍለጦ ዝብል ነቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ ክትምጽውት እንከሎኻ ነዚ ሠናይ ተበግሶ ከምእትሕግዝ ነዚ ግን ወሳኒ ንስኻ ወይ መባእካ ገርካ ከይትሓስብ ምኽሪ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ንዘክር ኢሎም ቅዱስ ኢግናጽዮስ 'ከትሰርሕ እንከሎኻ ኩሉ ካባኻ ከምዝኾነ ገርካ ብምሕሳብ ሥራሕ ከም ሓቁ ግን ኩሉ ካብ እግዚአብሔር ምዃኑ ፍለጥ` ዝብል ምኽሪ ብምልጋስ መልእኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
22 May 2020, 13:21