ድለ

ፍራንቸስኮ፥ እቲ ለብዒ ናይ ተመዛበልቲ ዘሕዝን ትርኢት ከየረስዓና

እቲ ዘሕዝን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ፍጻሜ፡ ኢየሱስ ኣብ ዕሸል ዕድመኡ ምስ ወለዱ ናብ ምስሪ ተሰዲዱ ዝተመኮሮ ከምዝኾነን፡ እዚ ኸኣ ናይ እዋንና ናይ ብዙሓት ብሚሊዮናት ናይ ዝቑጸሩ ኣባይቲ ስድራ ስቓይ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ዕለት 27 መስከረም ዝዝከር መበል 106 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይንታትን ተመዛበልትን ምኽንያት ዘመሓላለፍዎን ዕለት 15 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝኾነ መልእኽቶም፡ ኣብቲ ብዙሕ ዘይርአይ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ናይ ዝመዛበሉ ዜጋታት ዘሕዝን ፍጻሜ ዘማከለ ክኸውን እንከሎ - ቅዱስነቶም - “ኣብ ወጅሂታትም ናይቲ ዝተሰደን ዝተመዛበለን ኢየሱስ ምስሊ እዩ ዝንጸባርቕ” ዝብል ሕሳብ ከምዘስመሩሉን ነዞም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ውሽጢ ዝመዛበሉን ኣብ ከቢድ ናይ ዘይተረጋገጸ ተምክሮ ዝርከቡን ብምኽንያት እቲ ዝረአይ ዘሎ ለብዒ ተጠንጢኖምን ተሓሪጐምን ንዝከፍኤ ጸገም ተቓሊዖም ይርከቡ ኣለዎ ስለዚህ ከይንርስዖም ኩሉ ስሌኦም ክግደስ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ንስደት ዝተቓልዑ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ንዝመዛበሉ “ምእንጋድን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ምውሃድን”! ኣብ ዓለም ልዕሊ 50 ሚሊዮን ዝግመቱ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ከምዘለዉን፡ ብውግእን ግጭትን ምዝባዕ መሓድሮን ዝመዛበሉን ኣብ ልዕሊ እዚ በቲ ሎሚ ዝረአይ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ዝተነጸሉን ዝተሓረጉን ዝተጠንጠኑን ኮይኖም ከምዝርከቡ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ንሳቶም ብሱቕታ ዝነብርዎ ዘለዉ ዘሕዝን ትርኢት እቲ ሰብኣዊ ሕይወት ንምድሓን ብዓለም ሓቆፍ መስርሕ ናይ ሕጹጽ ናይ ሰብኣዊ ኩነት ሓደጋ ምኽንያት ዝቐርብ ሓገዝ ምስቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ናይ ሓገዝን ተበግሶታትን ብሔራዊ ፖለቲካ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ርሱዕ ከይኸውን ሓደራ ይብሉ።

ወጅሂ  ኢየሱስ ኣብ ተመዛበልቲ

እቲ ዘሕዝን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ፍጻሜ፡ ኢየሱስ ኣብ ዕሸል ዕድመኡ ምስ ወለዱ ናብ ምስሪ ተሰዲዱ ዝተመኮሮ ከምዝኾነን፡ እዚ ኸኣ ናይ እዋንና ናይ ብዙሓት ብሚሊዮናት ናይ ዝቑጸሩ ኣባይቲ ስድራ ስቓይ እዩ፡ ቅዱስነቶም ነቲ ዕለት 29 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም “መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባ እቶም ብጥምየትን ውግእን ብኻልኦት ተዛማዲ ሓደገይና ብዝኾኑ ጸገማት ተገዲዶም ብዛዕባ ዝመዛበሉን ዝስደዱን ሓበሬታ ከቕርባ ይረአይ” ቢሎም ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣብ መልእኽቶም ምስል ቢሎም ብምዝካር፥ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስደተይናን ዝመዛበልን እቲ ብሄሮድስ ተገዲዱ ሕይወቱ ንኸድሕን ዝተሰደ ኢየሱስ ህልው እዩ፡ ኣብ ወጅሂ እዞም ኣሕዋት ናይቲ ዝጠመየን ዝዓረቐን ዝጸመኤን ዝሓመመን መጻእንተይና ዝኾነን ዝተኣስረን ኢየሱስ ንኽንርእይ ንጽዋዕ፡ ኣብኣቶም እንተድኣ ኣለሊናዮ - ይብሉ ቅዱስነቶም - “ኣብቶም ኣሕዋት ስለ ዝተራኸብናዮን ዘፍቀርናዮን ዘገልገልናዮን ዘመስግንዎ ኣንሕና ንኸውን”።

ኣብ ተመዛበልቲ ንጐይታ ነለልይ

ዝበለየ ልብስን ዝረስሐ ኣእጋርን ብኸቢድ ድኻም ዝማሰነን ብምዃን ዝማርኽ መልክዕ ዘይብሉ ዝተሳቐየ ኣካልን ቋንቋና ኣብ ዘይዛረብን ንኽከነለልዮ የዕንትና ዝደኸማ እውን እንተመሰላ፡ እቶም ዝመዛበሉን ዝስደዱን ምስ ጐይታ ንኽንርከብ ዘብቅዑ ዕድል እዮም ዝኾኑልና፡ እዚ እንገዳን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ምውሃድን ኣብ ዝብላ ኣርባዕተ ቃላት ንዝተምእከለ “ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ” ዓቢይ ብድሆ እዩ።

ንኽትርዳእ ምፍላጥ

ብዙሕ እዋን ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክንዘርብ እንከሎና “ኣብ ኣሃዝ ነተኩር” እቲ ሓቂ ግና እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ቁጽሪ ዘይኮኑ ሰባት እያቶም! እንተድኣ ተራኺብናዮም ብርግጽ ክንፈልጦም ኢና፡ ታሪኾም ኣንተድኣ ፈሊጥና ክንርድኦም ኢና፡ ንኣብነት በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ዘጓነፈና ስቓይ ተሞክሮ ዝገበርናዮ ዘርይጉጽነት፡ ናይ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ቀጻሊ ተሞክሮ ምዃኑ ናይ ምስትውዓል ኣኽእሎት ይህልወና፡ ምእንቲ’ዚ ንኽትርድኦ ምፍላጥ ግድ ይኸውን፡ “ምፍላጥ - ይብሉ ቅዱስነቶም - ናብቲ ካባኻ ዝተፈለየ ንኸተብል ይድርኽ” እዚ ኸኣ ኢየሱስ ኣብ ኤማኡስ ምስቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ዘካየዶ ርክብ “ንሳቶም ከኣ በቲ ዝዀን ዅሉ ነገር ንሓድሕዶም ይዛራረቡ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ ኪዛራረቡን ኪማራመሩን ከለዉ፡ ኢየሱስ ባዕሊ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ። ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ” እንክብል ይምህረና።

ንምግልጋል ንኻልእ ቀረባ ምዃን

“ንኸተገልግል ኣገዳሲ ዝኾነ ቀዳማይ ስጉምቲ ቀረባውነት ምዃን እዩ! ብዝሕ እዋን ዘይስትውዓል ይኸውን ግና ፍርሕን ቅድመ ፍርድታትን ብዙሕ ዓይነት ቅድመ ፍርድታት ካብ ካልኦት ንኽንርሕቕ ይድርኹና”፡ ፍርሕን ቅድመ ፍርድታትን - ይብሉ ቅዱስነቶም - ቀረባውያን ኮይንና ነቶም ካባና ዝተፈለዩ ብፍቕሪ ኣብ ምግልጋሎም የሰናኽለና” ንኻልእ ቀረባ ምዃን ማለት  ብዙሕ ግዜ ንሓደጋ ምቅላዕ ማለት እውን እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብዚ እዋን ለብዒ’ዚ ብዙሓት ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ብጭቡጥ ይምህሩና፡ “እዚ ንምግልጋል ቀረባ ምዃን ካብቲ ናይ ሓላፍነት ክስምዓካ ዝገብሮ ዓይነት ቀረባው ምዃን ካብ ዝብል ትርጉም ክንየው እዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ዓቢይ ኣብነት ኢየሱስ እግሪ ኣርድእቱ ክሓጽብ እንከሎ ዝፈጸሞ ዓቢይ ኣብነት እዩ”።

ንኽንዕረቕ ጽን ምብሃሃል የድሊ

“ንኽንዕረቅ ጽን ምብህሃል ከምዘድሊ፡ እቲ ዘተዓርቕን ዘድሕንን ፍቕሪ ይምዕደና፡ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ናይ ቃላት መልእኽትታት ይራብሑ፡ ጽን ናይ ምብህሃል ጠባይ ግና ክሃስስ ይርአይ፡ ብትሑትን ትኩርን ሰማዕነት ብሓቂ ናብ ምትዕራቕ ንበጽሕ” . . . ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና 2020 ዓ.ም. ጐዳናታትናን ከቢድ ጽሞና ውሒጥዎን ዘድንጽው ጽሞና ከቢብዎን ይርአይ ኣሎ፡ ዘሰንብድ ጽምዋ፡ ይዅን እምበር ናይቶም ተኣፋፍያንን ተመዛበልትን ስደተይናታትን ናይታ ኣዚያ እትሳቐይ ናይ ዘላ መሬት ገዓር ሰማዒ እዝኒ ንኽንህቦ ጽን ንኽንብል መታን ኣጋጣሚ የቕርበልና ኣሎ፡ ኣብ ምስማዕ ምስ ቀረባናን ምስ ዝተናዕቁን ምስ ገዛእ ርእስናን ምስቲ ምሕረቱ ንኸወፍየልና ምስ ዘይሕለል እግዚኣብሔር ንኽንዕረቕ  ዘተባብዕ ዕድል ኣሎ።  “ንኽዕረቕ ጽን ምብሃሃል ኣገዳስን ወሳንን ከምዝኾነ -  እግዚኣብሔር ንምድሓናን ናብ ዓለም ሓደ ወዱ ልኢኹ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ስቓይ ጽን ንኽብል ምድላዩ” የረጋግጸልና።

ምውሳእን ምንቕቓሕን

ነቶም ድጋፍን ሓገዝን እነቕረበሎ ሰባት ንኸነቓቕሖም እንደልይ እንተድኣ ኮይንና፡ ካብቲ ዝነብርዎ ዓቢይ ጸገም ፈንጺጐም ንኽወጹ ናይ ዝግብር ጻዕሪ ቀንደይና ተዋሳእያን ክዀኑ ምግባር የድሊ” ተመጽወትቲ ኮይኖም ንኽተርፉ ዘይምሕዳጎም፡ እቲ ዝተኸስተ ለብዒ . . .  ነቲ ዘጋጠመ ቅልውላው ንምብዳህ ናይቶም ዝተናዕቑን ዝተነጸሉን እውን ከይተረፈ ናይ ኩሉ ትውሳኤ ወሳኒ ከምዝዀነ ኣመላኺቱና እዩ”። ቅዱስነቶም ኣብዚ መልእኽቶም እውን ምልሲ ቢሎም ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. እግዚኣብሔር ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንከናግፈና ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ምህለላ ጸሎት፥ “ንሓድሽ ዓይነት ንዅሉን ኩሉ ኣብ እንገዳን ሕውነትን ምትሕብባርን ተግባር ክዋሳእ ዝተጸውዐ ከምዝኾነ ንኸስተውዕል ርሁዋን ዝገብር ትብዓት ክረክብ” ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ንምንቕቓሕ ምውሳእ የድሊ፡ ኢየሱስ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ከምዝገበሮ ማለተ እዩ፡ (ዮሓ። 3, 1-30)፡ እታ ሳምራዊት ናብ ሓቅን ምልዋጥን ንኽትበጽሕ መታን ኢየሱስ ይቐርባን ይሰምዓን ንልባ ይዛረባን።

ንምሕናጽ ምትሕብባር

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም እቲ መልእኽቶም ኣዚዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ “ምትሕብባርን ምሕናጽን” ዝብሉ ቃላት መሰረት ገይሮም፥ “መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕናጽ ናይ ኩሉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጻዕሪ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ብዘይ ምቅንናእን ዘይምስምማዕን ምግምማዕን ምትሕብባር ክንመሃር ወሳኒ ይኸውን”፡ ናይ ሓባር ቤትና ክንዕቅብን ነቲ ኣብ ኣናስር ፍጥረት ንዝነበረ ናይ እግዚኣብሔር መደብ ኣብ ምምሳል እናበረኸት ንኽትከይድ፥ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባርን ዓውሎማዊ ምድግጋፍን ውሑስ ምግባርን ኣብ ዞባታትን እውን ከይተረፈ ማንም ዘይንጽልን ንድሕሪት ዘይሓድግን ናይ ሓባር ጻዕሪ ኣገዳሲ ይኸውን፡ ምእንቲ እዚ ንምሕናጽ ምትሕብባር ወሳኒ እዩ” ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ማሕበረሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ክላበው እንከሎ፥ “ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እምዕደኩም ኣሎኹ”። ከም ዝበሎ እዩ።

ጸሎት

ቅዱስነቶም ብምኽንያት ዕለት 27 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ቅዱስ ዮሴፍ ሕጻን ኢየሱስ ንምድሓን ንምስሪ ሒዝዎ ዝተሰደን ተመክሮ መሰረት ገይሮም፥

ኦ ኣቦ እቲ ዝነበረካ ንዓኻ ኣዚዩ  ክብሩ ዝኾነ፥ ሕጻን ኢየሱስን ኣዲኡን ካብ ሓደጋን ካብቲ ጨካን ስግኣትን ንምክላኽሎም ንቅዱስ ዮሴፍ ሕድሪ በልካዮ፡ ንኣና እውን ናቱ ሓለዋን ሓገዝን ጸግወና፥ ብጽልእ ሓያላት ምኽንያት ብናይ ስደት ስቓይ ዝተፈተነን ብውግእን ድኽነትን ብዝተፈላለዩ ተመሳሳሊ ምኽንያት ተደሪኾም ቤቶምን መሬቶምን ሓዲጐም ናብቲ ውሑስ ዝኾነ ንኽብሉ ዝስደዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን  ንኽንሓልይ ሓገዙን ድጋፉን ጸግወና . . .

ብጸሎት ይዛዝሙ።

ፍራንቸስኮ፥ እቲ ለብዒ ናይ ተመዛበልቲ ዘሕዝን ትርኢት ከየረስዓና
16 May 2020, 15:55