ከምቲ ሓዋርያት ተሓቢኦምሉ ካብ ዝነበሩ ዕርዲ ጽርሓ ጽዮን ዝወጽዎ ንሕና እውን ንውጻእ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ቅዱስነቶም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ቅድሚ ምዕራጎም ቀንዲ ትርጉም በዓለ ጰራቅሊጦስ እቲ ንኩሉ ዘሐድስ መንፈስ ቅዱስ ምሳና ከምዘሎ ዘዘኻኽር ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ። ሎሚ እውን እንተኾነ መንፈስ ቅዱስ ካብዚ ከም መሕብኢ ጽርሓ ጽዮን ክንገልጾ እንኽእል ተወሺብናሉ ዝቀነና ዕርድታትና ክንወጽእ የተባብዓና። ሕጂ እምበኣር ኣዕይንትና ልብና ናብታ ንጽሕተ ንጹሓን ዝኾነት ኣብ ጽርሓ ጽዮን ንሓዋርያት ንምምርጻእ መንፈስ ቅዱስ ዘብቅዓቶም እሞ ነቲ ንሳ ኣብ ብሥራት ዝተላበሰቶ መንፈስ ቅዱስ ክለብሱ ዝኽኣለቶም ሎሚ እውን ንቤተክርስትያን እቲ ዘቃጽል ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ክትሰደላ እሞ ኣብ ተልእኮ ክትብገስ ክተማልደላ ንለምና ኢሎም።
ቅዱስነቶም ድሕሪ ኣስተምህሮኦም ናብቶ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተራሓሒቆም ኣስተምህሮኦም ዝተኸታተሉን ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምሳኦም ዘዕረጉን ብመስኮት ተቀልቂሎም `ሎሚ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክኽፈት ብምኽኣሉ ናብኡ ክንምለስ ምኽኣልና ዓቢ ሓጐስ ይስመዓኒ` እንክብሉ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ምስ ሕዝቢ ገጽ ንገጽ ክረኣኣዩ ምብቃዖም ከምዘሐጐሶም ገሊጾም። ከም ዝዝከር ዝሓለፈ ዕለት 8 መጋቢት ነበረ ከም በዓቲ ኣብ ዝገለጽዎ ቤተመጻሕፍቲ ኣትዮም ካብኡ ብመስኮት ተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ትምህርቶምን ቡራኬኦምን ከመሓላልፉ ዝጀመሩ። ሎሚ ከኣ ሓለውቲ ጸጥታ ነቲ ዘድሊ ርሕቀት ብምሕላው ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዚ ኣብ ስእሊ እትርእይዎ ፋሕፋሕ ኢሎም ንኩሉ ተኸታቲሎም።
ሓዋርያት ካብ ፍርህን ሽቊረራን ወጺኦም ተባዓት መሰኻኽር ይኾኑ!
ቅዱስነቶም ቀዳማይ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተክርስትያን ንምግላጽ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንመጅመርያ ግዜ ንሓዋርያት ዝተራእየሉ ፍጻሜ ዝገልጽ ካብ ዮሓ 20.19-23 ዘሎ ልክዕ ኣብቲ በዚ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ምስ እኖና ድንግል ማርያም እናጸልዩ መንፈስ ቅዱስ ዝወረደሉ ቦታ ጽርሓ ጽዮን ዝበሃል ነቶም ብፍርሂ ተዋሒጦም ካብ ኣይሁድ ፈሪሆም መዓጹ ሸጒሮም ዝርዕዱሉ ዝነበሩ ጐይታ ብሃንደበት መጺኡ ኢዱ ዘርጊሑ `ሰላም ንኣኻትኩም' ምስ በሎምን ካብ ፍርሖም ንክምለሱ ምስ ኣረጋግኦምን ብቀዳምነት ምሕረቱ ይገልጸሎም። እዚ ማለት ከአ ከም ሓቁ እንተደኣ ተመልኪትናዮ ኩሎም ክሒዶሞ እዮም። ምሕረቱ ብምግላጽ ከም ቤተክርስትያን የቊሞም ሥልጣን ምሕረትን ሕድገትን እውን የልብሶም። ንሕና እውን ሎሚ ነንሕድሕድና ሰላም ክንበሃሃል እንከሎ ነዚ ምሕረት እዚ ንህብ ንገዛእ ርእስና እውን ነዚ ምሕረት እዚ ንቅበሎ ኢሎኦም።
መንፈስ ቅዱስ ሓደስት ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ይፈጥር!
ቅዱስነቶም ናብታ ትረኻ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ትንሣኤ ይምለሱ እሞ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ሓዋርያት ሰላም ንዓኹም እንክብል ምሕረቱ ብምልጋስ ምሳኡ ምስ ዓረቆምን ማሕበረ ክርስትያን ምስ ገበሮምን ንተልእኮኦም ከበራትዕ መንፈሱ ይህቦም `ኣብ ርእሶም ኡፍ በለሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቀበሉ` (ዮሓ 20.22) ይብሎም። መንፈስ ቅዱስ መን እዩ እንታይከ ይሠርሕ ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ እንክመስሉ ቅዱስነቶም `መንፈስ ቅዱስ ሓዊ እዩ እዚ ሓዊ እዚ ንሓጢኣት የቃጽል ሓደስቲ ደቂ ተባዕትዮን ሓደስት ደቂ ኣንስትዮን ይፈጥር፣ በዚ ሓዊ ፍቅሪ እዚ ገሮም ከኣ እዮም ሓዋርያት ንዓለም ምሉእ ዝልውጡ እዚ ፍቅሪ እዚ ንትሑታትን ናኣሽቱን ድኽታትን ሰብ ዘጓነዮምን ብርሕራሔ ዝሓቁፍ እዩ። ኣብ ምሥጢራት ጥምቀትን ሜሮንን ንመንፈስ ቅዱስ ምስ ውህበታቱ ተቀቢልና። ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ከኣ ጥበብ ኣእምሮ ምኽሪ ጽንዓት ፍልጠት ርሕራሔ ፍርሃት እግዚአብሔር እዮም። እዚ ናይ መጨረሻ ውህበት ማለት ፍርሃት እግዚአብሔር ካብቲ ንሓዋርያት ኣሸቊሪሩን ኣርዒዱን ዝነበረ ቀዳማይ ፍርሃት ዝተፈልየ እዩ እኳ ደኣ ተጻዩ ፍቅሪ ጐይታ ርግጽነት ምሕረቱን ሕያውነቱን ተኣንጊብካ ብምሉእ ምትእምማን ንሱ ናብ ዝሓበረካ ብትብዓት ምግስጋስ እዚ ከኣ ምሳን ምህላውን ደገፉን ከይተፈልየና እዩ።
ብድሕርዚ ቅዱስነቶም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም። ንኩሎም ሰላምንታ ኣብ ዘቅረቡሉ ግዜ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ነቶም ኣብ ግዜ ለበዳ ሓገዞም ዘበርከቱ ንሕሙማት ብምድጋፍኩም ብልቢ አመስግን ኢሎም። ቅዱስነቶም ኣብ ዕለቱ ብሃገር ደረጃ ተዘኪሩ ንዝወዓለ ዕለተ መስተርሆት ብምዝካር ምናዳ ከኣ እዚ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ለበዳን ሳዕቤኑን ንምብዳህ ንሕሙማት ብምድጋፍ ብዙሕ ንዘበርከቱ ብምምስጋን ንሕሙማት ንምጽንናዕ ንዝገብርዎ ምድግጋፍ ክቅጽልዎ ተማሕጺኖም ስለ ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ወለንተኛታትን ብሱቊታ ንጸሊ ኢሎም ብድሕሪ ለበዳ ኮቪድ 19 ንዝገጥም ሽግራት ንምግጣምን ብሩህ መጻኢ ንምህናጽን ብርሃንን ሓይልን መንፈስ ቅዱስ ከምኡ እውን ንወንጌል ብልዝብን ትብዓትን እትምስክር ቤተክርስትያን ብግዲ ከምዘድልዩና ኣዘኻኺሮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ተሰናበቱ።