ድለ

መስዋዕተ ቅዳሴ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዕለት 6 ሓምለ 2018 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዕለት 6 ሓምለ 2018 ዓ.ም. 

ር.ሊ.ጳ. ንማእከል ኣስታሊ፥ ኣብ ምክልኻል ዑቕባ መሰልን ክብርን ኣገልግሎትኩም አመስግን

ኣድኒቖምን “ብጸሎትን ብሓልዮት ፍቕሪ ቀረባኹም” እየ ቢሎም - “ኣብ ሰላማውን ፍትሓውን ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ሕውነታውን ዓለም ኣምነትን ተስፋን ይሃልኹም” ከምዝበሉ . . .

ዕለት 28 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ኢየሱሳውያን ማእከል ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ሪፓሞንቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣገልግሎትኩም ኣብ ናይ “ምእንጋድ ባህሊ” ኣብነት እዩ ቢሎም - ነቲ ማኣከልን ነቶም ኩሎም በቲ ማእከል ዝድገፉን ንዅሎም ስደተይናታትን ኣብቲ ማእከል ንዘገልግሉ ወለንተይናታትን “ኣብ ጸሎተይ ዝኩራት” ኢኹም ቢሎም ቅርበቶም ከምዘረጋገጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፉ ቁርብ መዓልታት፡ እቲ ናይ ኢየሱሳውያን ማእከል ስደተይናታት፡ ኣብቲ ዝተንጠልጠለ ሕይወት ታሪኽ ስደተይናታት ዝትርኽ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ስደተይንታት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕን በቲ ከም ስደተይናታት ዘጋጥሞም ጸገማት ኩሉ ዕለታዊ ሕይወቶም ተዓጊቱን ብናይ ዘርይጉጽነት ሕይወት ተጸቒጦም ከምዝርከቡን ከምዘመላኸቱን፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. በቲ ማእከል ኣስታሊ 11 ሺሕ ኣብ ሮማን ብጠቕላላ 20 ሺሕ ዝግመቱ ስደተይናታት ተመዘበልትን ሓተትቲ ናይ ፖለቲካ ዑቕባን ድጋፍ ከምረኸቡን፥ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ስደተይናታት ዘይ ውሑስ ሕይወትን ተነጽሎን ዘይሕጋውነትን ናይ መላእ ሕብረተ-ሰብ ተኣፋፊ ዝገብር ዛዕባ ናይ ስደተይናታት ፖለቲካ ቀያድን ነጻልን ንዘይሕጋውነት ዘገድድን ኣዳላውን ምዃኑ ከምዘመላኽት ደ ካሮሊስ ነቲ ናይ ጸብጻብ ሰነድ ጠቒሶም የመላኽቱ።

ብሕውነታዊ ፍቕሪ ኣአንግዱ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይቲ ማኣከል ኣስታሊ ዋና ኣመሓዳሪ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ካሚሎ ሪፓሞንቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ማእከል እቲ ዓቢይ ብድሆ ዝኾነ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ናይ ዑቕባ መሰልን ክብርን ኣብ ዝምልከቱን  ጉዳያት ዘበርክቶን ዘቕርቦን ተባዕ ኣገልግሎት ኣድኒቖም ከምዘመስገኑን ብዙሓት ካብ ውግእን ካብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ዝስደዱን ዓለም ሓቆፍ ሕጊ ተመዛበልቲ ቢሉ ንዝገልጾምን ኩሎም እቲ ማእከልን ኣብቲ ማእከል ዘገልግሉን ድሕር ከይበሉ ዘቕርብዎ ኣብ ሕውነታዊ ፍቕሪ ዝጸንዔ እንገዳ ጠቂሶምን ኣድኒቖምን “ብጸሎትን ብሓልዮት ፍቕሪ ቀረባኹም” እየ ቢሎም - “ኣብ ሰላማውን ፍትሓውን ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ሕውነታውን ዓለም ኣምነትን ተስፋን ይሃልኹም” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ናይ ሓልዮትን ምትሕብባርን ኣብነት

ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ - እቲ ማእከል ኣስታሊ ብዘቕርቦ ኣገልግሎት ኣቢሉ ኣብ ሕብረተሰብ ዝተሓደሰ እውነተይና ናይ ምእንጋድን ምትሕብባርን ባህሊ ከነቓቕሕን እዚ ጭቡጥ ኣገልግሎቱ ኵለንተናዊ ክኸውን ተመንዮም ኣባታዊ ቅርበቶም ከምዘረጋገጹ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ር.ሊ.ጳ. ንማእከል ኣስታሊ፥ ኣብ ምክልኻል ዑቕባ መሰልን ክብርን ኣገልግሎትኩም አመስግን
28 May 2020, 17:14