ድለ

ጸሎት ኩሉ ኣብ ዝደረቀሉ ብሓዲስ ናይ ምውላድ ዕምባባ ይዕድል! ር.ሊ.

‘ዎ እግዚኣብሄር፣ ንጽድቂ ስምዓዮ፣ ናብ ጥርዓነይ ኣቕልብ፣ ናብቲ ኻብ ከንፈር ጥበራ ዘይመጸ ጸሎተይ እዝንኻ ምለሰ። ፍትሔይ ካብ ገጽካ ይውጻእ፣ ኣዒንትኻ ንቕንዕና ይርእያኣ። ልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ . . . ስጕምተይ ኣብ ኣሰርካ ይጽናዕ፣ ኣእጋረይ ሰንከልከል ኣይበላን’ (መዝ 17.1-3,5)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ናይ ሎሚ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ጸሎት ጻድቃን ክንምልከት ኢና። መደብ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ሠናይ እዩ እንተኾነ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ክፍኣት ክስዕርር ንዕዘብ። እዚ ዕለት ዕለት ዘጋጥመና እዩ። ቀዳሞት ምዕራፋት ኦሪት ዘፍጥረት ክፍኣተ ግብሪ ከመይ ኢሉ ቀስ ብቀስ ብሓጢኣት ከምዝሳዕረረ ንምልከት። እቶም ቀዳሞት ፍጥረት እግዚአብሔር ኣዳምን ሔዋንን ነዚ ሠናይ መደብ እግዚአብሔር ክጠራጠርዎ ይጅምሩ (ዘፍ 3,1-7)። ብፈተና ተታሊሎም ከኣ መለኮታዊ ቅናኣት ዘለዎ እግዚአብሔር ከምኡ ክሕጐሱ ከምዘይደለየ ይእምቱ። ኣሻፈረኝ ኢሎም ሠውራ የልዕሉ። እግዚአብሔር ሓጐሶም ዝደሊ ለጋስ ፈጣሪ ምዃኑ ኪኣምኑ ይጽግሞም። ልቦም ንፈተና ጸላኤ ሠናይታ ኢዱ ብምሃብ ማዕረ ከሃሌኩሉነት እግዚአብሔር ክህሎም ሃረር ብምባል ከምታ ጸላኤ ሠናያት ዝመኸሮም `ካብ ፍረ እዛ ዝተኸልከለት ኦም እንተበላዕና ከም እግዚአብሔር ክንከውን ኢና' (ዘፍ 3.5) ሃሞምን ልቦምን ተዋሕጠ። እዚ ፈተና እዚ ማለት እዚ ሃረርታ እዚ እዩ ብዙሕ ግዜ ናብ ልቢ ዚኣቱ። እንተኾነ ነታ ዝተኸልከለት ፍረ ምስ በልዑ እቲ ነገራት ናይ ተገላቢጥሽ ይኸውን ዓይኖም ይኽፈት ዝገደደ ኸኣ ጥራሖም ምዃኑ ይፈልጡ ምንም መሸፈኒ ዘይብሎም። ነዚ ኣይትረስዑ እቲ ፈታኒ ዓማጺ ስለዝኾነ ደሞዙ ሕሰም ሕማቅ እዩ ዝኸፈል።

እቲ ጸላኤ ሠናይት ዝዘርኦ ክፍኣተ ግብሪኸስ ኣብ ዝሰዓበ ካልኣይ ወለዶ ዝኸፍአ ዕንወት የስዕብ ኩነት ቃኤልን ኣቤልን (ዘፍ 4.1-6) ቃኤል ብሓው ኣቤል ብጣዕሚ ይቀንእ። ዘርኢ ቅንኢ ይኣቱ። ሽሕ'ኳ ንሱ በዅሪ እንተደኾነ ንኣቤል ሓው ከም መቀናቅንቲ ይምልከቶ ንብዅርናኡ ከምዝጫረት ጸላኢ ገሩ ይግመቶ። እቲ ዘርኢ ሕሰብ ኣብ ልቢ ቃኤል ይኣቱ እሞ ቃኤል ድቃስ ይስእን ይሕመስ። በዚከምዚኸስ ክፍኣተ ግብሪ ኣብ ልቢ ኪኣቱ ይጅምር ንብጻይካ እናክትርኤ ሕማቅ ጥራይ ከም እትሓስብ ከም እትጠራጠር ይገብረካ። ከይተረዳኣካ `እዚ እቲ ሕሱም ሓወይ እዩ ክጐድኣኒ እዩ ከይቀደመኒ ክቅድሞ ወዘተ እናበለ ድቃስ የስእን። ብከምዚኸስ እቲ በዅሪ ሕውነት ቀዳማይ ሕውነት ብቅትለት ይዛዘም። ሎሚ ብዛዕባ ሕወነት ዘመደ ኣዳም እንክትሓስብን ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለምና ዘሎ ውግኣት እንክትዕዘብን ነዚ የቀጅል።

ንቃኤል ኣብ ዝሰዓበ ወለዶ ጥበብ ይምዕብል ዓመጽ እውን ከምኡ ይግንፍል። ዘይቅርዑይ ቊዘማ ላሜክ 'ላሜክ ድማ ነንስቱ በለን፥ ዓዳን ጺላን፡ ቃለይ ስምዓ፡ ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ናብ ዘረባይ ጽን በላ፡ ስለ ቝስለይ ሰብኣይ፡ ስለ ስምብራተይ ድማ ጐበዝ ቀተልኩ' (ዘፍ 4.23) እንክብል ንቅንእን ሕስድናን ስዒባ እትመጽእ ሕነ ምፍዳይ ይመጽእ። ነዚ ሕነ ምፍዳይ እዚ ዳኛ ኰፍ ኢሉ ኣይኮነን ዝፈርዶ ኣነ ባዕለይ ዳኛ ኰይነ ቀናኢ ኣዕናዊ ዝገደደ ከኣ ብዕጽፍን ድርብን ሕነ ዝፈዲ እኸውን። በዚ ከምዚኸስ ክፍኣተ ግብሪ ግዝኣቱ የስፍሕ ዝገደደ ከኣ ልቢ ኩላቶም ደቂሰብ ናይቲ ግዜቲ ይመልኽ። ኣብ ዘፍ 6.5 'እግዚኣብሄር ከኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረኣየ` እንክብል እግዚአብሔር ክሳብ ምጥዓስ ከምዝበጽሔ ብቋንቋ ደቂሰባት ክፍኣት ዘመደ ኣዳም ክገልጾ ይፍትን። ስዒቡ ዝመጸ ፍጻሜታት ማይ ኣይሂ ግንቢ ባቢሎን ወዘተ ኣብ ነፍሲወከፍ ዘመን ሓዲስ ምጅማር ከምዘድለየ ይገልጽ። እዚ ሕዳሴ እዚ ኣብ ታሪኽ ክሳብ ናይ ዝለዓለ ሕዳሴ ኢየሱስ ክርስቶስ በብግዜኡ ይደጋገም ነበረ።

ኣብዘን ቀዳሞት ገጻት ቅዱስ መጽሓፍ ካልእ ታሪኽ እውን ተጻሒፉ ኣሎ። እዛ ታሪኽ እዚኣ ብዙሕ ዝተዋዓወዔት ኣይኮነትን ብትሕትናን ብተወፋይነት እትመዝገበት ተስፋ ዝሓዘለት ታሪኽ እያ። ሽሕ`ኳ እቲ ጐሊሑ ዝረኤ ታሪኽ ክፍኣትን ውድቀትን ዓመጽን እንተኾነ ካብ መጀመርያ ጀሚሮም ከኣ ቅኑዓትን ቅዱሳትን ሰባት ብትሕትናን ብእምነትን ዝጽልዩ ቅርበቶም ምስ እግዚአብሔር ብግህዶ ዝረኤ እግዚአብሔር ዝዛረቦም ንጸሎቶም መልሲ ዝህቦም ታሪኽ ኣሎ። ኣቤል ንእግዚአብሔር ዓሥራተ ብኩራት ቀዳማይ ፍሬኡ መባእን መስዋዕትን የቅርብ ነበረ። ኣቤል ምስ ሞተ ኣዳምን ሔዋንን መታካእታ ናቱ ሴት ዝበሃል ካብኡ ሄኖስ መዋቲ ዝብል ትርጉም ሒዙ ይውለድ ብድሕርዚ 'ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ ጀመሩ።` (ዘፍ 4.26) ይብል። ጸኒሑ ሄኖክ ይመጽእ ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ይመላለስ ናብ ሃገረ ሕያዋን ሞት ከይጠዓመ ይሰግር (ዘፍ 5.22) ስዒቡ ምስ እግዚአብሔር ዝጐዓዝ ኖህ ይመጽእ ንዘርኢ ሰብ ካብ ምድምሳስ ከኣ የድሕን (ዘፍ 6.8)።

ነዚ ታሪኽ እዚ በብሓደ እንክተንብብ ጸሎት ጸግዒ ደቂ ሰባት ኣብ ሕሰምን ጸገምን መህደሚ ኣብ ዓለም ማዕበል ዓመጽ እንክዓቢ ዋሕስ ዝኸውን ምዃኑ ንግንዘብ። ነዚ ኣዕሙቚ እንተበልናዮ ጐይታ ካብ ገዛእ ርእስና ንከድሕነና እውን ንጽሊ። እዚ ኣገዳሲ እዩ `ኦ ጐይታ በጃኻ ካብ ገዛእ ርሰይ ካብ ዘይከውን ሃረርታተይ ካብ ስምዒታተይ ኣድሕነን ካብ ገዛእ ርእሰይ ሓልወኒ` ኢልካ ምጽላይ ኣድላዩ። ኣብ ቀዳሞት ገጻት ቅዱስ መጽሓፍ እንረኽቦም ናይ ጸሎት ሰባት ኩሎም ናይ ሰላም ሰባት ነበሩ። ከም ሓቁ ከኣ ቀዳማይ ሥራሕ ሓቀኛ ጸሎት ካብዚ ጥንተ ጸላኢ ኣብ ልብና ዝዘርኦ ዓመጽ ምንጋፍ ኰይኑ ገጽ እግዚኣአብሔር ከም እትርኢ ገሩ ናብኡ ከምእትምለስን ንልቢ ደቂሰባት ክትፍውስ ከም እትቃለስን ይገብረካ። ኣብ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ቊ.2569 `እዚ ዓይነት ጸሎት ጽድቂ ብብዙሓት ጻድቃን ናይ ኩለን እምነታት ተገራ እያ` እንክብል ይገልጾ። ጸሎት ናይ ብሓዲስ ምውላድ ጸጋ ከምእትረክብ ይገብረካ ምናዳ ኣብቲ ጽልኢ ደቂ ሰባት ንኩሉ ናብ ምድረበዳ ለዊጡሉ ዘሎ ኩነት ሕይወት ይዘርእ። ጸሎት ትኽእል እያ ከመይ ንሓይሊ እግዚአብሔር ስሒባ ሕይወት ከምዝህብ ትገብሮ። ናይ ሕይወት ኣምላኽ ዝኾነ እግዚአብሔር ብሓዲስ ናይ ምውላድን ምፍጣርን ጸጋ ይዕድል።

እነሆ እምበአር መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣብዞም ሰባት እዚኦም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ይነብር እንተኾነ እዞም ሰባት እዚኦም ብዓለምና ዝተረስዑ ነበሩ። ከም ሓቁ ግን እቲ ዓለም ንባዕሉ ከምዝህሉን ከምዝነብርን ዝገብሮ ናይዞም ሰባት እዚኦም ጸሎት እዩ። እዚ ሰንሰለት ጸሎት ሥሩዕ ተግባር ኰይኑ ንኩሉ እኳ እንተኣነባበረ ዓለም ግን ኣይልቡ ኣይእዝኑ። ከም ሓቁ ግን ብዘይ እዚ ጸሎት ሰንሰለት እቲ ዓለም ንባዕሉ ክቅጽል እምበይምኸኣለን። ኣብዚ ታሪኽ ሓደ ገዛኢ ትዝ ይብለኒ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዝነበረ ዓቢ ኣገዳስነት ዝነበሮ እዩ። ኣብ እግዚአብሔር ዚኣምን ኣይነበረን ልቢ እምነት ኣይነበሮን። ካብ ሕጻንነቱ ግን ሓንቲ እትጽሊ ሰበይቲ ይሰምዕ ነበረ። እዚ ኣብ ልቡ ተሳኢሉ ተረፈ። ድሕሪ ነዊሕ ግዝያት እዚ ሰብ እዚ ኣብ ዓቢ ጸገም ይወድቅ ሽዑ `ዋእ ዓባየይ ቀደም ትጽሊ ነራ ኣነኸ ዘይፍትን` ኢሉ ከምቲ ንሳ ትገብሮ ዝነበረት በተን ቃላት ይጽሊ። ቀስ ብቀስ ኢየሱስ ይግለጸሉ። በዚኸስ ጸሎት ናይ ሕይወት ሰንሰለት ምዃኑን ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን በዚ ሰንሰለት እዚ ሕይወት ከምዝዘርኡ ንርኢ። ስለዚ ንሕጻናት ብሕጻንነቶም ጸሎት ምምሃሮም ኣገዳሲ እዩ። ብዙሕ ግዜ ንሕጻናት እስኪ ትእምርተ መስቀል ግበሩ ክብሎም እንከሎኹ ዘጋጥመኒ ብጣዕሚ የሕዝነኒ በቃ ኣይክእልዎን። በጃኹም መሃርዎም ከመይ ቀዳማይ ጸሎት ትእምርተ መስቀል እዩ። ምስ ዓበዩ ክርስዕዎ ይኽእሉ ካልእ መንገዲ ሕይወት ክመርጹ ይኽእሉ እቲ ኣብ ልቦ ተሳኢሉ ዝተርፍ ግን እቲ ብሕጻንነቶም ኣብ ልቦም ዝሰኣልናዮ ዘርኢ ዘተ ምስ እግዚአብሔር ዘርኢ ጸሎት እዩ።

ከምቲ ጐይታ ኣብ ትንቢት ሕዝቅኤል ዝበሎ እግዚአብሔር ምስ ሕዝቡ ክጐዓዝ እንከሎ ብዙሕ ተኣምር ይገብር ነቲ ክልወጥ ዘይከኣል ዝመስል እውን ይልውጥ ሽዑ ከምቲ ቃሉ ተኣምር ይገብር ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነቲ ናይ ኣእማን ልብና ናብ ናይ ሥጋ ይልውጦ። ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፣ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፣ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውጽእ፣ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ። 'ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፣ ብትእዛዛተይ ከመላልሰኩም፣ ፍርደይ ከሐልወኩምን ከግብረኩምን እየ' (ሕዝ 26.36) ይብል። ጸሎት ናብ እግዚአብሔር ንእተብሕ ማዕጾ ስለዘርሑ ብዙሕ ይሕግዝ ከመይ ነቲ ብዙሕ ግዜ ከም እምኒ ደረቅ ዝኾነ ልብና ናብ ሥጋዊ ልቢ ሰብ ስለዝልውጦ። ሰብኣውነት የድልየና እዩ ሰብኣውነት እንተለቢስና ኢና ጽቡቕ ክንጽሊ እንክእኽል እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 May 2020, 19:18